እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ብዛዕባ ኢሚግሬሽን ዝሃቦ ርእይቶ ገበናት ጽልኢ ከለዓዕል ከም ዝኽእል ተቘጻጻሪ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ካልኦት ፖለቲከኛታት ኣመሪካን ዝተጠቐሙዎ "ዓሌታዊ ናይ ጽልኢ ዘረባ" ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክጕሃሃር ከም ዝገበሩ ሓደ ተቘጻጻሪ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ናጻ ክኢላታት ዝሓቘፈ 'ፓነል' ኮሚቴ ምውጋድ ዓሌታዊ ኣድልዎ (CERD) ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣመሪካ ኣህጉራዊ ሕጊ ከተኽብርን ፖሊሲታት ሰብኣዊ መሰላታ ክትግምግምን ኣተሓሳሲቡ።
ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን "ብፖለቲከኛታትን ጸለውቲ ፍሉጣት ሰባትን ከምኡ'ዉን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሰልፊ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ሪፐብሊካን ከም ገበነኛታት ወይ ከም ጾር፡" ተገይሮም ምቕራቦም ዓሌታዊ ኣድልዎን ገበናት ጽልእን ከለዓዕል ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ዋይት ሃውስ ነቲ ጸብጻብ "ዘይጠቅም"ን "ሻራው"ን ክብል ብምግላጽ ነጺግዎ።
ትራምፕ ዶብ ኣመሪካ ንምውሓስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝጠቐሰት ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ኦሊቭያ ዌልስ፡ "እቲ ጫፍ ዝረገጸ ሻራውነት ንምንታይ ዝዀነ ሰብ ብዕቱብ ከም ዘይወስዶም ዘረጋግጽ'ዩ፡" ኢላ።
"እቶም ሻራውያን 'ክኢላታት' ሕቡራት ሃገራት ዝበሃሉ እንታይ ይሓስቡ ዝግደሰሉ ሰብ የለን፡ ምኽንያቱ ኣመሪካውያን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ውሑስትን ሓያልን ሃገር'ዮም ዝነብሩ ዘለው፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
እቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ኮሚቴ፡ ኣብ ጸብጻቡ ንኣጀንዳ ምትግባር ኢሚግሬሽን ትራምፕ ብፍሉይ ነቒፉ፤ ብዛዕባ ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባን ካልኦት ከምኡ ተባሂሎም ዝግመቱ ሰባትን ዒላማ ኣብ ዝገበረ ኢደ ወነናዊ መርመራ መንነት ድማ፡ "ኣዝዩ ስክፍታ" ከም ዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ብሮቡዕ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ፍሉያት ፍጻመታት ኣይጠቐሰን፤ እንተዀነ ነቲ ኣብ ሚነሶታ ዝተወስደ ስርሒት ኢሚግሬሽን ዝምልከት ምዃኑ ምርዳእ ይክኣል። እዚ፡ ክልተ ኣመሪካውያን ዜጋታት ረኒ ጉድን ኣሌክስ ፕረቲን ብወከልቲ ፌደራል ምስ ተቐተሉ፡ ኣብ መላእ ሃገር ተቓውሞታት ኣስዒቡ'ዩ።
ድሕሪ እዚ ክስተት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ሚነሶታ ዝወስዶ ዝነበረ ስጕምቲ ኣጕዲልዎ።
እቲ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ውልቀ-ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት "ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ብኸቢድ ዝጥሕስ፡" ምዃኑ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣመሪካ ኣብ ጥቓ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ክንክን ጥዕናን ቦታታት ኣምልኾን ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ኢሚግሬሽን ደው ከተብል ጸዊዑ።
እቲ ፓነል ብተወሳኺ፡ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ከም ገበነኛታት ወይ ከም ጾር ዝገልጽ "ዘነኣእስን ሰብኣውነት ዝጐደሎን ቋንቋ ምጥቃም ሓዊሱ" ዓሌታዊ ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባታት ምውሳኹ "ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ" ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማን ጆ ባይደንን ዝርከብዎም ብዙሓት ምምሕዳራት ንዝፍጸም ዓሌታውነትን ኣድልዎን ዝኹንን ጸብጻባት ኣውጺኡ ነይሩ'ዩ።
ትራምፕ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣኑ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምስጓግ ሰፊሕ ጻዕርታት ጀሚሩ ኣሎ - እዚ ቁልፊ መብጽዓ ጐስጓስ መረጻኡ ብምግባር ህዝባዊ ደገፍ ረኺብሉ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንኣሽሓት ሓይልታት ጸጥታ ፌደራል ናብ ከተማታት ኣመሪካ ብምስዳድ ከም ኣካል ናይቲ ናይ ምስጓግ ጻዕሪ ስፍሕ ዝበለ ወፍርታት ከካይድ ተራእዩ ምንባሩ ይፍለጥ።
ብዛዕባ ኢሚግሬሽን ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ገለ እዋናት ነቐፌታ ኣስዒብሉ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ሶማላውያን ስደተኛታት "ናብ ዝመጹሉ ቦታ ክምለሱ ኣለዎም"፡ ኣመሪካ ድማ "ናብ ሃገርና ጎሓፍ ምቕባል እንተቐጺልና ብጌጋ መንገዲ ክትከይድ እያ፡" ኢሉ ነይሩ።