ጃስቲን ቲምበርሌክ፡ ናብ ህዝቢ ከይዝርጋሕ ዝሓተቶ ቪድዮ ገበን እንታይ ዘርኢ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Sag Harbor Police Department via Getty Images
ህቡብ ስነጥበባዊ ጃስቲን ቲምበርሌክ ኣብ ኒውዮርክ መስተ ሰትዩ መኪና እናዘወረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ዘርኢ ቪድዩ ተዘርጊሑ።
እቲ ፍጻ ኣብ 2024 ዘጋጠመ ኰይኑ ብፖሊስ ቦዲካም ዝተቐርጸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ እዩ።
እቲ ኮኾብ ፖፕ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ቪድዮ ከይዝርጋሕ ከሲሱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ብዓርቢ ንኽዝርጋሕ ተሰማሚዑ።
ቲምበርሌክ ኣብቲ እዋን ሰኺሩ መኪና ብምዝዋርን ናብ ዘይግቡእ ሸነኽ ጽርግያ ብምጥዋይን እዩ ተኸሲሱ።
ኣብቲ እቲ ብኸፊል ዝተኣረመ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ቲምበርሌክ ኣብ እዋን መርመራታት ወታእታእ እናበለ ዑደት ስነጥበብ የካይድ ከምዘሎ ከረድእ ክፍትን ይርአ።
ፖሊስ ደው ምስ ኣበሎ "ብዛዕባ እዚ ኣጋጣሚ ይቕሬታ" ክብል ቲምበርሌክ ይስማዕ።
እታ ዝዝውራ ዝነበረ ቢኤምድብዩ መኪና፡ ናቱ እንተዀይና ምስ ተሓተተ ድማ ንገለ መዓልታት ክጥቀመላ ዝተኻረያ ከምዝዀነት ይዛረብ።
ብድሕሪኡ እቲ መኮነን እንታይ ይገብር ከምዘሎ ምስ ሓተተ ቲምበርሌክ ኣብ ዑደት ስነጥበብ ከምዘሎ ይምልስ።
"እንታይ?" ፖሊስ ይሓትት።
"ዑደት ዓለም" ቲምበርለክ ይምልስ።
"እንታይ ንምግባር?" ይሓትት እቲ ሓላፊ።
"እ፡ ንምግላጹ ኣጸጋሚ'ዩ። እ፡ እ፡ ኣ፡ ዑደት ዓለም። ኣነ ጃስቲን ቲምበርለክ እየ" ክብል ወታእታእ ይብል።
"ሽምካ መን እዩ፧" ይሓትት እቲ ፖሊስ። ቲምበርለክ ስሙ ደጊሙ ይነግሮ። እቲ ፖሊስ ፍቓድ መዘወሪ ክርእዮ ይሓትት።
ኣቲ ሰነድ ክሲ፡ ኣዒንቲ ቲምበርሌክ "ደም ዝመልአ ብርጭቆ ይመስልን" ከምኡ'ውን፡ "ካብ ትንፋሱ ሓያል ጨና ኣልኮላዊ መስተ ይተንን ከምዝነበረን" ይጠቅስ።
ኣብቲ ቪድዮ ድማ፡ ቲምበርሌክ ኣካላዊ መርመራ ስኻር ክገብር ምስ ተሓተተ፡ ሰንከልከል ክብል ይርአ።
ንፖሊስ "ቁሩብ ስለዝተጨነቕኩ እዩ" ይብሎም። መርመራ ትንፋስ ክገብርድማ ይኣቢ።
"እዚኦም፡ ማለት፡ እዚኦም ብሓቂ ከበድቲ ፈተናታት እዮም" ይብል ቲምበርሌክ።
እቶም ፖሊስ ኣብ መወዳእታ ንቲምበርሌክ ብመቑሕ ኣሲሮም ኣብ ድሕሪት ናይታ መኪና ፖሊስ ኮፍ ከምብልዎ ይረኣዩ። ሓደ ምስ ቲምበርለክ ዝነበረ ሰብ ናብቶም ፖሊስ ቀሪቡ እንታይ ይፍጠር ከምዘሎ ይሓትት፡ ከይኣስርዎ ድማ ይልምኖም።
ጠበቓታት ቲምበርሌክ፡ እቲ ቪድዮ "ኣብ ኣዝዩ ተቓላዓይ ኵነታት" ኰይኑ ከምዘርእዮን ኣብ ዝናኡ "ከቢድን ዘይዕረን ጉድኣት ከምዘስዕብን" ከምዝተማጎቱ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዳኛ ነቲ ቪድዮ ምዝርጋሕ ኣብ ብሕታዊነት ዝፍጸም ጥሕሰት ከምዘይኰነ ወሲኑ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ዝተወሰነ ክፍሊ ናይቲ ቪድዮ ተቐኒሱ ንኽዝርጋሕ ከምዝተሰማምዑ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ቲምበርለክ ፈለማ ሰኺሩ መኪና ብምዝዋር ብዝብል ተኸሲሱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2024 ንውሑድ ከቢድ፡ ዘይገበናዊ ገበን ትራፊክ፡ ስንክልና እናሃለወ ምዝዋር መኪና ገበኑ ተኣሚኑ።
ቲምበርሌክ 500 ዶላር መቕጻዕቲን 260 ዶላር ተወሳኺ ክፍሊት ክኸፍል፡ ን25 ሰዓታት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ክሰርሕን ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ፍርዲ ድማ ህዝባዊ ድሕነት ከወዓውዕን ተኣዚዙ።
"ዋላ ሓንቲ መስተ እንተሰቲኻ መኪና ኣይትዘውር" ኢሉ ቲምበርሌክ ኣብቲ እዋን።
"እዚ ዝገበርክዎ ጌጋ'ዩ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝዕዘብን ዝሰምዕን ዘሎ ሰብ ካብዚ ክመሃር ተስፋ እገብር። ብርግጽ ኣነ ካብዚ ተማሂረ እየ።"









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


