ጥዕና፡ ጨው መሲልዎም ኣብ ምግቢ ኬሚካዊ ድኹዒ ዝተጠቐሙ 24 ኣባላት ቤተሰብ ሞይቶም

ኣብ ሰሜን ምዕራባዊ ናይጄርያ ዝተበከለ ከምዝኾነ ዝተገለጸ ምግቢ ዝበልዑ 24 ኣባላት ሓደ ቤተሰብ ሞይቶም፡፡
እቲ ሓደጋ ኣብ ግዝኣት ሶኮቶ ኣብ እትርከብ ዳንዛኬ ዝተባህለት ገጠር እዩ ኣጋጢሙ፡፡
ኮምሽነር ጥዕና እታ ግዝኣት ዓሊ ኢናመ ንጋዜጠኛታት ከምዝሓበሮ፡ እቶም ቤተሰብ ብሰኑይ ምግቢ እንተዳልዉ፡ ብጌጋ ጨው ዝመስል ቀመማዊ ምህርቲ መሰሰኒ (ድኹዒ) እዮም ተጠቒሞም፡፡
ሰብ ሞያ ጥዕና ህይወት እቶም ኣባላት ቤተሰብ ንምድሓን ዝገበርዎ ጻዕሪ እውን ከምዘይሰመረ ሓቢሩ፡፡
ካብቲ ምግቢ ንእሽተይ ጥራሕ ዝጠዓሙ ክልተ ኣባላት እቲ ቤተሰብ ግና ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ፡፡
እቲ ሓደጋ ምስተሰምዐ፡ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ድሕነቱ ሓደገኛ ኬሚካላት፡ ምግቢ ካብ ዝቐምጠሉን ዝስረሐሉን ከባቢ ከርሕቕ ሰብ መዚ ጸዊዖም፡፡
ኣብ ናይጄርያ ቅድሚ ሕዚ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ዘጋጥሙ እኳ እንተኾኑ፡ ክንድዚ ዝኣኸሉ ሰባት ክሞቱ ግን ልሙድ ኣይኮነን፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


