እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ርዋንዳ፡ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ ይሳተፉ ኣለዉ
ኣብቲ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 9 ግንቦት ዝካካድ ዙር ርዋንዳ 2021 ሽዱሽተ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ ክወዳደሩ እዮም።
ኣብቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሸሞንተ መድረኻት ዝካየድ ናይ 2.1 መለከዒ ዘለዎ ቅድድም ብሽኽለታ ዙር ርዋንዳ፡ ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሲራክ ተስፎም፡ ሰሉ ወልደሚካኤል፡ ኖሆም ዘርኣይ፡ መሓሪ ተወልደን ቶማስ ጎይትኦምን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምውካል ከምኡ'ውን መትከል እዮብ ምስ ጋንትኡ ትረንጋኑ ብምዃን ኣብዚ ውድድር ክሳተፉ እዮም።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2020 ኸኣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕውታት እቲ ውድድር ብምዃን ብጫ ማልያ ከምዝወነኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ምስ ዝዕወተሉ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ንዙር ርዋንዳ ኣከታቲሎም ሰለስተ ዓመት ብምዕዋት ታሪኽ ክሰርሑ'ዮም።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ርዋንዳ ሓሓሙሽተ ተጻወትቲ ሒዘን 15 ጋንታታት ክሳተፋ እየን።
ኣብዚ ብሓፈሻ 75 ተጻወትቲ ዝሳተፍዎ ዘለዉ ዙር ርዋንዳ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሃገራዊት ጋንታ ርዋንዳ፡ ጋንታ ዳይረክት ኢነርጂ፡ ጋንታ መደሊን፡ ጋንታ በንዲክሽን ኢግኒተ፡ ጋንታ ቢ ኤንዲ ቢ፡ ጋንታ ኣንድሮኒ፡ ኤርትራዊ መትከል እዮም ዝወዳደረላ ጋንታ ትረንጋኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ፡ ጋንታ እስራኤል ስታርት ኣፕ ኔሽን፡ ጋንታ ባይክ አይድ፡ ጋንታ ስኮላ ኣንድረን ንያንሽቱ፡ ጋንታ ታርተሎቶ ኢሶሬክስ፡ ጋንታ ፕሮ ታችን ጋንታ ዋይልድላይፍ ጀነረሽን ክሳተፋ'የን።
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ብሽክለታ ዜር ርዋንዳን ዜር ጋቦንን ጥራይ እዮም ናይ 2.1 መለክዒ ዘለዎ፡ በዚ መሰረት ዙር ርዋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየድ ውድድራት ብሽክለታ እቲ ዝሓየለን ብውዳኤኡ ዝጸፈፈን ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ኣብዚ ካብ ሎሚ 2 ግንቦት ክዳብ 9 ግንቦት ኣብ ንሸሞንተ መድረኻት ዝካየድ ቱር ርዋንዳ ተቀዳደምቲ 913.3 ኪሎ ሜትር ክሽፍኑ'ዮም።
ሎሚ ዝካየድ ቀዳማይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ርዋንማጋና 115.6 ኪሎሜትር።
ካልኣይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ሁየ 120.5 ኪሎ ሜትር።
ሳልሳይ መድረኽ ካብ ንያንኣሰዘ ናብ ጊኩምቢ 117.6 ኪሎ ሜትር።
ራብዓይ መድረኽ ካን ኪጋሊ ናብ ሙሳንዘ 123.9 ኪሎ ሜትር።
ሓሙሻይ መድረኽ ካብ ንያጋታረ ናብ ኪጋለ 149.3 ኪሎ ሜትር።
ሳዱሻይ መድረኽ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜትር።
ሻውዓይ መድረኽ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜትር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ።
ሻሙናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ውድድር ዝተዓወትሉ ተቐዳደምቲ
2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን
2019 ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ
2018 ርዋንዳዊ ሳሙኤል ሙጉሻ
2017 ርዋንዳዊ ጆፍ ኣረሩያ
2016 ርዋንዳዊ ቫለንስ ንዳይሰንጋ
2015 ርዋንዳዊ ጅን ባስኪ ንስንጊማና
2014 ርዋንዳዊ ቫክንስ ንስንጊማና
2013 ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳይላን ግሪድለስቶን
2012 ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዳረን ሊል
2011 ኣመሪካዊ ኬል ረይጀን
2010 ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት