ትራምፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ክትከፍት ናይ 48 ሰዓታት ናይ ግዜ ገደብ ኣቕሚጡ

ትራመፕ፡ ኢራን ንመፃብቦ ሆርሙዝ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት እንተዘይከፊታቶ፡ ን መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ'ታ ሃገር ክድምስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣመሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ ተበግስ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ብዛዕባ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ሓደሽቲ ምዕባለታት ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና፤

ጽማቝ ሓበሬታ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሎሚ ለይቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕታት ሓዲሩ

    ኣብ ሓደ ለይቲ እስራኤል ምስ ኢራን መጥቃዕትታት ክትለዋወጥ እንከላ፡ ነበርቲ ደቡባዊ ቤሩት ድማ ካብቲ ቦታ ክወጹ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም።ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኩዌት'ውን ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኻይዱ፡ እዚ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ኣስዒቡ'ኳ እንተነበረ፡ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሐን።ስዑዲ ዓረብ'ውን ኣብ ሓደ ለይቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዘምከነት ክትሕብር እንከላ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ባሕረይን ድማ ዜጋታት ናይ መጠንቐቕታ ደወል ምስ ተሰምዐ ናብ ውሑስ ቦታ ክኸዱ ኣጠንቂቑ። ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ዝርርብ ተስፋ ድሕሪ ምጅማሩ፤ ርኡይ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ተራእዩ ኣሎ።

  2. እስራኤል ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ሎሚ ንግሆ እንታይ ትመስል?, ብስእሊ

    ኣብ ልዕሊ ኣራድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 88 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ሓቢሩ።

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ኣራድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 88 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ሓቢሩ።

    ቢቢሲ፡ ድሒሮም ዝበፅሑዎ ኣሳእል ኣብ ደቡባዊ እስራኤል: ሰፊሕ ጉድኣት ከም ዝወረደ የመልክቱ።

    ኣብ ጥቓ እታ ትማሊ ምሸት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት ‘ኣራድ’ ዝዓነወ ህንጻታት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ።

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣራድ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 88 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት እስራኤል ሓቢሩ።

    ኣብቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ከምዝተቐትለ ዝተገልጸ ኰይኑ፡ እስራኤል ዛጊድ ክንደይ ሰብ ከምዝሞት ኣይፀብፀበትን ዘላ።

    ኣብታ ትማሊ ምሸት ዒላማ  ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት  ‘ኣራድ’

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብታ ትማሊ ምሸት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት ‘ኣራድ’
    ኣብ ጥቓ እታ ትማሊ ምሸት ዒላማ  ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት  ‘ኣራድ’ ዝዓነወ ህንጻታት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ክንቀሳቐሱ ይረእዩ።

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቓ እታ ትማሊ ምሸት ዒላማ ሚሳይላት ኢራን ዝኾነት ‘ኣራድ’ ዝዓነወ ህንጻታት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ክንቀሳቐሱ ይረእዩ።
  3. ቴህራን፡ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን መጥቃዕቲ ዝወረደ ዕንወት, ብስእሊ

    ስብኣይን ሰበይትን ኣብቲ ዕንወት ዝበፅሖ ከባቢ

    ምንጪ ስእሊ, Majid Saeedi/Getty Images

    ቀዳም ዝተሳእሉ ኣሳእል፡ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሻህራክ-ኢ-ጋርብ ዝበፅሐ ዕንወት የርእዩ።

    ብ16 መጋቢት ሓደ መንበሪ ህንፃን ትካል ንግድን ብሚሳይል ድሕሪ ምውቃዖም፡ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረደ ተሓቢሩ።

    ርእሰ ከተማ ኢራን - ቴህራን፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ብ28 ለካቲት ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዒላማ ዘይርብርብ መጥቃዕቲ ኰይና ኣላ።

    ዝበፅሐ ዕንወት

    ምንጪ ስእሊ, Majid Saeedi/Getty Images

    ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ዝበፅሐ ዕንወት እትምልከት ሰበይቲ

    ምንጪ ስእሊ, Majid Saeedi/Getty Images

  4. ቀንዲ ምዕባለታት'ዚ ዕለት፡ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ

    ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን፡ ኣብ'ቲ ከባቢ ሰፊሕ ዕንወት ኣብፂሑ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ቅድሚ 48 ሰዓታት እንተዘይተኸፊቱ፡ ኣመሪካ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክትድምስሶ" እያ ኢሉ።

    ኢራን፡ ብወገና ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ፡ ምስ ኣሜሪካ ምትእስሳራት ዘለዎም፡ ኩሎም ትሕተ ቅርጺ ጸዓት፡ ሕነ-ከምእትፈዲ ኣጠንቂቓ ኣላ።

    እቲ ሓደገኛ ዝበሃል ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙኑ፡ ኣብ ክንዲ ዝዘሓሓል፡ እናተጓሃሃረ ይኸይድ ኣሎ።

    ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ሎሚ ንግሆ መጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ከምዝዓገታ ይገልጻ።

    ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢራን፡ ልዕሊ 160 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ሓቢሩ። ብውሕዱ ሓደ ሰብ ድማ ሞይቱ ተባሂሉ።

    ዒላማ እቲ መጠቃዕቲ፡ ካብ ከተማ ዲሞና 13 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መሳለጥያ ኒዩክለር ከምዝዀነ እዩ ዝንገር፤ ዛጊድ ኣብቲ መሳለጥያ ዝበሐ ጉድኣት እንተሎ ንፁር ኣይኰነን።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ኢራን- ቴህራን፡ ሎሚ ለይቲ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ከምዝጀመረት ሰራዊታ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ብሰንኩ ዝበፅሐ ዕንወት ዘርእዩ ኣሳእል ይወፅኡ ኣለዉ።

    ኢራን ኣብ ደሴት ‘ድየጎ ጋርስያ’ [ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ] ኣብ ዝርከብ ሓባራዊ መደበር ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ፈተነ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።

    እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓሙስ ክሳብ ናብ ዓርቢ ዘፅብሕ ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

    ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኢቨት ኩፐር፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ’ዚ ግጭት ተጐቲታ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጣ።

  5. ትራምፕ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ እንተዘይተኸፊቱ፡ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን ከም 'ዘዕኑዎ' ኣጠንቂቑ

    ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Heather Diehl/Getty Images

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ናይ 48 ሰዓታት ናይ ግዜ ገደብ ሂቡዋ።

    እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣመሪካ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢራን "ክተዕኑ" ምዃና ኣጠንቂቑ።

    ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል፡ ብ21 መጋቢት ሰዓት 23፡44 GMT እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ጽሒፉ ዘሎ።

    እዚ ማለት፡ ኢራን ክሳብ 23 መጋቢት ሰዓት 23፡44 ጂኤምቲ [GMT] ጠለብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ክተማልእ ግዘ ኣለዋ።

    ቴህራን ብወገና፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እንተተፈፂሙዋ፡ ኣብ መላእ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ምስ ኣመሪካ ምትእስሳር ዘለዎም ናይ ጸዓት ቦታታት ዒላማ ክትገብር ምዃና ኣጠንቂቓ ኣላ።

    ኢራን፡ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካየደቶ መጥቃዕትን ዘንበረቶ ዕጽዋን ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ተራእዩ።

    ኣብ ግዜ ሰላም፡ ኣስታት 20% ፅዕነት ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን (LNG) ዓለም በቲ መጻብቦ ዝሓልፍ ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ወሳኒ ቦታ እዩ።

  6. ኢራን፡ ናታንዝ መመስርሒ ንዩክለር ዳግማይ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጻ

    ናታንዝ ብ7 መጋቢት 2026 ዝተሰኣለ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ናታንዝ ብ7 መጋቢት 2026 ዝተሰኣለ ስእሊ

    ብዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን፡ ናታንዝ መመስርሒ ንዩክለር ሎሚ ንግሆ ዳግማይ ከም ዝተጠቕዐ ገሊጹ።

    ብዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን ኣብ ማዕከናት ዜና ዝተዘርገሐ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ማእከል ድሕሪ ዝበጽሖ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ብዝተገበረ መርመራ፡ ዝዀነ ዝነዝዐ ሓደገኛ ጸርጊ ከም ዘይተረኸበ ብምግላጽ “ኣብቲ ማእከል ዝዀነ ዓይነት ንነበርቲ ይዅን ንኸባቢ ሓደገኛ ዝዀነ ጸርጊ የለን፡” ኢሉ።

    እቲ ብዓል መዚ ነቲ ዝተጸፈመ መጥቓዕቲ ብምዅናን “እዚ ንውዕል ኤንፒቲ [Treaty on the Non-Proliferation of Nuclear Weapons) ዝጥሕስ’ዩ፡” ኢሉ።

    ኣብ ልዕሊ እዚ ማእከል ብሓደ መጋቢት’ውን መጥቓዕቲ ተፈጺሙ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

    ብዓል መዚ ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን ነቲ ብሓደ መጋቢት ኣብ ልዕሊ ናታንዝ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣመልኪቱ ብ3 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ መጥቓዕቲ ዝስዓበ ነዝዒ ሓደገኛ ጸርጊ ከም ዘይነበረ ምግላጹ ይዝከር።

    ኣብ ሰነ 2025፡ ኣመሪካ ኣብ ሰለስተ መደበራት ንዩክለር ኢራን [ናታንዝ፡ ፎርዶን ኢስፋህን] ደብዳብ ከም ዝፈጸመት ዝዝከር ዀይኑ፡ ኣብቲ እዋን ዶናልድ ትራምፕ፡ መደበራት ንዩክለር ኢራን "ፈጺሙ ዓንዩ" ኢሉ ነይሩ።

  7. ደቡብ ኮርያ ነተን ብዛዕባ መጻብቦ ሆርሙዝ ሓባራዊ መግለጺ ዝሃባ ሃገራት ተጸንቢራተን

    ደቡብ ኮርያ መጻብቦ ሆርሙዝ ንዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ንግዲ ነጻ ንምግባሩ ዝከኣላ ከተበርከለት ድልውቲ ምህላዋ ምግላጻ ማዕከን ዜና ሮይተር ኣቓሊሑ።

    ኣቐድም ኣቢለን ሓያለ ሃገራት ብሓሙስ ድሕነት ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ ንምውሓስ ዝድለ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዋት ምህለወን ብዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን ነይረን።

    ደቡብ ኮርያ ከኣ እታ ድሒራ ዝተጸንበረተን ሃገር ኰይና ኣላ።

    ኣብ መጀመርታ ነቲ ሓባራዊ መግለጺ መራሕቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ሆላንድን ጃፓንን’ዮም ፈሪሞምሉ ነይሮም።

    ድሒረን ከኣ ሃገራት ካናዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኒውዝላንድ፡ ዴንማርክ፡ ላቲቭያ፡ ስሎቨንያ፡ ኢስቶንያ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ፊንላንድ፡ ሮማንያ፡ ባሕረይንን ሊትወንያን ተጸንቢረን።

    እዘን ሃገራት፡ ድሕነት ናይተን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ መራኽብ ንምውሓስ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ’የን ክወስዳ ሓሲበን ዘለዋ ግን ኣየነጸራን።

  8. ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ መራኽብ ዘሎ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክትሸይጥ ፈቒዳ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

    ካብ 28 ለካቲት ጀሚረን ምስ ኢራን ኣብ ኵናት ዝርከባ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኢራን ኣጽያቶ ዘላ ንወሽመጥ ዓረብ ምስ ወሽመጥ ዖማን ዘራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ክኸፍትኦ ኣይክኣላን።

    እዚ መጻብቦ 20 ሚኢታዊት ካብቲ ዓለምና ተህልኾ ዝተጻረየን ዘይተጻረየን ነዳዲ ዝሓልፈሉ መስመር ኰይኑ፡ ኢራን ነዚ መጻብቦ እዚ ብምዕጻዋ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዓቢ ወሰኽ’ዩ ተራእዩ።

    እዚ ከምኢ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ኣባላት ኔቶ ደገፍ ዝተነፍጎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ነቲ ድሮ ኣብ መራኽብ ተጻዒኑ ዘሎ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክትሸጦ ፈቒዱላ ኣሎ።

    ገለ ነቀፍቲ፡ እዚ ንኢራን ነቲ ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ተኻይዶ ዘላ ውግእ መካየዲ ዝዀና ገንዘብ ንኽትረክብ ክሕግዛ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ዋይት ሃውስ ግን ኢራን ዋላ ድኣ ነቲ ነዳዲ ትሽጦ’ምበር ነቲ ሰልዲ ኣብ ኢዳ ከተእትዎ ከጸግማ ከም ዝዀነ’ዮም ዝሕብሩ።

    ትራምፕ፡ ንኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ‘ጃጀውቲ’ ብምባል፡ ንመጻብቦ ሆርሙዝ እተን ዝጥቀማሉ ሃገራት ክህልወኦ ኣለወን ኢሉ።

  9. ኢራን፡ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካን-ብሪጣንያን ሚሳይል ተዂሳ

    ንደሴት ድያጎ ጋርሽያ ዘርኢ ስእሊ
    መግለጺ ስእሊ, ንደሴት ድያጎ ጋርሽያ ዘርኢ ስእሊ

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ብሪጣንያን ብሓባር ዝጥቐማሉ ወተሃደራዊ መዓስከር ድያጎ ጋርሽያ ክልተ ሚሳይላት ከም ዝተዀሰት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣቃሊሐን።

    ዎል ስተሪት ጆርናል ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣመሪካን ብሪጣንያን ብሓባር ዝጥቐማሉ ኣብ ህንዳዊ ወቅያኖስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ በዚ ኢራን ዝተዀሰቶ ክልተ ሚሳይል ዝዀነ ጉድኣት ከም ዘይበጸሖ ኣፍሊጡ።

    ሲኤንኤን'ውን እቲ ሚሳይል ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ዓርቢ ንግሆ ናብታ ደሴት ከም ዝተወንጨፈ ኣቃሊሑ።

    ኢራን ካብታ ኣመሪንካ ብሪጣንያን ብሓባር ዘጥቐማላ ኣብ ህንዳዊ ውቕያኖስ እትርከብ ደሴት ድያጎ ጋርሽያ 3800 ኪሎ ሜተር ራሕቒ'ዩ ዘለዋ።

    ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኢራን ተማዕብሎ ሚሳይል እንተነወሐ 2000 ኪሎ ሜተር ዝውንጨፍ ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ'ዩ ኣዚዙ ነይሩ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ድያጎ ጋርሽያ ብኢራን ተፈቲኑ ዝተብሃለ ናይ ሚሳይል መጥቓዕቲ መብርሂ ብምርካብ ንፔንታጎንን ምኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያን'ኳ እንተሓተተ፡ ፔንታጎን "ሕጂ እነቕርቦ ሓበሬታ የብልናን" ዝብል መልሲ'ዩ ሂቡ።

  10. ኢራን፡ መራኽብ ጃፓን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ንኽትሕግዝ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጻ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ምስ ጃፓናዊት ማዕከን ዜና ክዮዶ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኢራን መራኽብ ጃፓን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንኽሓለፍ ክትሕግዝ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጹ።

    እቲ ሚኒስተር ብዛዕባ እዚ ድሮ ምስ ሰብ መዚ ጃፖን ምዝርራባት ተጀሚሩ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ኢራን መራኽን ጃፓን ንኽሓለፍ ነቲ ትገብሮ ዘላ ምዕጻው ሆርሙዝ ንግዜኡ ከተልዕሎ ከምእትክእል ኣብሪሁ።

    ንዘረባ ሚኒስተር ዓባስ ኣራግቺ ተኸቲሉ፡ መንግስቲ ጃፓን ንማዕከን ዜና ክዮዶ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ምስ መንግስቲ ኢራን ዝግበር ቀጥታዊ ዘተ፡ እቲ ዘሎ ምዕጻው [ናይ ሆርሙዝ] ንኽልዓል ዝሓሸ መንገዲ’ዩ” ኢሉ።

    ብምስዓብ፡ ዋላ መራክብ ጃፓን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ምሓልፋ ይፈቐደን፡ እዚ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ናይ ጸዓት ዝፈትሕ ከምዘይዀነ መንግስቲ ጃፓን ገሊጹ።

    ሓደ ብዓል መዚ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ጃፖን ንዓዕከን ዜና ክዮዶ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢራን ብፍሉይ ንመራኽብ ጃፓን ጥራይ ክሓልፋ ምፍቃዳ “ብጥንቃቐ ክጽናዕ ኣለዎ” ኢሉ።

  11. ኢራን: ኣብ መዓስከራት ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ ደብዳባት ናይ 800 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ኣብጺሓ

    ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤል ኣብ ለዕሊኣ ደብዳብ ምስ ጀመራ ከም ግብረመ መልሲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ ደብዳባት ኣብ ቀዳማይቲ ሰሙን ጥራይ ናይ ኣስታት 800 ሚልዮን ዶላር ዕንወት ኣብጺሓ።

    እቲ ብማዕከል ስትራተጂን ዓለምለኻዊ መጽናዕትን [Center for Strategic & International Studies] ዝወጽአ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኢራን ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣክል ዕንወት'ያ ኣስዒባ ዘላ ከም ዘይፍለጥ ኣነጺሩ።

    እቲ 800 ሚልዮን ዶላር ኣብታ ቀዳመይቲ ሰሙን ዝሰዓበ ዕንወት ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሩ።

    እቲ ዕንወት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዝወረደ ዕንወት ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተገሚቱ ዝነበረ ዝልዓለ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

    እዚ ከኣ እቲ ግጭት እናዓመቖ እንተኸይዱ ኣመሪካ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ክሳራታት ከጋጥማ ከም ዝኽእል ዘርኢ ገምጋም'ዩ።

    ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣል ሳዳር ዘጋጠመ ዕንወት ዘርኢ ስእሊ

    ምንጪ ስእሊ, PLANET LABS PBC AND AIRBUS

    መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣል ሳዳር ዘጋጠመ ዕንወት ዘርኢ ስእሊ
  12. ኣመሪካ ናብ ኢራን ኣጋር ሰራዊት ንምእታው ፍሉይ መደብ ተውጽእ ኣላ፡ ሲቢኤስ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

    ሰብ መዚ ምክልኻል ኣመሪካ ናብ ኢራን ኣጋር ሰራዊት ንምእታው ዘሎ ተኽእሎታት ንምፍታሽ ዝርዝራዊ ምድላዋት ይገብሩ ከም ዘለዉ፡ መላፍነቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ንዝተፈላለዩ ስሞም ክገልጾም ዘይደለየ ሰብ መዚ ኣመሪካ ከም ምንጪ ብምጥቃም ኣቓሊሑ።

    ሲቢኤስ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፔንታጎን፡ ኣጋር ሰራዊት ናብ ኢራን ንምእታው ንምድላው ሕቶ የቕርቡ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

    ዶናልድ ትራምፕ’ውን ትማሊ ዓርቢ፡ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ከም ዘይደሊ ብምሕባር፡ ኣመሪካ እቲ ኵናት ዝውደኣሉ መንገዲ ትሓስብ ምህላዋ ገሊጹ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ግን ናብ ኢራን ይኹን ካልእ ቦታ ኣጋር ሰራዊት ናይ ምስዳድ መደብ ከምዘይብሉ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

    ቢቢሲ ብዛዕብ ኣጋር ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኢራን ናይ ምስዳድ ዘሎ መደባት ኣመልኪቱ።

    ካብ ቤት ፍሕፈት ምክልካል ኣመሪካ መልሲ ንምርካብ’ኳ ሕቶ እንተኣቕረበ፤ መልሲ ግን ኣይተውሃበን።

    ነዚ ሰርሒት ብሓላፍነት ዘካይዶ ዘሎ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ’ውን ብዛዕባ ኣጋር ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኢራን ንምእታው ዘሎ መደባት መለሲ ክህብ ፈቓደና ኣይዀነን።

  13. "ጃጀውቲ" ክብል ንሃገራት ኔቶ ዝነቐፈ ትራምፕ ተወሳኺ ሓይሊ ናብ ማእከላይ ምብራቕ የበግስ ኣሎ

    ዶናልድ ትራምፕ

    ነተን ኣብቲ ምስ እስራኤል ብምሽራኽ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኣወጆ ኲናት ብቐጥታ ምስታፍ ዝኣበያ ሃገራት ኔቶ "ጃጀውቲ" ክብል ዝነቐፈ ትራምፕ፡ ተወሰኽቲ ወተሃደራት፡ ነፈርቲ ውግእን መራኽብ ኲናትን ናብቲ ዞባ የበግስ ኣሎ።

    ኣባል ሃገራት ኔቶ ነቲ ብኢራን ተረጊጡ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምኽፋት ደገፍ ከበርክታ ከምዝኽእላ ዝተኣመነ ትራምፕ፡ "ክንዝክሮ ኢና" ክብል ንዘርኣይኦ ኣብያ ከምዘይርስዖ ኣሚቱ።

    ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንመራሕቲ ኢራን ቀቲሎም ከምዝወድእዎም ብምጥቃስ ብህይወት ዝተረፈ ክዛረብዎ ዝኽሉ መራሒ የለን ኢሉ።

    "ክንዛረቦም ንደሊ ኢና፡ ግና ንዛረቦ ሰብ የለን . . . ኩሎም ከይዶም እዮም. . . ንሕና'ውን ከምኡ ኢና ንደሊ"።

    "ሕጂ መራሒ ክኸውን ዝደሊ ኣብኡ የለን" ዝበለ እቲ ኣመሪካዊ መራሒ፡ ኢራን ንማእከላይ ምብራቕ ክትቆጻጸሮ ድሌት ከምዝነበራ፡ ከምኡ'ውን "ኑክሌራዊ ኣጽዋር እንተዝነብራ ምተጠቕመትሉ ነይራ" ክብል'ውን መጒቱ።

    ብኻልእ ወገን ኢራን ነቲ ብእስራኤልን ኣመሪካን ዝግበረላ ዘሎ መጥቃዕትታት ምላሽ ብምሃብ ንሃገራት ወሽመጥ ብሚሳይላትን ድሮናትን ክትድብድብ ውዒላ ኣላ።

  14. ዛጊት ንህዝቢ ዘይተራእየ ሓድሽ ኣያቶላህ ኢራን መግለጺ 'ኖውሩዝ' ኣውጺኡ

    ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ብኣጋጣሚ ሓድሽ-ዓመት ፐርዢያ (ኖውሩዝ) መግለጺ ኣውጺኡ።

    ነቲ ብመጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝተቐትለ ኣቦኡ ዓሊ ኻመኒ ብምትካእ መንበረ ስልጣን ዝተረከበ ሙጅታባ ኻመኒ፡ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንሞት ወላዲኡን እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናትን ጠቒሱ።

    ሞት ናይቲ "ፍቱው መራሒ" ክብል ዝገለጾ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ "ዘሕዝን መስዋእቲ" ምዃኑ ሙጅታባ ገሊጹ።

    ኣብ ልዕሊ ቱርኪን ዖማንን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብኢራን ከምዘይተፈጸመ'ውን እቲ ኣያቶላህ ኣፍሊጡ ኣሎ። እስራኤል፡ ንኢራን ምስ ጐረባብታ ከተባእሳ ኢላ ዝገበረቶ "ሽጣራ" እዩ ድማ ይብል።

    ኣብቲ ትሸዓተ ገጽ ዘለዎን ኣብ መንግስታዊ ተለቪዢን ዝተነበበን መግለጺ፡ ብወገን ምብራቕ እታ ሃገር ዘለዋ ጐረባብቲ ሃገራት ምስ ኢራን "ኣዝዩ ጥቡቕ" ዝምድና ከምዘለወን ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ፓኪስታን ወላዲኡ ኣዝዩ ይፈትዋ ምንባሩ የመልክት።

    "ናይ ተቓውሞ ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃገራዊ ሓድነትን ሃገራዊ ጸጥታን" ዝብል ናይዚ ዓመት ሓድሽ ጭርሖ'ውን ንህዝቢ ኣቕሪቡ'ሎ።

  15. ብሪጣንያን ኢራንን ንሓድሕደን መጠንቀቕታ ይለዋወጣ

    ዪቨት ኩፐር

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኢራን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብሪጣንያ መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ለንደን ኣጠንቂቓ።

    ጸሓፊት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዪቨት ኩፐር ምስ ኢራናዊ መዘናኣ ብተለፎን ድሕሪ ምዝርራባ'ያ ነቲ መጠንቀቕታ ሂባ ዘላ።

    ብሪጣንያ፡ ኣብ "ምክልኻል" ዝተዋፈራ ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ንወተሃደራዊ መዓስከራታ ክጥቀማሉ ምፍቃዳ ካብ ኢራን ተቓውሞ ገጢምዎ ይርከብ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ እቲ ስጉምቲ፡ "ኣብ ወራር ምስታፍ" ምዃኑ ብምግላጽ ሃገሩ ግብረመልሲ ክትህብ ከምዝኽእል ኣሚቱ ነይሩ።

    በዚ ዝሰግአት ኩፐር፡ መዓስከራታ ንበረራታት ነፈርቲ ውግእ ምፍቃዳ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሓዙታ ዝኾና ሃገራት ወሽመጥ ዝፍጸም ዘሎ "ተጻብኦ ኢራን" ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ትምጉት ኣላ።

    ንመጠንቀቕታ ኢራን ተመጣጣኒ ምላሽ ብምሃብ ድማ ቴህራን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ትሕተቅርጺ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕትታት ደው ከተብል ጠሊባ'ላ።

    "ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝነበረ ናጽነት መጓዓዝያ ባሕሪ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ'ውን እታ ላዕለወይቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጸዊዓ'ላ።

  16. ቤላሩስ ልዕሊ 200 እሱራት ፖለቲካ ፈቲሓ

    ካብ ቀይዲ ዝወጹ እሱራት ፖለቲካ ቬላሩስ ምስ ፍሉይ ወኪል ኣመሪካ ጆን ኮል እናተሳእሉ

    ምንጪ ስእሊ, John Coyle

    ቤላሩስ፡ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕትን ዝርከብዎም 250 እሱራት ፈቲሓ።

    ፍሉይ ወኪል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆን ኮል ትማሊ ሓሙስ ምስ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ከምስተፈትሑ፡ ኣፈኛ ሉካሸንኮ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

    ካብቶም ትማሊ ዝተፈትሑ ዜጋታት ቤላሩስ 15 ካብ ሃገሮም ተሰጒጐም ናብ ሊትዌንያ ከምዝኣተዉ ማዕናት ዜናን ተሓለቕትን ሓቢሮም።

    ምፍታሕ ናይቶም እሱራት ብመሰረት ሉካሸንኮ ዘርኣዮ "መትከላት ሰብኣውነት" ዝተወስደ ምዃኑ ኣገልግሎት ፕረስ እቲ ፕረዚደንት ገሊጹ።

    መራሒት ተቓውሞ 'ደሞክራስያውያን ሓይልታት' ስቨትላ ቲካኖቭስካያ ምልቃቕ ናይቶም እሱራት ፖለቲካ 'ዓቢ ሓጎስ' ምዃኑ ተዛሪባ።

    ፍሉይ ወኪል ኣመሪካ ጆን ኮል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ምስ ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ድሕሪ ምርኻቡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ እሱራት ፖለቲካ ተፈቲሖም ምንባሮም ይፍለጥ።

    ካብ 1994 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዝመርሓ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ካብ 1994 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዝመርሓ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ምስቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ፡ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ነበር ቪክቶር ባባሪኮን ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዓወተ ተሓላቒ መሰላት ኣለስ ቢያሊያስኪን ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ካብ ቤላሩስ ከምዝወጹ ተገይሩ ነይሩ።

    ቤላሩስ ንገለ ዝፈትሓቶም ፍሉጣት ፖለቲከኛታት፡ ተሓለቕትን ጋዜጠኛታትን ናብ ወጻኢ ብምጥራዝ ትፍለጥ ሃገር'ያ።

    እቲ ካብ 1994 ኣትሒዙ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ሉካሸንኮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምዕራባውያን ሃገራት "ናይ ኣምስሉ" ኣብ ዝበልኦ ምርጫ ንሻውዓይ እብረ ብምዕዋት ኣብ ስልጣን ይቕጽል ኣሎ።

  17. ብሪጣንያ፡ ኣመሪካ ወተሃደራዊ መዓስከራታ ነየናይ ዕላማ ክትቀጥመሉ ኣፍቂዳ?

    ብሪጣንያ ነቲ መደበር ንተልእኾታት "ምክልኻል" ክትጥቀመሉ ድሕሪ ምፍቃዳ፡ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ካብ ራፍ ፌርፎርድ ክብገሳ ተራእየን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ብሪጣንያ ነቲ መደበር ንተልእኾታት "ምክልኻል" ክትጥቀመሉ ድሕሪ ምፍቃዳ፡ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ካብ ራፍ ፌርፎርድ ክብገሳ ተራእየን

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣመሪካ ወተሃደራዊ መዓስከራት እንግሊዝ ክትጥቀም ምፍቃድ፡ ኣመሪካ ኣብቲ "መጥቃዕቲ ክትሳተፍ፡" ከም ምፍድ እዩዝቑጸር ክብል ገሊጹ ነይሩ።

    ሕጂ ብሪጣንያ ኣመሪካ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብሪጣንያ ክትጥቀም ክትፈቕደላ ተሰማሚዓ ኣላ።

    እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሚሳይል ቦታታት ኢራን "መከላኸሊ" መጥቃዕቲ ንምፍጻም ጥራይ ከም ዝኸውን ተገሊጹ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታርመር፡ ብሪጣንያ ካብ "ጌጋታት ዒራቕ" ከም ዝተማህረትን፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ከም ዘይተሳተፈትን ገሊጹ።

    ኣመሪካ፡ ካብ ወተሃደራዊ መዓስከር ራፍ ፌርፎርድ እንታይ ተልእኾታት ክትፍጽም ከም ዝጸንሐት ብልክዕ ኣይንፈልጥን።

    ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን ኣብ መደበር ኣየር ግሎስተርሻየር ብዙሕ ንጥፈታት ኣመሪካ ይካየድ ኣሎ።

    ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ ናብቲ መደበር ክኣትዋን ካብኡ ክብገሳን ተራእየን።

  18. ኢራን፡ ንኣመሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ምፍቃድ 'ተጻብኦ' እዩ ኢላ

    ኢራን፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጥቀም ምፍቃድ "ኣብ ምጥቃዕ ከም ምስታፍ፡" ከም ዝቑጸር ኣፍሊጣ።

    እዚ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ክትፈልጦ ከም ዝተገብረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሓቢሩ።

    ዓባስ ኣራግቺ ምስ ብሪጣኒያዊት መዘንኡ ይቨት ኩፐር ብቴሌፎን ከም ዝተዘራረበን፡ ብሪጣንያ ንኣመሪካ እትህቦ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ "እቲ ኩነታት ከም ዘጋድዶ፡" ከም ዝሓበረን ተገሊጹ ኣሎ።

    ኣራግቺ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፡ ነቲ ካብ ኣመሪካን እስራኤልን ዝመጽእ "ቅሉዕ ተጻብኦ" ኢሉ ዝገልጾ "ሻራዊ" ምልከታ ኣለወን ክብል ከሲሱ።

    ብሪጣንያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መሳለጢያ ነዳዲ ኢራን ዝዀነ ሳውዝ ፓርስ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዘይምኹናና ምንቃፉ'ዉን ገሊጹ።

    ብዛዕባ እዚ ካብ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን። ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ርእይቶ ንምርካብ ሓቲቱ ኣሎ።

  19. ሰብ መዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ተቐቲሎም

    ክልተ ሰብ መዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ከም ዝተቐትሉ፡ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

    ወሃቢ ቃልን በዓል ስልጣን ህዝባዊ ርክባትን እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ (IRGC) ኣብ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ከም ዝተቐትሉ ሓቢረን።

    ዓሊ መሓመድ ናይኒ ን40 ዓመታት ከም ዘገልገለን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከም ኣፈኛ ናይቲ መሓውር ጸጥታ ኰይኑ ከም ዝሰርሐን ምስቲ ሓለዋ ሰውራ ዝተኣሳሰር ማዕከን ዜና ፋርስ ጸብጺቡ።

  20. መጻብቦ ሆርሙዝ ካብ ዝዕጾ ንደሓር ክንደይ መራኽብ ሓሊፈን?

    ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ በዚ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ዝዀነ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ትሕቲ 100 መራኽብ ጥራይ እየን ክሓልፋ ክኢለን ዘለዋ።

    ሓይልታት ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ በዚ መጻብቦ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ'ዮም ዘለው።

    ገለ ጸዓትን ኣቑሑን ይሓልፍ'ኳ እንተሃለወ፡ ካብ 28 ለካቲት ጀሚሩ መዓልታዊ ትራፊክ መራኽብ ብኣስታት 95 ሚእታዊት ጎዲሉ'ዩ።

    ብመሰረት ተንተንቲ መራኽብ ኪፕሌር፡ ኣብዚ ወርሒ 90 መራኽብ ጥራሕ'የን በዚ ጸቢብ መጻብቦ ለሊፈን።

    እዚ ድማ ብማእኸላይ ሽዱሽተ መራኽብ ማለት እዩ።

    ትንታነ ቢቢሲ ቬሪቫይ፡ ሓደ ሲሶ ክሓልፋ ዝኽኣላ መራኽብ፡ ናይተን ምስ ኢራን ዝምድና ዘለወን እየን።

    ብኣንጻሩ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት መዓልቲ 138 መራኽብ ይሓልፋ ከም ዝነበራ ካብ ማእከል ሓበሬታ መስመር መጓዓዝያ ባሕሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

    እዛ ባንዴራ ታይላንድ ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ብ11 መጋቢት መጥቃዕቲ በጺሑዋ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, እዛ ባንዴራ ታይላንድ ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ብ11 መጋቢት መጥቃዕቲ በጺሑዋ