ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
እዘን 'ካሚካዘ' ዝበሃላ ድሮናት፡ ኣብ ኣፍንጫአን ዝሕዝኦ ቦምባ፡ ምስ ዒላማአን ክጋጨዋ ከለዋ፡ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ይኽእል። እዘን ድሮናት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ብዝፈጸማኦ መጥቃዕቲ፡ ሽዱሽተ ወተሃደራት ተቐቲሎም።
ገለ መጥቃዕቲታት፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝነብረለን ከተማታት'ውን ዝተፈጸሙ ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ሃገራት ወሽመጥ ፍርሒ ፈጢሮም'ዮም። ገለ ክኢላታት፡ እዚ ኣመሪካ እቲ ጐንጺ ደው ንኸተብሎ "ራዕዲ ንምፍጣር" ዝዓለመ ስትራተጂ'ዩ ይብሉ።
ሓደ ቢቢሲ ዘረጋገጾ ቪድዮ፡ ድሮን ኢራን ኣብ ባሕሬን ብዝለዓለ ፍጥነት ክትወርድ የርኢ።
ካልእ ድማ፡ ኣብ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣብ ፍሉጥ ሆቴል ፓልም ጁመርያ ክትወቅዕ የርኢ።
እቶም ኣብ ልዕሊ ጽላት ጸዓት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብኸፊል ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ኣሕዲሮም'ዮም። ኣብ ራስ ታኑራ ዝርከብ ዓብይ መጻረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ፡ ስብርባር ዝበርዓነት ድሮን ዝፈጠሮ ባርዕ ስዒቡ ብዝተላዕለ ሓዊ ፍርያት ደው ኣቢሉ።
ኣብ ቐጠር፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ተርሚናል ሰደድ ዝተጻረየ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ ዒላማ ድሮናት ኢራን ምስ ኰነ ተዓጽዩ።
እተን ድሮናት፡ ዋላ'ውን ቀሊል ቅዲ እንተሃለወንን ንምፍራይ ሕሱራት እንተዀናን፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ጕድኣት ኣውሪደን እየን። ነዊሕ ርሕቀት ዝጕዓዝ ሻሂድ-136፡ ዋጋኡ ካብ 20 ክሳብ 50 ሽሕ ዶላር ይግመት።
ድምጺ እዚ ድሮን ኣብዞም ቪድዮታት ምስማዕ ይከኣል
ዘይከም ካልኦት ናይ ንግዲ ድሮናት፡ ሻሂድ ኣብ ኣየር ብርሑቕ ክተመሓድሮ ኣይክኣልን። ኣብ ክንድኡ፡ ቅድሚ ምውፋሩ ፕሮግራም ተገይሩ፡ ናይ ሳተላይት ስርዓት ተጠቒሙ ዒላማ ናብ ዝገብሮ ቦታ ዝወስዶ ኣንፈት ይኽተል። ካብ ቴህራን ናብ ኣቴንስ 2500 ኪሎ ሜትር ክኸይድ ይኽእል።
ምስ ባለስቲክ ሚሳይል ክነጻጸር ከሎ፡ ዋላ'ውን ፈጣን እንተዘይኰነ ትሕት ኢሉ ዝበርር ብምዃኑ ብራዳር ክርአ ኣጸጋሚ እዩ።
ሻሂድ፡ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለወን ከባቢታትን መደበራት ጸዓትን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ተጠቒማትለን እያ። በዚ ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ወሪዱ እዩ። ኢራን ኣብ ቀረባ ዓመታት ነዘን ድሮናት ናብ መሓዝኣ ሩስያ ሰደድ ገይራ። ሕጂ ሩስያ ኣብ ቅዲ ኢራን ተሞርኲሳ ናይ ባዕላ ድሮናት ተፍሪ ኣላ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ነበር ወተሃደራዊ መኮንን ሲኣይኤን ምኽትል ሓጋዚ ጸሓፊ ምክልኻል ወተሃደራዊ ትካል ማእከላይ ምብራቕን ማይክ ሙልሮይ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዘን ድሮናት ኣብ ዝሓለፈ ግጭታት "ብዝለዓለ ደረጃ ውጽኢታውያን ምዃነን ኣመስኪረን እየን፡" ኣመሪካ ኸኣ ናይ ባዕላ ቅዲ ኣማዕቢላ እያ ኢሉ።
ሉካስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብኣዝዩ ትሑት ወጻኢ ዝተሰርሐ ድሮን፡ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ ጥቕሚ ኣውዒላቶ እያ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ቅዲ ኢራን ብምውሳድ "ምምሕያሽ ብምግባር ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ድሮናት ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም'ዮም፡" ኢሉ።
ኣመሪካ ክንደይ ዝኣኽላ ድሮናት ከም ዘዋፈረት ኣይገለጸትን። ኢራን ግን ክንደይ ዝኣክል ድሮናት ተወንጭፍ ከም ዘላ ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ ኣለው። ሕቡራት ኢመራት ዓረብ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ድሮናት ኢራን ናብ ግዝኣታ ከም ዝተወንጨፋ፡ ግን እተን 71 ጥራይ ስርዓት ምክልኻል እታ ሃገር ሓሊፈን ከም ዝኣተዋ ኣፍሊጣ። እተን ድሮናት ኣብ ኣየር ከለዋ ንምምካን ልዑል ዋጋ እዩ ዝሓትት።
ፍሉይ ጂፒኤስ ዝዕፍኑ መሳርሒታትን ሜላታት ጨረር ውግእን ምጥቃም ሓዊሱ፡ ድሮናት ሻሂድ ብዝተፈለላዩ መገዲታት ምምካን ይክኣል። ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ መብዛሕትአን፡ ብነፈርቲ ውግእ ወይ ኣዝዮም ክቡራት ብዝዀኑ ካብ መሬት ብዝትኰሱ ሚሳይላት እናተሃረማ ይወድቃ ኣለዋ።
ኢራን ብ2024 ብኣማኢት ዝቝጸራ ድሮናት ተጠቒማ ንእስራኤል ከተጥቅዕ ከላ፡ ነፈርቲ ውግእ ብሪጣንያ፡ ነፍስወከፈን 200 ሽሕ ፓውንድ ዘውጽኡ ሚሳይላት ብምትኳስ ሃሪመን ከም ዘውደቕአን ተገሊጹ እዩ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክሊ ኣየር ዮርዳኖስ ብነፋሪት ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ዝተወስደ ተመሳለሊ ስጕምቲ የርኢ።
ኣሜሪካን ኢንተርፕራይዝ ኣብ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሕ ኒኮላስ ካርል ኢራን ድሮኖናትን ሚሳይላትን ኣብ ጥቕሚ ምውዓላ፡ ኣመሪካን መሓዙታን ዕቑር ምክልኻል ሚሳይላት ክጥቀማ ኣገዲዱወን እዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ መሓዙታን "ራዕድን ስነ-ልቦናዊ ጸቕጥን ንምፍጣር፡" ጻዕሪ ብምግባር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ንኽገብር ንምግዳድ ዝዓለመ'ዩ ይብል ካርል።
ኢራን፡ እዚ ክሳብ ክንደይ እያ ክትቅጽሎ ዝብል ንጹር ኣይኰነን። ኢራን ቅድሚ እቲ ኲናት፡ ብሰዓርተታት ኣሽሓት ዝቝጸራ ድሮናት ሻሂድ ብጃምላ ከተፍሪ ጸኒሓ ተባሂሉ ይእመን። እንተዀነ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ንመዓልታት ብዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ፡ ክንደይ ዝኣክል ዕቝር ዓቕማ ከም ዘይተተንከፈ ኣይፍለጥን።
ምስ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝምድና ዘለዎ ማዕከን ዜና ኢራን ፋርስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ ትሕቲ መሬት ዘሎ ድፋዕ ኣብ ዝመስል ቦታ ዝተደርደራ ድሮናት የርኢ። እዚ ቪድዮ ግን መዓስ ከም ዝተቐድሐ ኣይፍለጥን።
ኣድሚራል ኩፐር፡ ብዝሒ ብኢራን ዝተወንጨፋ ድሮናት ብ83 ሚእታዊት ምንካይ ዘርኣየ እዩ ክብል እንከሎ፡ ዝወንጨፈቶ ሚሳይላት ድማ ብ90 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ሓቢሩ።
ኢራን፡ "ብድሮናት እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ንምቕጻል ትጽዕር እያ ዘላ፤ እዚ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ብወተሃደራዊ ጸቕጢ ኣመሪካን እስራኤልን ክኸብዳ እዩ፡" ኢሉ።
ስእልን ቪድዮን
ምክልኻል ኣመሪካ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ፡ ማዕከን ዜና ፋርስ