እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብኣይ ጓሉ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ብገበን ብልሽውና ይድለ’ሎ
መርማሪ ገበን ብልሽውና ናይጀርያ ሰብኣይ ጓል ፕረዚደንት እታ ሃገር ጊምባ ያዩ ኩሞ ብናይ 65 ሚልዮን ዶላር ገበን ምጥፍፋእ ከምዝድለ ብወግዒ ኣፍሊጡ። እቲ ገበን ምስ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ።
ኣብ ህንጸት መንበሪ ኣባይቲ ንዝሳተፉ ትካላት ልቓሕ ብምሃብ ናይ ዝፍለጥ ባንኪ ሞርትጌጅ ፌደራል ዳይሬክተር ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዚ ውልቀሰብ ብኮምሽን ምጽራይ ብልሽዉና ናይጀርያ ክድለ ጸኒሑ'ዩ።
ናይቲ ኮምሽን ወሃቢ ቃል ዝኾነ ኣዙካ ኦጉጓ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ስእሎም ኣብዚ ተጠቂዑ ናይ ዘሎ ሰባት ኣቶ ታሪ ሩፉስ፣ ኣቶ ጊምባ ያዩ ኩሞን ኣቶ ቦላ ኦጉንሶላን 65 ሚልዮን ዶላር ዝግመት መጠን ገንዘብ ብምጥፍፋእ ስለዝድለዩ ኣበይ ከምዘለዉ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ንኮምሽን ምጽራይ ብልሽውና ወይ'ውን ኣብ ጥቕኡ ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ከመልክት ኣለዎ" ኢሉ።
ኣቶ ኩሞ ምስ ጓል ፕረዚደንት ሙሓመድ ቡሃሪ ፋጢማ ኣብ 2016 እዩ ተመርዕዩ።
እቶም ሰለስተ ብገበን ብልሽውና ዝድለዩ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ርእይቶ ክህቡ'ኳ እንተፈተነ ክረኽቦም ከምዘይከኣለ ወኪል ዜና ኤ ኤፍፒ ጸብጺቡ። ይድለዩ ከምዘለዉ ግን ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ናይጀርያ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ኮሚቴ ላዕለዋይ ባይቶ ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንሰብኣይ ጓል እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘይቅርጥው ኣወሃህባ ውዕሊ ዝምልከት ጉዳይ ጸዊዑ ኣዘራሪብዎ ከምዝነበረ ኣብ ናይጀርያ ዝመደብራ ማዕኸን ዜና ናይጀርያ ፕርሚየም ታይምስ ጸብጺባ።
ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ናይጀርያ ዝነበረ ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ንካልኣይ ግዜ እዩ ብፕረዚደንትነት ዝመርሕ ዘሎ።