Essential English Conversation :1 واحد
انتخاب واحد
- 1 Essential English Conversation
- 2 Essential English Conversation
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
جلسه 23
Listen to find out how to buy food at the market.
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ካብ ዕዳጋ መግቢ ብኸመይ ከምትሽምቱ ተማሃሩ።
Session 23 score
0 / 3
- 0 / 3تمرین 1
تمرین 1
At the market
Listen to find out how to buy food at the market.
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ካብ ዕዳጋ መግቢ ብኸመይ ከምትሽምቱ ተማሃሩ።
Listen to the audio and take the quiz. ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ ፈተና ስርሑ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም: እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ’ዩ። ኣነ ተኽልማሪያም በኪት እየ፡ ኣብዚ መደብ እዚ ከመይ ገርኩም ካብ ዕዳጋ መግቢ ከምትግዝኡ ክትመሃሩ ኢኹም።
ነዚ ካብ ዕዳጋ፡ ድንሽ ዝገዝእ ዘሎ ሰብ ጽን ኢልና ንስማዕ።
Dan
How can I help you?
Lisa
Hi, can I have a kilo of potatoes?
Dan
Here you are. That’s £1.00.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እቲ ዋና ድኳን ነቲ ዓሚል ‘How can I help you?’ ኢሉ ይሓቶ። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ድማ ኣብ ድኳናት፡ ቤት ብልዕታትን፡ ዕዳጋን ዝሰርሑ ሰባት ንዓማዊሎም ዝሓትዎ ዓይነት ሕቶ እዩ።
መጀመርታ ስምዑ ብድሕሪኡ ድገምዎ።
How can I help you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ዓሚል ሓደ ኪሎ ድንሽ ‘kilo of potatoes’ ክህቦ ሓቲቱ። መጀመርታ ስምዑ ብድሕሪኡ ድገምዎ።
Hi, can I have a kilo of potatoes?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ዋና ድኳን፡ ነቲ ዓሚል ድንሽ ሂቡ፡ ከምዚ በሎ ‘Here you are’። እዚ ሓረግ ንሰባት ገለ ነገር ክንህብ ምስእንደሊ እንጥቀመሉ መልሲ እዩ።
Here you are.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስዒቡ ነቲ ዓሚል ዋግኡ 1 ፓውንድ ምኻኑ ሓበሮ።
That’s £1.00.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ! ሕጂ እንታይ ከም ዝበልኩም ፈትሹ፡ ናይዞም ዝተፈላለዩ ሰባት ዘረባ ብዛዕባ መግቢ ካብ ዕዳጋ ምግዛእ ንስማዕ።
ጃስቲን ስጋ ዕየት ‘lamb’ ይገዝእ ኣሎ።
How can I help you?
Hi, can I have two kilos of lamb?
Here you are. That’s £15.00.
ኒክ በርቦሮኒ ‘peppers’ ይገዝእ ኣሎ።
How can I help you?
Hi, can I have a kilo of peppers?
Here you are. That’s £2.50.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሓራይ እምበኣር፡ ሕጂ ንፈትን ። ነቲ ናይ እንግሊዘኛ ምሉእ ሓሳብ ሰሚዕኩም ድገምዎ። ንነፍሲ ወከፍ ክልተ ግዜ ክትሰምዕዎ ኢኹም።
How can I help you?
How can I help you?
Hi, can I have a kilo of potatoes?
Hi, can I have a kilo of potatoes?
Here you are.
Here you are.
That’s £1.00.
That’s £1.00.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ እምበኣር፡ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርክሞ ቋንቋ ኢንግሊዝ ከምትዝክርዎ ርእስኩም እትግምግሙሉ ግዜ በጺሑ። ነዚ ብትግርኛ ትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት እስከ ብእንግሊዝኛ ድገምዎ።
እንታይ ክሰምዓካ?
How can I help you?
ኪሎ ድንሽ’ዶ ምሃብካኒ?
Hi, can I have a kilo of potatoes?
ሓራይ እንካ
Here you are.
1 ፓዉንድ እዩ ዋግኡ።
That’s £1.00.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ሕጂ ከመይ ጌርኩም መግቢ ከም እትእዝዙ ፈሊጥኩም ኣሎኹም። ሕጂ ነዚ ዋና ድኳን እንታይ ከምትደልዩ እናነገርኩም ልምምድ ግበሩ።
How can I help you?
Here you are. That’s £1.00.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ፡ ሕጂ ነቲ ዝርርብ ብምሉኡ ደጊምኩም ብምስማዕ መልስታትኩም ገምግሙ።
Dan
How can I help you?
Lisa
Hi, can I have a kilo of potatoes?
Dan
Here you are. That’s £1.00.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ሕጂ’ምበኣር ብቋንቋ እንግሊዘኛ ገርኩም ካብ ዕዳጋ መግቢ ክትግዝኡ ትኽእሉ። ንዝተማሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዘኛ መግቢ ካብ ዕዳጋ ናይ ምግዛእ ልምምድ ቀጽሉ።ኣብ ካልእ ግዜ ብካልእ መደብ የራክበና። Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ብዛዕባ ትፈትዉዎ ዓይነት መግቢ ምሕታት ክትክእሉ ብጽሞና ተኸታተሉ።
ኣብ ዕዳጋ
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Help
تمرین
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
እዚ ሰብ ሓገዙ የበርክት ኣሎ።Question 1 of 3
Help
تمرین
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
እዚ ሰብ ዓሳ ክገዝእ ይደሊ’ሎ።Question 2 of 3
Help
تمرین
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
ዋጋ ሐደ ነገር ክንህብ እንከለና እንታይ ዓይነት ቃል ንጥቀም።Question 3 of 3
Excellent! آفرین! نمره شما Bad luck! :
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ አንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ም ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
واژه های تازه این جلسه
How can I help you?
እንታይ ክሕግዘካ
Hi, can I have a kilo of potatoes?
ሰላም፡ ሓደ ኪሎ በናና’ዶ ምሃብካኒ?
Here you are. Anything else?
እነሀ። ካልእ እንታይ ክሕግዘኩም
Yes, can I have a kilo of ______, as well?
እወ፡ ሓደ ኪሎ ______ ምሃብካኒ/ምሃብክኒ
Here you are. That’s £15.00 altogether.
እንሀ፡ ንኩሉ £15.00 ፓውንድ’ዩ።
That’s expensive!
እዚ ክቡር’ዩ።
That’s cheap!
እዚ ሕሱር’ዩ።
fish
ዓሳ
chicken
ደርሆ
lamb
ስጋ ዕየት
peppers
ጉዕ በርበረ
potatoes
ድንሽ
bananas
በናና