እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ዘናወጸ ምኽዳዕ ጀነራል ኣል-ጉባ
ኣብቲ ንሱዳን ዘናውጽ ዘሎ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ዘሐጕስ ዓቢ ምዕባለ ተኸሲቱ ቀንዩ ኣሎ።
ዝሓለፈ ሰንበት 19 ምያዝያ 2026፡ ፕረዚደንት ቤትምኽሪ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ንዝኸድዐ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሜጀር ጀነራል ኣል-ኑር ኣሕመድ ኣዳም (ብሳጓኡ "ኣል-ጉባ" ዝፍለጥ) ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከም ዝተቐበሎ ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።
እዚ ዜና'ዚ ብማዕከናት ዜና ኣል-ዓረብያ ከምኡ'ውን ሱዳን ትሪቡን ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ነቲ ጀነራል ክብሪ ንምሃብ ናይ ውልቁ መኪና ከም ዝሸለሞ'ውን ሓቢረን።
እዚ ምኽዳዕ'ዚ፡ ድሕሪ ብርጋደር ጀነራል ኣቡ ዓግላ ኬከል ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ብጀነራል ሕሜቲ ዝምራሕ ሓይሊ ዝወረደ "ዝኸበደ ወተሃደራውን ሞራላውን ክሳራ" ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።
ብርጋደር ጀነራል ኣቡ ዓግላ ኬከል ኣብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ወተሃደራውያን መራሕቲ እዩ። ንሱ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ወጺኡ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ብምጽንባር ቀዳማይ ዓቢ ስጕምቲ ዝወሰደ ላዕለዋይ ኣዛዚ እዩ።
ቅድሚ ናብ ዳዕመ-ሰሪዕ ምጽንባሩ፡ መራሒ ናይቲ 'ሓይልታት ዋልታ ሱዳን' ዝበሃል ኣብ ማእከላይ ሱዳን (ብፍላይ ኣብ ክፍለ ሃገር ኣል-ጀዚራ) ዝተመስረተ ዕጥቃዊ ጕጅለ እዩ ነይሩ።
ካብቶም ኣብ ማእከላይ ሱዳን ጽልዋ ዘለዎም ዓሌታት ዝውለድ ብምዃኑ ድማ ንዳዕመ-ሰሪዕ ኣብቲ ዞባ ተቐባልነት ንምርካብ ዓቢ ሓገዝ ኰይኑዎ ምንባሩ ይሕበር። (ኣብዚ ግዜ'ዚ ሰራዊቱ መሪሑ ኣንጻር ዳዕመ-ሰሪዕ ንምግጣም ናብ ዶብ ኢትዮጵያ ወፊሩ ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።)
ምኽዳዕ ጀነራል ኣል-ጉባ ዝፍጸም ዘሎ፡ እቲ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝተወልዐ ውግእ ሓድሕድ፡ ንሱዳን ናብቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቃሊዑዋ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።
ክልተኦም ሓይልታት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝገበርዎ ውግእ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ መብዛሕትኡ ዳርፉርን ኰርዶፋንን ክቈጻጸር እንከሎ፡ ሰራዊት መንግስቲ ድማ ኣብ ሰሜናውን ምብራቓውን ሱዳን ዕርዱ ኣጽኒዑ ኣሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሱዳን ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየ ቍጽሪ ተመዛበልቲ ዘለውዋ ሃገር ኰይና ትርከብ።
ልዕሊ 12 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ክፈናቐል ከሎ፡ ሚልዮናት ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ጥሜትን ሕጽረት መድሓኒትን ኣለዉ።
ከተማታት ዳርፉር ብፍላይ ድማ ኤል ፋሽር፡ ማእከል ደማዊ ውግእን ዓሌታዊ ግጭታትን ኰይነን እየን።
እቲ ዓንዲ ሕቘ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ዳርፉር
ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ዳርፎር24፡ ጀነራል ኣል-ጉባ ተራ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጥራይ ኣይነበረን። ዳዕመ-ሰሪዕ ክምስረት ከሎ፡ ካብ መስረትቲ ኣባላትን ናይ ቀረባ መማኽርቲ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)ን ኰይኑ፡ ኣብ ዳዕመ-ሰሪዕ ሓደ ካብ ብሉጻት ወተሃደራውያን ሓንጸጽቲ ውግእ ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ።
ብፍላይ ኣብቲ ንኸተማ "ኤል ፋሽር" ንምቍጽጻር ዝተኻየደ ሓያል ውግእ፡ ምስቲ ኣብ ውግእ ዝተቐትለ ዓሊ ያዕቝብ ብማዕረ ዝስራዕ ቀንዲ መሪሕ ተራ ከም ዝነበሮ ይግለጽ።
ጀነራል ኣል-ጉባ ዓቢ ጽልዋ ካብ ዘለዎ ዓሌት "መሓሚድ" ዝውለድ ብምዃኑ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ካብቲ ዓሌት ሰፊሕ ደገፍን ተዋጋእትን ንምርካብ ከም ወሳኒ ድልድል ኰይኑ የገልግል ከም ዝነበረ ጸብጻባት የረድኡ።
ካብ ዓውደ-ውግእ ናብ ምስሕሓብ ሽመት
ድሕሪ ምቍጽጻር ኤል-ፋሽር ኣብ ጥቅምቲ 2025፡ ኣብ መንጎኡን መሪሕነት ዳዕመ-ሰሪዕን ሓያል ምስሕሓብ ተፈጢሩ።
ወተሃደራውያን ምንጭታት ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣል-ጉባ ብመሰረት ዝተጐናጸፎ ዓወት፡ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ሰሜን ዳርፉር ኰይኑ ክሽየም ትጽቢት ነይሩዎ።
መሪሕነት ዳዕመ-ሰሪዕ ግን ንዕኡ ገዲፎም ንጌዶ ኢብን ሾክ - ሓደ ካብ ቀረባ ቤተሰብ ሕሜቲ - ምስ ሸሙዎ፡ እቲ "ኣብ ዳዕመ-ሰሪዕ ስልጣን ንቤተሰብ ሕሜቲ ጥራይ እዩ፡" ዝብል ቅሬታ ኣል-ጉባ ናብ ምሉእ ምፍልላይ ኣምሪሑ።
ናይ ድሮን ደገፍን ውጥረት ዝመልኦ ጕዕዞን
ሜጀር ጀነራል ኣል-ጉባ ካብ ዳዕመ-ሰሪዕ ወጺኡ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ክጽንበር ብቐሊል መንገዲ ኣይነበረን።
እቲ ጀነራል ጕዕዞ ምስ ጀመረ፡ ንምሓዙ ዝተላእከ ፍሉይ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕን ንኸምልጥ ዝተወስደ ስጕምትን ውጥረት ዝመልኦ ወተሃደራዊ ስርሒት እዩ ነይሩ።
ጀነራል ኣል-ጉባ ምስ 46 ዝተዓጠቓ መካይንን ኣማኢት እሙናት ኣባላቱን ብምዃን፡ ብ9 ምያዝያ 2026 ካብ ትውልዲ ዓዱ ከተማ "ጉባ" (ሰሜን ዳርፉር) ብምብጋስ ናብ ሰሜን ሱዳን ገጹ ጕዕዞ ጀሚሩ።
ከም ጸብጻብ ወተሃደራውያን ምንጭታት፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ መተሓላለፊ መንገድታት ድብያት ብምጽዋድ ክዓግቱዎ ፈቲኖም እዮም።
ኣብቲ ወሳኒ መድረኽ፡ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ወተሃደራውያን ድሮናት ብምውፋር፡ ነቶም ኣብ ምድረ-በዳ ተሓቢኦም ዝጽበዩዎ ዝነበሩ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብምውቃዕ መንገዲ ጸሪጐምሉ እዮም።
እዚ ናይ ኣየር ደገፍ፡ ጀነራል ኣል-ጉባ ካብቲ ተዳለይሉ ዝነበረ መጻወድያ ሞት ወይ ሓደጋ ማእሰርቲ ንምምላጥ ወሳኒ ተራ ከም ዝተጻወተ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።
እቲ ጀነራል ዝርከቦ ቃፍላይ ናብ ከተማ ኣል-ኻናቅ ምስ ኣተወ፡ ብሰራዊት መንግስቲ፡ ሓይልታት ልፍንትን ትካል ሓበሬታን ሃገራዊ ድሕነትን ተሰንዩ ብሰላም ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ናብ እትርከብ ከተማ ድንጉላ በጺሑ።
ዝሰዓበ ግጭትን ፖለቲካዊ ደገፍን
ብሙሳ ሂላል ዝምራሕ ቤትምኽሪ ተሓድሶ ሱዳን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣል-ጉባ ንዝወሰዶ ስጕምቲ፡ "ንሓድነትን ልኡላውነትን ሃገር ዘቐደመ ተባዕ ሃገራዊ መትከል፡" ክብል ብምምጓስ ዝለዓለ ደገፉ ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ነዚ ከም ዓቢ ክድዓት ብምርኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሌት "መሓሚድ" ሰፊሕ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ጸብጻባት ዳርፎር24 የረድእ።
ኣብታ ቀንዲ መሰረት ስልጣን ጀነራል ኣል-ጉባ ዝዀነት ከተማ ኩቱምን ከባቢኣን ድማ ኣባይቲ ብምርሳይን ሰባት ብጅምላ ብምእሳርን ሕነ ይፍደ ከም ዘሎ ይጥቀስ ኣሎ።
እዚ ምዕባለ'ዚ፡ ንፖለቲካዊ ዳይናሚዝም ሱዳን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዳዕመ-ሰሪዕ ዘሎ ዓሌታውን ናይ ስልጣን ፍሕፍሐን ናብ ደገ ዝወጽኣሉ ፍጻመ ኰይኑ ኣሎ።