ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት: ቲፋኒ ሓድሽ ተዓዋቲት ሽልማት ግራሚ ኮይና
ምንጪ ስእሊ, yemane gebremeskel/twitter
ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ኮሜድያን ቲፋኒ ሓድሽ: ተዓዋቲት ሽልማት ግራሚ ምዃና ዝሰምዓትሉ ኵነት ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሓ።
ንሳ ኣብ ቀረጻ ናይቲ ብተለቪዥን ብተኸታታሊ ተቕርቦ መደብ ህጻናት እንከላ እያ ነቲ ዜና ዓወታ ሰሚዓ።
ቲፋኒ በቲ 'ብላክ ሚትዝቫህ' ዝብል ኣልበም እያ፡ ነቲ ኣብ 35 ዓመታት ብዓውዲ ብሉጽ ኣልበም ኮሜዲ ነቲ ሽልማት ዝበቕዐት ጸላም ጓልአንስተይቲ ኮይና ዘላ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ናይ ቲፋኒ ፊልም ብላክ ሚትዝቫህን ጉዕዞ ናብ ይሁድነትን
'ባት ሚትዝቫህ'፡ ኣይሁዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ዕድሚአን 12 ክመልእ ከሎ ዝጽምብልኦ፡ መግለጺ መንፈሳዊ ዕብየትን ንትእዛዛት ኦሪት [ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከቡ ሓሙሽተ ቀዳሞት መጻሕፍቲ] ንምፍጻም መብጽዓ ዝኣትዋሉን ጽምብል እዩ።
ቲፋኒ ነቲ ጽምብል ምስ መበል 40 ዓመተ ልደታን ምዝርጋሕ 'ብላክ ሚትዝቫህ' ዝተሰምየ ሓድሽ ዝሰርሓቶ ኮሜድያዊ ፊልም ኣብ ኔትፍሊክስን ብሓባር ኣብ መወዳእታ 2019 እያ ኣብዒላቶ።
ኣብቲ ፊልም ቲፋኒ ነቲ ኣይሁዳዊ ውርሽኣ፡ እያ ተንጸባርቕ።
እቲ ጉዕዞ ንተሞክሮ ናይቶም ንመበቆሎም ዝረኸቡ ወይ'ውን ናብ ይሁድነት ሓያል መንፈሳዊ ምሰጣ ዘለዎም ብዙሓት ጸለምቲ ኣይሁድ ዘንጸባርቕ እዩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቲፋኒ ጓል 27 ዓመት ምስ ኮነት እያ ምስ ኤርትራዊ ኣቡኣ ክትራኸብ ዝኸኣለት፤ እንተኾነ ግና ናይ ዲኤንኤ መርመራ ድሕሪ ምግባራን ኣይሁዳዊ መበቆል ከም ዘለዋ ድሕሪ ምርግጋጻን እያ ነቲ እምነት ክትቕበሎ ዝጀመረት።
ቋንቋ እብራይስጥ ክትመሃርን ንመጽሓፍ ኦሪት ክተጽንዕን ድማ ጀሚራ፤ 'ባት ሚትቭዛህ' ምጽምባል ድማ ነቲ ኣፍሪቃዊ-ኣይሁዳዊ መበቆል ወለዳ ዘኽብር ምኻኑ ተዛሪባ።
ነቲ ናታ ተሞክሮ ንኻልኦት ምንጋር፡ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ምስቲ መበቆሎም ክተኣሳሰሩ ሓጋዚ ከም ዝኸውን ቲፋኒ ትገልጽ።
ነቲ ጉዕዞ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ክጽምበርዎ ከም ዝኽእሉ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣይሁድ ዝገብሮ ዝተፈላለየ መግለጺታት ስለዘሎ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available