ኲናት ኢራን ጕልቡብ ምርቓ ዝዀነላ ሩስያ፡ እገዳ ፈዂሱላ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵናት ሰሙን ኣብ ዘቝጸረሉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ህንዲ ካብ ሩስያ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንኽትዕድግ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢርዎ ዝነበረ እግዳ ንግዚኡ ኣልዒልዎ።
ሓላፊ ቤትግምጃ ኣመሪካ ስኮት ባሰንት፡ ሩስያ ንህንዲ ንሓደ ወረሒ ጥራይ ነዳዲ ክትሸጠላ ከም ዝተፈቐዳ ብምሕባር፡ "ኮነ ኢልና ኢና እቲ መቓን ግዜ ኣሕጺርና'ዮ፡" ኢሉ።
ኣመሪካን እሰራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኲናት ካብ ዝኸፍታ፡ ሚልዮናት በራሚል ነዳዲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተዓጊቱ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ብደቡብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብሰሜን ኢራን ዘዳውብኦ ጸቢብ ማያዊ ኣካል ኰይኑ፡ ኵሉ እቲ ካብን ናብን ወሽመጥ ዓረብ ዝመሓለለፍ ደረቕን ፈሳስን ንብረት በዚ መጻብቦ እዩ ዝሓልፍ።
ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ኲናት ካብ ዝጅምራ ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም እትፍጽም ከተጠንቅቕ ጀሚራ።
ኣመሪካ፡ ሩስያ ኣብ መጀመርታ ርብዒ ዓመት ናይ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቅሉዕ ወራር ካብ እትጅምር ኣትሒዛ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እግዳ ብምንባር እተን ካብ ሩስያ ነዳዲ ዝሽምታ ዝነበራ ሃገራት ካልእ ኣማራጺታት ከናድያ ሓቢራተን።
ኣመሪካ ብፍላያ፡ ነታ ቀንዲ ዓሚል ሩስያ ዝነበረት ህንዲ ካብ ሩስያ ነዳዲ ከይትዕድግ ኣጠንቂቓታ።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ሩስያ ጸዓት ሸይጣ ኣብ ኵናት ዩክረይን እተውዕሎ ገንዘብ ንኸይትረክብ'ዩ።
ሓላፊ ቤትግምጃ ኣመሪካ ስኮት ባሰንት፡ ሩስያ ናብ ህንዲ ንሓደ ወርሒ ነዳዲ ሸይጣ እትረኽቦ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘይህሉ ብምሕባር፡ እቲ ካብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መራኽብ ዝተጻዕነ ነዳዲ ክትሸይጥ ጥራይ ተፈቒዱላ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።
እዚ ሓላፊ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ "እዚ ነቲ ኢራን ንሆርሙዝ ብምዕጻው ንዓለማዊ ንግዲ ጅሆ ንምሓዝ ትፍትኖ ዘላ ንምፍዃስ ዝተገበረ'ዩ፡" ኢሉ።
ህንዲ ኣብዚ እዋን ን25 መዓልታት ጥራይ ከጽንሓ ዝኽእል ነዳድን ጋዝን'ዩ ኣብ ኣጋንኣ ዘለዋ።
ብሰንኪ ኵናት ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ተዓጽወ፡ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከይትኣቱ ስግኣት ጸኒሑ እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተጀመረ ኵናት ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሓሙሽተ ሰሙን ከም ዝወስድ ምስ ገለጸ፡ ልዕሊ ዝዀነት ሃገር ንህንዲ እዩ ሻቕሎት ፈጢሩላ ነይሩ።
ዝሓለፈ ረቡዕ እቲ ናብ ህንዲ ዝበዝሐ ጋዝ ዘእቱ ኤልኤንጂ ዝተባህለ ትካል፡ ካብቲ ነዳዲ ዝቕርበሉ ቐጠር ኢነርጂ ነዳዲ ክመጽኦ ከም ዘይከኣለ ብምሕባር፡ ኣብ መላእ ህንዲ ሕጽረት ነዳዲ ከጋጥም ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ነይሩ።
ሰብመዚ ምምሕዳር ነዳድን ጋዝን ህንድን'ውን ድሮ ናብ ዓበይቲ ትካላት ዝህብዎ ዝነበሩ ነዳድን ጋዝን መጠኑ ክንክይዎ ከም ዝጀመሩ ሮይቶርስ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ዜና ሓቢሩ ነይሩ።
ህንዲ ዘለዋ ጠለባት ነዳዲ ንምምላእ፡ ነቲ 90 ሚእታዊት ከይተጻረየ ብምዕዳግ ኣብ ሃገራ ብዘለዋ መጻረዪታት ኣቢላ እያ እተጻርዮ።
ካብዚ መዓልታዊ ናብ ሃገራ ካብ እተእትዎ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ መዓልታዊ ካብ 2.5 ሚልዮን ክሳብ 2.7 ሚልዮን በራሚል ብመጻብቦ ሆርሙዝ ይሓልፍ።
እዚ፡ ንፍርቂ ካብቲ መዓልታዊ እትሽምቶ ዝተጻረየን ዘይተጻረየን ነደዲ ይውክል።
እቲ ዝበዝሐ ካብ ኢራቕ፣ ዝተረፈ ከኣ ካብ ስዑድ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኩዌትን ትዕድጎ ነይራ።
ክኢላታት ቍጠባ፡ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንህንዲ ኣብ ዓቢ ቅልውላው ክሸማ ከም ዝኽእል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ።
ህንዲ ካብ ሩስያ ኣስታት 145 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ክትዕድግ ተፈቒዱላ ከም ዘሎ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እዚ ዋላ ይዅን፡ ህንዲ ካብ ሩስያ ክንዲ ዝዓደገት ነዳዲ እንተ ዓደገት ን20 ሚእታዊት ካብ ጠለባ ጥራይ ስለ ዘማልእ፡ ቅልውላው ማእከላይ ምብራቕ ከየብቅዐ፡ ቅልውላዋ ከም ዘየኽትም እዮም ክኢላታት ቍጠባ ዝሕብሩ።
ንሩስያ ግን እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ቅልውላው ጕልቡብ ምርቓ ኰይንላስ ድሮ'ኳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ብመጠኑ'ውን ይዅን ከተፍዅሰላ ጀሚራ ኣላ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available