ብዛዕባ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፡ ሞጅታባ ኻመኒ፡ እንታይ ንፈልጥ?
ምንጪ ስእሊ, Tasnim News Agency
ወዱ ነቲ ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤል ዝተቐትለ ንልዕሊ 35 ዓመታት ዝመርሐ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝዀነ ሞጅታባ ኻመኒ ተካኢ ኣቦኡ ብምዃን ተመሪጹ።
እዚ 56 ዝዓመቱ ሰብኣይ ብዙሕ ክርአ ኣይጸንሐን፣ ስልጣን መንግስቲ ሒዙ ኣይፈልጥን። ህዝባዊ መደረታት ኮነ ቃለመሕትታት ክህብ'ውን ኣይርአን። ናብ ግዳም ዝወጽኡ ውሱናት ኣሳእልን ቪድዮታትን ጥራሕ እዮም ዘለውዎ።
እንተዀነ፡ ብብሒል ጎቦ ኰይኑ ኣብ ኢራን ንዓመታት ልዑል ጽልዋ ከም ዝጸንሖ እዩ ዝውረ።
ኣብ 2000 ብዊኪሊክስ ኣብ ዝለሓዀ ሓበሬታ፡ ዲፕሎማስያዊ መርበብ ኣመሪካ "ብድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ሓይሊ፡" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ከም "ብቑዕን ሓያልን" ሰብ ከም ዝርአ ማዕከን ዜና ኤፒ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራሒ ኢራን ኰይኑ ምምራጹ ግን ኣካታዒ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ዘውዳዊ ስርዓት ዓልዩ ብ1979 ስልጣን ዝጨበጠ እስላማዊ ሪፖብሊክ፡ ላዕለዋይ መራሒኡ ዝመርጽ ብውርሻዊ ምትኽኻእ ዘይኰነስ ብመሰረት ኣብ ሃይማኖት ዘለዎ መርገጽን ዘመስከረ መሪሕነትን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብዚ ኵሉ ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ ብዛዕባ ተካኢኡ ብሓፈሻኡ እንተ ዘይኰይኑ ብንጹር ብዙሕ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን።
ሓደ ኣባል ባይቶ ክኢላታት ኢራን፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት እቲ 88 ዝኣባላቱ መራሒ ዝመርጽ ኣካል፡ ዓሊ ኻመኒ ወዱ ሕጹይ ኰይኑ ክቕረብ ንዝብል ሓሳብ ከም ዝቃወሞ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ፡ ብግልጺ ከምኡ ኢሉ ክዛረብ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።
ሞጅታባ ኻመኒ መን እዩ?
ብ8 መስከረም 1969 ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ማሽሃድ ዝተወልደ ሞጅታባ፡ ካብ ሽዱሽተ ደቂ ዓሊ ኻመኒ መበል ካልኣይ እዩ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ዓላቪ ተማሂሩ።
ሞጅታባ ኣብ 17 ዓመቱ ኣብ እዋን ኲናት ኢራንን ዒራቕን ኣብ ሰራዊት ከም ዘገልገለ ማዕከናት ዜና ኢራን ይሕብራ። ንዒራቕ ዝድግፋ ዝነበራ ኣመሪካን ምዕራባውያንን ንመንግስቲ ኢራን ኣብቲ ንሸሞንተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ብጥርጣረ ክምልከታኦ ገይሩወን እዩ።
ሞጅታባ ኣብ 1999 ናብታ ከም ኣገዳሲት ማእከል ስነመለኮት ሺዓ እትቝጸር ቅድስቲ ከተማ ቆም ብምኻድ ሃይማኖታዊ ትምህርቱ ቀጸለ።
ክሳዕ ሽዑ ሃይማኖታዊ ልብሲ ዘይምኽዳኑ ርኡይ ነይሩ። ኣብ ሰላሳ ዕድመኡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ክከታተል ዝወሰነሉ ምኽንያት'ውን ንጹር ኣይኰነን።
ሞጅታባ ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ምጽንሑ፡ ከም ላዕለዋይ ወይ መንፈሳዊ መራሒ ኰይኑ ንኽሰርሕ ዕንቅፋት ክዀኖ ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ገለ ማዕከናት ዜናን ናብ ማእከል ስልጣን ኢራን ቅርበት ዘለዎም ሰበስልጣንን ንሞጅታባ ንላዕለዋይ ሃይማኖታዊ ሓላፊ ዝገልጽ "ኣያቶላህ" ኢሎም ክጸርሑዎ ጀሚሮም ኣለዉ።
እዚ ብገለ ተዓዘብቲ፡ ሃይማኖታዊ ደረጃኡ ክብ ንምባልን ከም እሙን መራሒ ንምስኣልን ዝግበር ፈተነ ገይሮም ይርእዩዎ።
"ኣያቶላህ" ዝብል መዓረግ ምሓዝን ልዕል ዝበሉ ትምህርትታት ምምሃርን ንሓደ ሰብ ምሁርን ፈላጥን ምዃኑ ዝሕብሩ ኰይኖም፡ ከም መራሒ ኰይኑ ክሕረ ከም ኣገዳስን ወሳንን ይቝጸር።
እንተዀነ፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ተራእዩ እዩ። ዓሊ ኻመኒ ኣብ 1989 ላዕለዋይ መራሒ ድሕሪ ምዃኑ "ኣያቶላህ" ተባሂሉ ክጽዋዕ ግዜ ኣይወሰደን።
ጣልቃ ኣብ ፖለቲካ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማጅታባ ንፈለማ እዋን ኣብ ትዕዝብቲ ህዝቢ ዝኣተወ፡ ብ2005 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ስሙ ምስ ዓወት ማሕሙድ ኣሕማዲነጃድ ተተሓሒዙ ክለዓል ድሕሪ ምጅማሩ እዩ።
ንጽገናውያን ወኪሉ ዝተወዳደረ መህዲ ካሩቢ ናብ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ማጅታባ፡ ኣሕማዲነጃድ ንኽዕወት ብመንገዲ ንሃይማኖታውያን ጕጅለታት ገንዘብ ዝዕድል ዝነበረን መሓውራት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራን ኣቢሉ ኣብቲ ድምጺ ኢዱ ከም ዘእተወ ከሲሱ።
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት'ውን ዳግማይ ተመሳሳሊ ክሲ ኣጋጢሙዎ። ኣሕማዲነጃድ ንኻልኣይ ግዜ ምምራጹ ኣብ መላእ እታ ሃገር "ሓምለዋይ ምንቅስቓስ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣበጊሱ።
ገለ ሰልፈኛታት፡ ሞጅታባ ንኣቦኡ ተኪኡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል ናይ ተቓውሞ ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ኣብቲ እዋን ምክትል ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ሞስጦፋ ታጅዛደህ፡ ነቲ ውጽኢት "ናይ መረጻ ዕልዋ መንግስቲ" ክብል ገሊጽዎ። ንሸውዓተ ዓመታት'ውን ተኣሲሩ፡ እዚ ድማ ምስ "ቀጥታዊ ድሌት ሞጅታባ ኻመኒ" ከም ዝተኣሳሰር ገሊጹ።
ጽገና ወይ እረማ ዝጠልቡ ክልተ ኣብቲ መረጻ ሕጹያት ዝነበሩ ሚር-ሑሴን ሙሳቪን መህዲ ካሩቢን ድሕሪ መረጻ 2009 ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣትዮም። ኣብ ለካቲት 2012 ሞጅታባ ንሙሳቪ ረኺቡ ተቓውሞኡ ክገድፎ ከም ዝተማሕጸኖ ምንጭታት ኢራን ንቢቢሲ ፋርሲ ሓቢሮም።
እዚ ንኣቦኡ ተኪኡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኰይኑ ዘሎ ሞጅታባ፡ ንተሪር ፖሊሲታት ኣቦኡ ከቐጽሎ ብዙሓት ትጽቢት ይገብሩ።
ገለ ሰባት ድማ እዚ ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣቦኡን ኣደኡን ከምኡ'ውን ብዓልቲ ቤቱ ዝሰኣነ ሰብኣይ፡ ንጸቕጢ ምዕራባውያን ክምብርከኽ ተኽእሎ ከም ዘይህሉዎ ይኣምኑ።
ይዅን'ምበር፡ ህላወ እስላማዊ ሪፖብሊክ ንምርግጋጽን ንኢራን ካብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ዕንወት ንምውጻእን ዘኽእል ቅኑዕ ሕርያ ምዃኑ ንህዝቢ ንምእማን ከቢድ ዕማም ይጽበዮ።
ኣብ መሪሕነት ዘለዎ ብቕዓት ኣቐዲሙ ኣይተፈተነን። እቲ ስርዓት ናብ ስድራቤታዊ ውርሻ ይቕየር ኣሎ ዝብል ኣረኣእያ ድማ ንዘይዕግበት ህዝቢ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።
ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ተካኢ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኰይኑ ዝምረጽ ሰብ ብዘየማትእ መንገዲ "ዒላማ ምውጋድ" ከም ዝኸውን ሓቢሩ ነይሩ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available