Essential English Conversation :1 واحد
انتخاب واحد
- 1 Essential English Conversation
- 2 Essential English Conversation
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
جلسه 39
Listen to find out how to ask about what people do in their spare time.
ከመይ ጌይርኩም ንሰባት ኣብ ትርፊ ግዜኦም እንታይ ከምዝገብሩ ምሕታት ከትክእሉ ብጽሞና ተኸታተሉ።
Session 39 score
0 / 3
- 0 / 3تمرین 1
تمرین 1
What do you do in your spare time?
Listen to find out how to ask about what people do in their spare time.
ከመይ ገይርኩም ንሰባት ኣብ ትርፊ ግዜኦም እንታይ ከምዝገብሩ ምሕታት ከትክእሉ ብጽሞና ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ ፈተና ስርሑ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ እዚ ኣገደስቲ ክፋላት ቋንቋ እንግሊዝ ሒዙልኩም ዝቐርብ መደብ እዩ። ኣነ ተኽለማሪያም በኪት እየ፡
ንሎሚ ትምህርትና ሰባት ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ብዛዕባ ዝገብርዎም ነገራት ብኸመይ ከምእንሓትት ክንመሃር ኢና።
እስከ ሕቶ ሕድሕድ እዞም ክልተ ሰባት ብዛዕባ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ዝገብርዎ ነገራት ንስማዕ።
Sam
What do you do in your spare time?
Rob
I play the guitar in a band. What about you?
Sam
I like exercising.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቀሉ፡ እዚ ምይይጥ’ዚ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና።
ፈለማ ሳም፤ 'እንታይ ትገብር?' ‘What do you do…?’ ክትብል ንሮብ ሓቲታቶ። ኣስዒባ ‘in your spare time?’ ማለት ኣብ ትርፊ ግዜኻ/ግዜኺ ማለት'ዩ።
ሰሚዕኩም ድገምዎ።
What do you do in your spare time?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ድሕሪኡ 'ኣብ ባንድ ጊታር እጻወት' ‘I play the guitar in a band’ ክብል ሮብ መሊሱ። ብዛዕባ ምጽዋት ሙዚቃ ክንዛረብ እንከሎና ‘play’ ዝብል ቃል ንጥቀም። ‘Band’ ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ማለት'ዩ።
I play the guitar in a band.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሮብ ድማ 'ንስኺ'ኸ?' ብምባል መሊሱ ሓቲትዋ። ሰሚዕኩም ድገምዎ።
What about you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ፤ ሳም ምንቅስቃስ እየ ዝፈቱ ክትብል መሊሳ። እትፈትዎ ነገር ንምግላጽ እንተደሊኩም ‘like’ ከምኡ’ውን አብ መወዳእታ ‘–ing’ ብምውሳኽ ትገልጹ። ንኣብነት ፊልም ምርኣይ ትፈትው እንተኾንኩም ‘I like watching movies.’ ዝብል ተጠቀሙ። ሰሚዕኩም ድገምዎ።
I like exercising.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ፤ ሕጂ እንታይ ከም ዝበልኩም ንዝተፈላለዩ ሰባት ነንሕድሕዶም ብዛዕባ ኣብ ትርፊ ግዚኦም ዝገብርዎ ነገራት ክዘራረቡ ብምስማዕ ኣረጋግጹ።
What do you do in your spare time?
I go fishing by the river. What about you?
I like playing sports.
What do you do in your spare time?
I play basketball with my friends. What about you?
I like meeting friends.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ እስከ ደጊምና ንስማዕ። ነዚ ናይ ኢንግሊዝኛ ሓሳባት ብምስማዕ ድገምዎ። ክልተ ጊዜ ክትሰምዕዎ ኢኹም።
What do you do in your spare time?
What do you do in your spare time?
I play the guitar in a band.
I play the guitar in a band.
What about you?
What about you?
I like exercising.
I like exercising.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ እምበኣር፡ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርኩሞ ቋንቋ ኢንግሊዝ ከምእትዝክርዎ ነብስኹም ገምግሙ። ነዚ ብትግርኛ ትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት ብእንግሊዝኛ ድገምዎ።
ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ እንታይ ትገብር?
What do you do in your spare time?
ኣብ ባንድ ጊታር እጻወት።
I play the guitar in a band.
ንስኻ'ኸ?
What about you?
ምንቅስቃስ እፈቱ።
I like exercising.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም - ሕጂ ከመይ ጌርኩም ንሰባት ብዛዕባ ዘለዎም ፍሉይ ዝንባለታት ከም እትሓቱ ፈሊጥኩም ኣለኹም። ንሳም ብምምላስ ተለማመዱ። 'ንስኺ'ኸ?' ብምባል ድማ ደጊምኩም ሕተቱ።
What do you do in your spare time?
I like exercising.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ፤ ሕጂ ነዚ ሙሉእ ዝርርብ ደጊምኩም ብምስማዕ መልስታትኩም ኣረጋግጹ።
Sam
What do you do in your spare time?
Rob
I play the guitar in a band. What about you?
Sam
I like exercising.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ ሕጂ ሰባት አብ ትርፊ ግዜኦም እንታይ ከም ዝገብሩ ብኢንግሊዝኛ ምሕታት ተማሂርኩም ኣለኹም። ዝተምሃርኩምዎ ምልምማድ ግን ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ኣብ ግዜ ዕረፍቶም እንታይ ከምዝገብሩ ብምሕታት ተለማመዱ።
ኣብ ዝቕጽል Essential English Conversation ክሳብ እንራኸብ ልዋም ቅነ። Bye!
Check what you’ve learned by putting the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብቕኑዕ መስርዕ ብምስራዕ እንታይ ከምዝተማሃርኩም ነብስኹም ገምግሙ።
ኣብ ትርፊ ግዜየኹም እንታይ ትገብሩ?
3 Questions
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብትኽክል ስርዕዎም።
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብትኽክል ስርዕዎም።
Hint
እዛ ቃል 'do' ክልተ ግዜ ትረኤ።Question 1 of 3
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብትኽክል ስርዕዎም።
Hint
ድሕሪ ‘like’ ‘-ing’ ዘለዋ ቃል ንጥቀም።Question 2 of 3
Help
تمرین
Put the words in the correct order.
ነዞም ቃላት ብትኽክል ስርዕዎም።
Hint
ብ'I play…' ጀምሩ።Question 3 of 3
Excellent! آفرین! نمره شما Bad luck! :
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
واژه های تازه این جلسه
What do you do in your spare time?
ኣብ ትርፊ ግዜኩም እንታይ ትገብሩ?I play the guitar in a band.
ምስ ጉጅለ ባህሊ ጊታር እጻወት።I like exercising.
ኣነ ኣካላዊ ምንቕስቃስ እፈቱ።I go fishing by the river.
ኣነ ኣብ ሩባ ከይደ ዓሳ ምግፋፍ እፈቱ።I like playing sports.
ኣነ ስፖርት ክገብር እፈቱ።I play basketball with my friends.
ኣነ ምስ ብጾተይ ኮይነ ኩዕሶ ስክዓት እጻወት።What about you?
ንስኩም’ከ/ንስካ/ንስኻ’ኸ?