ፖሊስ ስእሊ ናይቲ ብመጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኦስሎ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣውጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Norway police

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፖሊስ ኖርወይ ምስቲ ዝሓለፈ ሰንበት ካብ ቀጽሪ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኦስሎ ዝተፈጸመ ፍንጀራ ናይ ዝተሓሓዘ ጥርጡር ስእሊ ኣውጺኡ።

እቶም ካብ ሕቡኣት ካሜራታት [ሲሲቲቪ] ዝተወስዱ ክልተ ኣሳእል፡ ሓደ ሰብ ገጹ ተኸዊሉ፡ ጸሊም ክዳን ለቢሱን ቦርሳ ሒዙን ዘርእዩ እዮም።

ፖሊስ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፍንጀራ ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ብዝተቐመጠ መሳርሒ ከም ዝተፈጥረ ኣረጋጊጹ። እቲ ፍንጀራ ቀሊል ጕድኣት ዘውረደ ኰይኑ፡ ኣብ ሰብ ዘስዓቦ ሃስያ ከም ዘየሎ ገሊጹ።

ፖሊስ ኣቐዲሙ እቲ ፍንጀራ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ። እቲ ጥርጡር ካብ ምንታይ ተደሪኹ ከም ዝፈጸሞ ዝገልጽ ሓበሬታ ግን ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

እቶም ነቲ መርመራ ዘካይዱ ዘለዉ ኣካላት፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ዘጓነፈሉ እዋን ዝተላዕለ ናይ ግጉል ማፕስ ቪድዮታት ይምርምሩ ከም ዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ ኣሎ።

ፖሊስ፡ ኣብቲ ፍንጀራ ዝተፈጸመሉ ቦታ መርመራታት ንምክያድ ኣኽላባት፡ ድሮናትን ሄሊኮፕተራትን ከም ዝተጠቕሙ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ ጥርጡር ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ፣ ከምኡ'ውን ካብ ፍርቂ ለይቲ ክሳዕ ሰዓት 2፡00 (ብኣቈጻጽራ ናይታ ሃገር) ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብቲ ከባቢ ኤምባሲ ፍሉይ ኵነታት ዘስተብሃለ ሰብ ሓበሬታ ክህብ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ኣሳእል፡ ካብ መእተዊ ክፍሊ ቆንስላዊ ጉዳያት ናይቲ ኤምባሲ ወጻኢ ዝተሰባበሩ ቬትሮታት ኣብ በረድ ፋሕ ኢሎም ይርኣዩ።

ሰብመዚ ኖርወይ እቲ ፍጻመ ቅቡል ከም ዘይኰነ ገሊጾም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤስፐን ባርት ኣይደ ድማ፡ "ድሕነት ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡" ክብል ኣስሚርሉ።

ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ነቲ ፍጻመ ብወገኑ'ውን ይምርምር ከም ዘሎ ገሊጹ።