ተዛነዩ፡ መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም መስሓቕ ስእልታት ነዚኦም ይመስሉ።

ተዓደሙታ!

ብኤንጅል ፊቶር ተሳኢላ ኣብ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ዝተዓወተት ስእሊ እያ።

ኣንድሩ ሊ፡ ነዛ ኣደ፡ ኣቦን ሸሞንተ ጫቝታቶምን ዝሓዘት ስእሊ ምስኣል ቀሊል ከም ዘይነበረ ይዛረብ።

ኣሰርቲኦም ብሓደ ግዜ ክረክብ ብዙሕ መዓልታት ተጸብዩ፤ ድሕሪኡ ኣቦ ምስ ወጸ፡ ኣደ ጫቝታን እውን ስዒቦም። ኩሎም ድማ ሃንደበት ናብኡ ኣንፈቱ ክጥምቱ ጀሚሮም - ኣብታ ሕሞት ኣንድሩ ንፈለማ ግዜ ኹሎም ብሓባር ርእይዎም።

ነታ ክብርቲ ህሞት ድማ ብኸምዚ ታሪኽ ክትከውን ኣኽኢልዋ።

እዚ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ትሕቲ መሬት መገዲ ባቡር እዩ። ኣናጹ ከመይ ኢሎም ናብኡ ኣተዉ ዝብል ሕቶ ምሕታት ዕሽነት’ዩ። እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ግን . . . እንድዒ ግዲ!

ኣደታተን ዘምጽኣለን ዓሳ ክምገባ ኣብ ዝጽበያሉ ዝነበራ እዋን፡ ሓንቲ ትዕግስቲ ዝሳነት ዑፍ ከም ‘ንግስቲ’ ትእዛዝ ክትህብን ቀዲማ ክትምገብን ደልያ።

ሮላንድ ክራንቲዝ ኣብ ሃንጋሪ ስኢልዋ፡ ‘ፍላውቲስት’ ክብል ድማ ሰምይዋ - ‘ሃራሚት ሻምብቆ’።

ኣብ ፔርዝ፡ ኣውስትራሊያ ተሳኢላ፤ ኣብ 2021 ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ካብ ዝነበሩ ብሉጻት ስእሊ ሓንቲ’ያ።

ኣብ ርሑቕ ሩስያ ኣብ ካምቻትካ ፒኒንሱላ ዝተሰኣለት’ያ።

ስሪላንካዊ ሰኣሊ ጋጋን መንዲስ ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ተወዳዲሩላ ነይሩ።

ኣብ ማእከላይ ቻይና ብሰንኪ ብርሰት ጫካ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣህባይ እዮም፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ከምዚ ዝበለ በረድን ቁሪን ኣይሃብካ’ዩ።