እታ ንሶማላውያን እስላማውያን ነቐፍታ ዝሰዓረት ጫሕጋሪት ሑጻ

ንባህላዊ ጽልኢ ሰጊራ ኣብ ሶማል ክቡር ስነ-ጥበባዊት ክትከውን ዝኸኣለት ኑጁም ሓሺ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ፡ ጓል 7 ዓመት ከላ ኣብ ሑጻ ስእሊ እናሰኣለት እያ ሞያኣ እንታይ ከምዝኸውን ወሲና።

ኣብ 1990ታትን መጀመርታ 2000ሓትን ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ስለዝነበረ ስድራኣ ውሱን መንበሪ ኣይነበሮምን። ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ይሃድሙ ነይሮም።

ሓሺ ግን ኩሉ ግዜ ትስእለሉ ሑጻ ኣይትስእንን ነይራ።

"ስነ-ጥበብ ወትሩ ንዓይ ሓደ ዓይነት እፎይታ ኮይኑኒ'ዩ" ትብል ሓሺ።

"ኣብ እዋን ጽዑቕ ውግእ፡ ስእሊ ንቡርን ሰላማውን ህይወት ምስኣል የህዲኣኒ ነይሩ።"

ስነ ጥበብ ድሕሪ ምዝሓል እቲ ኲናት እውን ሓጊዝዋ እዩ። "ናይ ቁርኣን መምህረይ ሓያልን ቊጡዕን እዩ ነይሩ። ስለ ዝሃርመና ኣዝየ ይፈርሖ ነይረ። ንገዛይ ክኸይድ ከለኹ ከምሓደ ዓይነት ፈውሲ ጸቕጢ ኣብ ሑጻ ስእሊ ይስእል።"

"ኣብ መንደቕ መደቀሲየይ ብርሳስ ቀስ ብቀስ ምሉእ ከተማ ስኢለ።"

ሓሺ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ ጥበብ ተማሂራ ኣይትፈልጥን።

"ኣቦይ መምህረይ እዩ ነይሩ። ስነጥበባዊ ኣይነበረን፡ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ግን ይስእል ነይሩ። ከመይ ጌረ ከም ዝስእል ከርእየኒ ሓቲተዮ። ግን ንእሽቶይ ከለኹ ሞይቱ።"

ኣዲኣ ግን ስነ ጥበባዊት ናይ ምዃን ሕልማ ኣይደገፈትን። ንሃይማኖታ ብግቡእ ትስዕብ የላን ኢለን ዝኸስኣ ጎረባብታ እውን ኣይደገፋን።

መብዛሕትኦም ኣመንቲ እስልምና፡ ንሰብን እንስሳን ዝገልጽ ስነ-ጥበብ ክልኩል ምዃኑ ይኣምኑ።

"ምስኣል ከቋርጽ ኣገዲዶምኒ። ስነ-ጥበብ ምሉእ ብምሉእ ገዲፈ ነርሲንግ ተማሂረ። ግን ኣሰልቻዊ ኮይኑ ረኺበዮ። ሓደ መዓልቲ ሰባት ብዛዕባይ እንታይ ከምዝሓስቡ ብዘየገድስ ስነ-ጥበብ ፈጺሙ ከምዘይገድፈኒ፡ ኣነ’ውን ስነ-ጥበብ ፈጺመ ከምዘይገድፎ ወሲነ።"

ሕጂ ሓሺ ካብ ስነ ጥበባ ብትረኽቦ ጽቡቕ እቶት መነባብሮኣ ክትመርሕን ሰፊሕ ስድራኣ ክትድግፍን ክኢላ እያ።

እዛ ጓል 26 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ዝኾነት ሃርጌሳ ትነብር።

ዝተፈላለዩ ክፍልታት መንግስቲ፡ ኣህጉራውያን ትካላትን ውልቀሰባትን ስራሕ ይህብዋ።

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሶማሊላንድ ዝያዳ ኣዋልድ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምእታው ንዝገብሮ ወፍሪ ዝሕግዙ ስልታት ክትስእል ሓቲትዋ’ዩ።

"እዛ ጓል ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዝኣ ነዊሕ ድሕሪ ምጉዓዛ ኣጣል ስድራቤት እናሓለወት ዕዮ ገዝኣ ትሰርሕ ኣላ። ኣዋልድ ጎኒ ጎኒ ናይ ገዛ ዕዮአን ክመሃራ ከም ዝኽእላ ከርኢ ደልየ እየ ስኢለዮ።"

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህባ ስራሕ፡ ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተ ቢላን ዝተባህለ ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝኸውን መራኸቢ ብዙሓን ዝኸውን ስእሊ እዩ። ሓንቲ ጋዜጠኛ፡ መዓልታዊ ህይወተን ዘካይዳ ደቂ ኣንስትዮ ክትስእል የርእይ። ኣብ ትሕቲ እቲ ገረብ ከኣ፡ ሓሺ ስእሊ ክትስእል ትርአ።

ኣብ ሶማልያን ሶማሊላንድን ናይ ስነ ጥበባውያን ናውቲ ምርካብ ቀሊል ስለዘይኮነ ኣዕሩኽታ፡ ካብ ኬንያ፡ ጅቡቲን ኪኖኡን ቀለም፡ ብራሽን ካንቫስን ንክስደደላ ክትሓትት ኣለዋ።

ስነ ጥበብ ሓሺ ፖለቲካዊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ገለ ትካላት ዜናን ጋዜጠኛታትን ድማ ስርሓ ይጥቀሙሉ እዮም።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘጋጠመ ግጭት ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም እዮም።

"ሓደ ፖሊስ ተኹሲ ክኸፍት ከሎ ብድሕሪ መናብር ተሓቢአን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዘርኢ ስእሊ ርእየ። ካብ ኣእምሮይ ከውጽኦ ኣይከኣልኩን።"

"ሓደ ሚኒስተር ከይተዓደመ ኣብ ቀብሪ ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ተረኺቡ። ሰባት ተቖጢዖም፡ ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ብድሕሪቱ ረጊሓቶ።"

"ሕጂ ከም ጅግና ተቓዋሚት እያ ትርአ!"

እቲ ዞባ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠሞ ዝኸፍአ ድርቂ ኣብ ዝጻወረሉ ዘሎ እዋን፡ ሶማላውያን ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎም’ዩ።

"እቶም ፖለቲከኛታት፡ ዓለም ንዝጠመዩ ሰባት ገንዘብ ክሰድድ ይልምኑ" ትብል ሓሺ። "ድሕሪኡ ጁባኦም ይመልኡ።"

ድርቅን ምብልሻው ከባብን መበገሲ ገለ ካብቲ ረቒቕ ስእልታታ እዮም። እዚ ኣብ ሃርጌሳ ስቱድዮኣ ዝርከብ ስእሊ፡ ነቲ ዝተሰንጠቐን ዝነቐጸን መሬትን ፍሓም ንምስራሕ ዝነደዱ ክቡራት ኣግራብን ዘመልክት እዩ።

ብዙሓት ስእልታት ሓሺ ሰባት መዓልታዊ ንጥፈታቶም ክፍጽሙ እንከለዉ ዘርእዩ እዮም። "እዛ ዘላናዊት ስድራ ነቲ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ኣገልግሎት ቢቢሲ ሶማሊ ዝነበረ ኣሕመድ ሓሰን ዓውከ እዩ ዝሰምዕ ዘሎ።"

"እቲ ዘሕዝን ሕጂ ሞይቱ'ዩ። ሰባት ኣዝዮም ይፈትውዎ ነይሮም፡ ብፍላይ ድማ እቲ ዘገርምን ዓሚቝን ድምጹ።"

ገለ ስእልታት ኣዝዮም ውልቃዊ እዮም።

"እዚ፡ ኣነ ምስ ቫይረስ ኮቪድ እናተቓለስኩ ዘርኢ'ዩ። ኣዝየ ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ፡ ከም ብዙሓት ኣብ ከባቢየይ ዘለዉ ሰባት ከይመውት ፈሪሐ ነይረ።"

"ነዛ ስእሊ ድሕሪ ምስኣለይ፡ ሰባት ብኸመይ ክሓዊ ከም ዝኸኣልኩ ዝሕብር ምኽሪ ክሓቱኒ ክድውሉለይ ጀሚሮም።"

ሓደ ካብቲ ሓሺ ትፈትዎም መዘናግዒታት ናብ ገጠራት ብፍላይ ድማ ናብቲ ዘደንጹ ኣኽራናት ሸኽ ሶማሊላንድ ምኻድ እዩ።

"ኣብዚ ግዜ'ዚ ምስኣል ምስ ዘይኽእሉ ኣዕሩኽተይ እየ ዝጓዓዝ ነይረ። ናውተይ ኣካፊለዮም። ኣብ መወዳእታ እቲ መዓልቲ ድማ ኩሎም ዝገርም ስእሊ ስኢሎም።

"ስነ-ጥበብ ካብቲ ኲናት፡ ጥሜትን ሕማምን ዝብል ጽልዋታት ወጻኢ ዘሎ ሕቡእ መዳያት ህይወት ሶማል ክርኢ የኽእለኒ።"