Essential English Conversation :1 واحد
انتخاب واحد
- 1 Essential English Conversation
- 2 Essential English Conversation
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
جلسه 6
Listen to find out how to ask if someone is married.
ሰባት ሓዳር እንተ ኣሎዎም ከመይ ኢልኩም ከም እትሓትዎም ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
Session 6 score
0 / 4
- 0 / 4تمرین 1
تمرین 1
Are you married?
Listen to find out how to ask if someone is married.
ሰባት ሓዳር እንተ ኣሎዎም ከመይ ኢልኩም ከም እትሓትዎም ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፤ እንቋዕ ብድሓን ናብ መደብ Essential English Conversation መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ’ዩ። ኣነ... እበሃል፣ ኣብ’ዚ ክፋል’ዚ ድማ ንሰባት ብዛዕባ ኵነታት-ሓዳሮም ከመይ ኢልኩም ከም እትውከስዎም ክትመሃሩ ኢኹም።
ሕጂ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰባት ንኩነታት ሓዳሮም ብዝምልከት ዘካየድዎ ዕላል ንከታተል።
Sue
Are you married?
Mark
No, I’m not, but I’m engaged. How about you?
Sue
Yes, I am.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
ብመጀመርታ ሱ ንማርክ ‘ተመርዒኻ ዲኻ?’ ‘ኢላ ሓተተቶ?’ ‘are you married?’ እዚ ናይ እወን/ኣይፋልን መልሲ’ዩ ዘድልዮ፣ ማለት መብዝሕትኡ እዋን እቲ መልሲ ‘እወ’ ‘yes’ ወይ ድማ ‘ኣይፋል’ ‘no’ እዩ።
ንቅድም ነቲ ሓረግ ጽን ኢልኩም ስምዑ፡ ድሓር ድገሙ።
Are you married?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ማርክ ‘ኣይፋለይን’ ኢሉ መለሰ ‘No, I’m not.’ ቀጺሉ ‘ግን ተሓጽየ’የ’ በለ። ከከም ኵነታትኩም ከምዚ ዝስዕብ’ውን ክትብሉ ትኽእሉ፣ ‘ኣይተመርዓኹን’ ‘I’m single’, ‘ብጻይ/ብጸይቲ ኣላትኒ’ ‘I have a partner’ ወይ ድማ ተፋቲሐ’የ ‘I’m divorced’.
ሕጂ ነዚ ዝስዕብ ተኸታተሉ።
No I’m not, but I’m engaged.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ማርክ ኣስዒቡ ‘ንስኺ ኸ?’ ኢሉ ን ሱ ሓተታ። ‘how about you?’ እዚ ሕቶ’ዚ ትቕብል ኣቢልና ንሓታቲ እነቕርቦ ተመሳሳሊ ሕቶ’ዩ።
ንቕድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።
How about you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሱ ንማርክ በዚ ዝስዕብ ‘እወ ወይ ኣይፋል’ ብምባል መለሰትሉ። ‘እወ (ተመርዕየ)’ ዚብል መልሲ ሃበቶ። ‘Yes, I am.’
ንቕድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።
Yes, I am.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ከም መፈተንታ’ምበኣር ኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ኵነታት-ሓዳሮም ንሓድሕዶም ክተሓታተቱ ከለዉ ስምዑ።
Are you married?
Yes, I am. How about you?
No, I’m not. I’m single.
Are you married?
No, I’m not. I’m divorced. How about you?
Yes, I am.
Are you married?
Yes, I am. How about you?
No, I’m not. I have a partner.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ዝተማሃርኩምዎ ክሳብ ክንደይ ከም እትዝክሩ እስከ ንርአ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።
ተመርዒኻ ዶ?/ ተመርዒኺ ዶ?
Are you married?
ኣይፋል፡ ኣይተመርዓኹን፡ ግና ተሓጽየ’የ።
No, I’m not, but I’m engaged.
ንስኻ ኸ?/ ንስኺ ኸ?
How about you?
እወ፡ ተመርዕየ እየ
Yes, I am.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ናይ ሎሚ ቀንዲ ቓላት ንምኽላስ ንብምልኡ’ቲ ዕላል ደጊምኩም ስምዑዎ።
Sue
Are you married?
Mark
No, I’m not, but I’m engaged. How about you?
Sue
Yes, I am.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ’ምበኣር ንሰባት ኵነታት-ሓዳሮም ንምሕታት ኰነ ‘እወ ወይ ኣይፋል’ ዚብል መልሲ’ውን ብእንግሊዘኛ ክትህቡ ትኽእሉ። ንዝተማሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዘኛ ሓዳር ኣሎኩም ዶ የብልኩምን ኢልኩም ተወከሱዎም። እታ ‘How about you?’ ትብል፡ ማለት ንዝሓተተኩም ሰብ ተመሊስኩም ንምሕታት እትጥቀሙላ ሓረግ ተለማመዱላ።
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversations የራኽበና። Bye for now!
Check what you’ve learned by putting the words in the correct order.
እተመሃርኩምዎ ንምግምጋም እዞም ቃላት ብኣገባብ ስርዑዎም።
Are you married?
4 Questions
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብተርታ ስርዑዎም
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብተርታ ስርዑዎም
Hint
ቀዳማይ ቃል፡ 'Are'Question 1 of 4
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብተርታ ስርዑዎም
Hint
ናይ መጠረሻ ቃል: 'not'.Question 2 of 4
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብተርታ ስርዑዎም
Hint
ናይ መጠረሻ ቃል: 'am'.Question 3 of 4
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብተርታ ስርዑዎም
Hint
ናይ መጠረሻ ቃል: 'single'.Question 4 of 4
Excellent! آفرین! نمره شما Bad luck! :
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
واژه های تازه این جلسه
Are you married?
በዓል-ሓዳር ዲኹም?/ ተመርዒኹም'ዶ?
No, I’m not.
ኣይፋለይን።
Yes, I am.
እወ፡ (ተመርዕየ እየ)
I’m married.
ተመርዕየ እየ።
I’m single.
ጌና ኣይተመርዓኹን/ ኣነ ሓዳር የብለይን
I’m divorced.
ተፋቲሐ እየ
I’m engaged.
ተሓጽየ እየ
How about you?
ንስኻ'ኸ?/ ንስኺ'ኸ?