ኣብ ካናዳ ሓደ ዕጡቕ 16 ሰባት ቀቲሉ
ምንጪ ስእሊ, RCMP IN NOVA SCOTIA
ኣብ ካናዳ ሓደ ዕጡቕ ኣባል ፖሊስ ተመሲሉ ብውሕዱ 16 ሰባት ቀቲሉ።
ኣብቲ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ካናዳ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተገልጸ ጃምላዊ ቅትለት፡ ሓንቲ ነቲ ኩነታት ግብረመልሲ ንምሃብ ናብ ቦታ ፍጻመ ዝኸደት ኣባል ፖሊስ'ውን ከም ዝተቐትለት ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ካናዳ፤ ዞባ ኖቫ ስኮሺያ ዝተኻየደ ናይ ቅትለት ናዕቢ፡ ካብ ቀዳም ጀሚሩ ን12 ሰዓታት ዝቐጸለ'ዩ።
ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ሰብ፡ ንግዳያት ብሃውሪ ይቐትል ከም ዝነበረን፡ ምስ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ዝነበረ ግጭት ከም ዝተቐትለን ተገሊጹ።
ናይ ፖሊስ እትመስል መኪና ይዝውር ከምዝነበረ ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ጃስቲን ትሩዶ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ዘሕዝን ኩነታት" ክብል ገሊጽዎ።
ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ፡ ስቲፈን ማክኒል ብወገኑ፡ "ኣብ ታሪኽ ኣውራጃና፡ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ትርጉም-ኣልቦ ቅትለት" ኢሉዎ።
እቲ ገብሪኤል ዎርትማን ዝተባህለ ጥርጡር፡ ቅድሚ ሕጂ ጎነጽ ይኹን ርኡይ ሕሉፍ ኣራኣእያ ከም ዝነበሮ ዘይፍለጥን፡ ዕዉት ናይ ስኒ ክሊኒክ ዝነበሮን ምዃኑ፡ ጎረባብቱን ሰብመዚን ተዛሪቦም።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available
{{rankTranslation}}