ቢል ኮዝቢ፡ ቅድሚ 50 ዓመት ጾታዊ ዓመጽ ንዝፈጸመላ ኣሳሳይት 19 ሚልዮን ዶላር ክኸፍላ ተኣዚዙ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዳያኑ ካሊፎርንያ፡ ቢል ኮዝቢ ቅድሚ ልዕሊ 50 ዓመታት፡ ንሓንቲ ኣሳሳይት ንዝበረት ናብ ሓደ ካብ ፊልምታቱ እናወሰዳ ከሎ ብምዕንዛዝ ጾታዊ ትንኰያ ከም ዝፈጸመላ ድሕሪ ምርግጋጾም፡ 19.25 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኣዚዞም።
ዶና ሞትሲንገር፡ እቲ ኰኾብ ነበር፡ ኣብ 1972 ካብ ገዛኣ ብሊሞዚን ድሕሪ ምውሳዱ፡ ወይንን ዓቕሚ ክትስእን ዝገበራ ከኒናን ከም ዝሃባ ገሊጻ።
ብ2023፡ ትሽዓተ ደቀንስትዮ፡ ንኮሜድያን ቢል ኮዝቢ፡ "ሓይሉ፡ ዝናኡን ክብሩን" ተጠቒሙ ጾታዊ ዓመጻት ፈጺሙልና ክብላ ከሲሰንኦ ነይረን።
እተን ደቀንስትዮ፡ እቲ ተዋሳኣይን ኮሜድያንን ነበር ካብ 1979 ክሳብ 1992 ኣብ ኔቫዳ ኣብ ኣባይቲ፡ መቐየሪ ክዳንን ሆቴላትን ብመድሃኒት ከም ዘዐንዘዘንን መጥቃዕቲ ከም ዘውረደለንን ይዛረባ።
ወዲ 88 ዓመት ኮዝቢ፡ ንዝቐረበሉ ተኸታታሊ ሲቪላውን ገበናውን ክስታት ብምንጻግ፡ እቲ ብዶና ዝቐረበ ክሲ'ውን ነጺግዎ።
ጠበቓ ኮዝቢ ጀኒፈር ቦንጂን ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣንጻር እቲ ብሰኑይ ዝተዋህበ ፍርዲ ይግባይ ክትብል ምዃና ገሊጻ።
እቶም ንጉዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝከታተሉ ዳያኑ፡ ገና ዘይወሰኑዎ መቕጻዕትታት ክህሉ ከም ዝኽእል'ውን ይግለጽ።
ሕጂ ጓል 84 ዓመት ዝዀነት ዶና ሞትሲንገር፡ ኣብ ጥቓ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝርከብ ትራይደንት ዝተባህለ ኮዝቢ ሓዊሱ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ቤት መግቢ፡ ኣሳሳይት ኰይና ትሰርሕ ነይራ።
ኣብቲ ዘቕረበቶ ክሲ፡ ኮዝቢ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ስታንድ ኣፕ ኮሜዲ ምርኢታቱ ከም ዝዓደማ ብምግላጽ፡ ብመኪና ክወስዳ ድሕሪ ምውጽኦም ድማ ኣስፕሪን ዝመስላ ከኒና ከም ዝሃባ ምግላጻ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።
"ድሕሪኡ፡ ኣብ መንጐ ውነኣ ስሒታ ከም ዝነበረት'ያ ትፈልጥ፡" ጠበቓኣ ጠቒሱ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ሓቢሩ።
"ሚስ ሞትዚንገር እትዝክሮ ናይ መወዳእታ ነገር፡ ብልጭታ ብርሃን'ዩ ነይሩ።"
እቲ ሰነድ፡ ብዘይካ ውሽጣዊ ክዳና ኣብ ገዛ ዕርቃና ከም ዝተበራበረትን፡ "ብቢል ኮዝቢ ከም ዝዓንዘዘትን ከም ዝተዓመጸትን ፈሊጣ፡" ይብል።
ጠበቓታት ኮዝቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበ ሰነዳት ሞትዚንገር፡ "እንታይ ከም ዘጋጠመ ከም ዘይትፈልጥ ኣሚና'ያ፡" ብምባል ነቲ ክሲ ከም ዝነጸጉዎ ማዕከን ዜና ኤፒ ጸብጺቡ።
ኣፈኛኡን ጠበቓኡን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።
እዚ ኮሜድያን ኣብ 1980ታትን 90ታትን ብ'ዘ ኮዝቢ ሾው' ዝሰርሖ ሲትኮም ዓቢ ዝና እኳ እንተ ኣትረፈ፡ ካብ 1960ታት ጀሚረን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቀንስትዮ ብዓመጽ፡ ጾታዊ ትንኰያን ጾታዊ ምጕዳል ስነ-ምግባርን ክስታት ድሕሪ ምቕራበን ግን ዝናኡ ባይታ ዘቢጡ።
ንሱ ግን፡ ኵሉ እቲ ርክባት ብስምምዕ ዝተገብረ ምዃኑ ይምጕት።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available