ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ትሽዓተ በጺሑ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ትማሊ 25 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ሆስፒታል መንደፈራ ክንክን ክግበረለን ዝጸንሐ ጓል 80 ዓመት ብኮቪድ ከምዝሞታ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት፡ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 9 በጺሑ ኣሎ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ትማሊ ብዝተገበረ ላባራቶራዊ መርመራ ኣብ ዞባታት ጋሽ ባርካ፡ ማእከልን ደቡብን ተወሺቦም ካብ ዝጸንሑ 9 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኸቡ ገሊጹ።
በዚ መሰረት ኣብታ ሃገር ብጠቕላላ 3192 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 2962 ድማ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም ኣለው። 221 ከኣ ኣብ ኣብ ሆስፒታላት ኮይኖም ሕክምናዊ ናብዮት ይረኽቡ ከምዘለዉ እቲ ሚኒሰትሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።
ምንጪ ስእሊ, Yemane G/meskel
ብሰንኪ'ቲ ለበዳ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተዓጽየን ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራ፡ ካብ ዕለት 1 ሚያዝያ 2021 ክኽፈታ ምዃነን ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ስጉምቲ፡ ኣካል ምፍኳስ ዕጽዋን እገዳታትን ናይቲ ለበዳ ምዃኑ'ውን ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ጠቒሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ናህሪ ለብዒ ኮቪድ-19 ኣብ ኤርትራ፡ ብተዛማዲ፡ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብ'ታ ሃገር ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣዊጁ ዝጸንሐ ተሪር ዕጽዋ፡ በብቑሩብ ይፈኩስ ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። እንተኾነ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሕጂ'ውን ተኣጊዱ ይርከብ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available