ብዛዕባ ዝተዘመቱ ቅርስታትኩም እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, V&A Museum
ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ፤ ካብ ኣፍሪቃ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሓድግታት እዮም ብምዕራባውያን ሃገራት ተዘሚቶም።
ሕዚ ግን ፈረንሳይ፡ ኣብ ቤተመዘክራታ ዝርከቡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ኣፍሪቃ ዝተወሰዱ ሓድግታት ናብታ ኣህጉር ክምለሱ ዝጽውዕ ጸብጻብ ፈኒዋ ኣላ።
እዚ ድማ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ቤተመዘክራት፡ ካብ ናይጄርያ ዝወሰድዎም ዓበይቲ ሓድግታታ መሊሶም ነታ ሃገር ከለቅሕዋ ኣብ ዝተሰማምዕሉ እዋን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ካብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝተሰርቁ ንዋያት እንታይ ትፈልጡ?
ሕቶ 1/6
እምኒ ሮዜታ' ነቲ 'ሄሮግሎፊክ' ዝበሃል ጠፊኡ ዝነበረ ጥንታዊ ጽሑፍ ግብጻውያን ኣብ ምርካብ ወሳኒ ተራ ነይርዎ። ነዚ ሕዚ ኣብ 'ብሪትሽ ሙዝየም' ተዓቒቡ ዘሎ ግዙፍ ቀጸላ (750 ኪግ) መን ረኺብዎ?
ሕቶ 1/6
እቲ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ዛንታ፡ ነቲ እምኒ ወተሃደራት ፈረንሳይ ከምዝረኸብዎ እዩ። እቶም ወተሃደራት፡ ኣብ ናይል ደልታ ዕርዲ ንምስራሕ እንትኹዕቱ'ዮም ረኺቦምዎ።
ሕቶ 2/6
ኣብ 1868፡ ወተሃደራት እንግሊዝ ድሕሪ ኩናት መቅደላ ብዙሕ ንዋያት እዮም ወሲዶም። ነዞም ዝዘመትዎም ንዋያት ከግዕዙ ክንደይ ሓራምዝ ተጠቒሞም?
ሕቶ 2/6
ካብ መቅደላ ዝተዘምቱ ንዋያት ንምግዓዝ 15 ሓራምዝን 200 ኣብቅልትን ተጠቒሞም። ካብቶም ዝተዘምቱ ንዋያት፡ ወርቃዊ ዘውዲ፣ ጽዋእን ጥንታዊ መጻሕፍቲ ብራናን ይርከብዎም።
ሕቶ 3/6
ናይ 'ሳቮ' በላዕቲ ሰብ ተባሂሎም ዝፅውዑ መን እዮም?
ሕቶ 3/6
ኣብ ኬንያ 'ሳቮ' ዝበሃል ዓዲ፡ ካብ 1898-1899፡ ካብ ሞምባሳ ናብ ቃላይ ቪክቶርያ ዝወስድ መገዲ ባቡር ይህንፁ ዝነበሩ 140 ሸቃሎ ብኽልተ ኣናብስ ተቐቲሎም። ደሓር፡ ነቶም ኣናብስ ሓደ እንግሊዛዊ መሃንዲስ ቀቲሉዎም።
ሕቶ 4/6
እታ ካብ እምኒ ዝተሰርሐት 'ዑፍ ዝምባብወ' ቀንዲ ምልክት ናይታ ሃገር እያ። ብባዕዳውያን ገዛእቲ ተዘሚቶም ካብ ዝተወስዱ እቶም ዝተፈልጡ 8 ጥንታዊ ያታዊ ቅርጽታት፡ ክንደይ ናብ ዚምባብወ ተመሊሶም?
ሕቶ 4/6
7 ካብቶም ቅርፅታት ናብ ዚምባብወ ተመሊሶም እዮም። እቲ ንመወዳእታ እዋን ዝተመለሰ፡ ካብ ጀርመን እዩ። እታ ሻምነይቲ ቅርጺ ኣብ ናይ ሰሲል ሮደ መደቀሲ ክፍሊ ኣብ ኬፕ ታውን ኣላ።
ሕቶ 5/6
እታ ንግስቲ ባንግዋ እትበሃል ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐት ቅርፂ፡ ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘበን ካብታ ሎሚ ካሜሩን እትባል ሃገር ዝተወሰደት እያ። ደቂ-ዓዲ፡ ነታ ቅርፂ "ንጂዩንደም" እናበሉ እዮም ዝፅውዕዋ። እንታይ ማለት እዩ?
ሕቶ 5/6
"ንጂዩንደም" ማለት ብቋንቋ ባንግዋ "ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊት" ማለት እዩ። ወኪል ስለያ ናይታ ባዕዳዊት ገዛኢት ዝነበረት ጀርመን፡ ጉስታቭ ኮንራው ኣብ 1899 ብኸመይ ከምዝወሰዳ ኣይፍለጥን።
ሕቶ 6/6
እቶም ናይ 'ብሮንዛት ቤኒን' ዝበሃሉ፡ ብኣብዝሓ ካብ ምንታይ ዝተሰርሑ እዮም?
ሕቶ 6/6
ኣብ 1987 ብወተሃደራት እንግሊዝ ዝተዘምቱ 'ብሮንዛት ቤኒን' ብኣብዝሓ ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሑ'ዮም። ኣብ ቤተመዘክራት እንግሊዝ፣ ጀርመንን ኣመሪካን ይርከቡ።
ዊልያም ሙሊ ብምምዕባል፣ ሚሊሰንት ዋቺራ ብንድፊ፣ ጆርጅ ዋፉላ ብኣኒሜሽን፣ ኣሽሊ ላይም ብመፅናዕትን ፅሑፍን ተሳቲፎም። ሁጎ ዊልያምስ ኣዳልዩዎ።
ካብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝተሰርቁ ንዋያት እንታይ ትፈልጡ?
ሕቶ 1/6
ሃገር: ግብጺ
እምኒ ሮዜታ' ነቲ 'ሄሮግሎፊክ' ዝበሃል ጠፊኡ ዝነበረ ጥንታዊ ጽሑፍ ግብጻውያን ኣብ ምርካብ ወሳኒ ተራ ነይርዎ። ነዚ ሕዚ ኣብ 'ብሪትሽ ሙዝየም' ተዓቒቡ ዘሎ ግዙፍ ቀጸላ (750 ኪግ) መን ረኺብዎ?
- 1. ግብፃዊ ገፋፊ ዓሳ
- 2. እንግሊዛውያን ኣርኮሎጂስታት
- 3. ብናፖልዮን ዝእዘዙ ወተሃደራት ፈረንሳይ
ቅኑዕ መልሲ
እቲ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ዛንታ፡ ነቲ እምኒ ወተሃደራት ፈረንሳይ ከምዝረኸብዎ እዩ። እቶም ወተሃደራት፡ ኣብ ናይል ደልታ ዕርዲ ንምስራሕ እንትኹዕቱ'ዮም ረኺቦምዎ።
ሕቶ 2/6
ሃገር: ኢትዮጵያ
ኣብ 1868፡ ወተሃደራት እንግሊዝ ድሕሪ ኩናት መቅደላ ብዙሕ ንዋያት እዮም ወሲዶም። ነዞም ዝዘመትዎም ንዋያት ከግዕዙ ክንደይ ሓራምዝ ተጠቒሞም?
- 1. 0
- 2. 15
- 3. 3
ቅኑዕ መልሲ
ካብ መቅደላ ዝተዘምቱ ንዋያት ንምግዓዝ 15 ሓራምዝን 200 ኣብቅልትን ተጠቒሞም። ካብቶም ዝተዘምቱ ንዋያት፡ ወርቃዊ ዘውዲ፣ ጽዋእን ጥንታዊ መጻሕፍቲ ብራናን ይርከብዎም።
ሕቶ 3/6
ሃገር: ኬንያ
ናይ 'ሳቮ' በላዕቲ ሰብ ተባሂሎም ዝፅውዑ መን እዮም?
- 1. ግዕዙያት ሰብመዚ ኬንያ
- 2. ብዙሓት ሰብኡት ዘእትዋ ኣንሽቲ
- 3. ሰብ ዝበልዑ ክልተ ኣናብስ
ቅኑዕ መልሲ
ኣብ ኬንያ 'ሳቮ' ዝበሃል ዓዲ፡ ካብ 1898-1899፡ ካብ ሞምባሳ ናብ ቃላይ ቪክቶርያ ዝወስድ መገዲ ባቡር ይህንፁ ዝነበሩ 140 ሸቃሎ ብኽልተ ኣናብስ ተቐቲሎም። ደሓር፡ ነቶም ኣናብስ ሓደ እንግሊዛዊ መሃንዲስ ቀቲሉዎም።
ሕቶ 4/6
ሃገር: ዚምባብወ
እታ ካብ እምኒ ዝተሰርሐት 'ዑፍ ዝምባብወ' ቀንዲ ምልክት ናይታ ሃገር እያ። ብባዕዳውያን ገዛእቲ ተዘሚቶም ካብ ዝተወስዱ እቶም ዝተፈልጡ 8 ጥንታዊ ያታዊ ቅርጽታት፡ ክንደይ ናብ ዚምባብወ ተመሊሶም?
- 1. 7
- 2. 0
- 3. 1
ቅኑዕ መልሲ
7 ካብቶም ቅርፅታት ናብ ዚምባብወ ተመሊሶም እዮም። እቲ ንመወዳእታ እዋን ዝተመለሰ፡ ካብ ጀርመን እዩ። እታ ሻምነይቲ ቅርጺ ኣብ ናይ ሰሲል ሮደ መደቀሲ ክፍሊ ኣብ ኬፕ ታውን ኣላ።
ሕቶ 5/6
ሃገር: ካሜሩን
እታ ንግስቲ ባንግዋ እትበሃል ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐት ቅርፂ፡ ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለ ዘበን ካብታ ሎሚ ካሜሩን እትባል ሃገር ዝተወሰደት እያ። ደቂ-ዓዲ፡ ነታ ቅርፂ "ንጂዩንደም" እናበሉ እዮም ዝፅውዕዋ። እንታይ ማለት እዩ?
- 1. ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊት
- 2. ተባዕ ተጋዳሊት
- 3. ሕጉስቲ ኣደ
ቅኑዕ መልሲ
"ንጂዩንደም" ማለት ብቋንቋ ባንግዋ "ናይ ኣምላኽ ኣገልጋሊት" ማለት እዩ። ወኪል ስለያ ናይታ ባዕዳዊት ገዛኢት ዝነበረት ጀርመን፡ ጉስታቭ ኮንራው ኣብ 1899 ብኸመይ ከምዝወሰዳ ኣይፍለጥን።
ሕቶ 6/6
ሃገር: ቤኒን
እቶም ናይ 'ብሮንዛት ቤኒን' ዝበሃሉ፡ ብኣብዝሓ ካብ ምንታይ ዝተሰርሑ እዮም?
- 1. ኣስራዚ
- 2. እምኒ
- 3. ነሓስ
ቅኑዕ መልሲ
ኣብ 1987 ብወተሃደራት እንግሊዝ ዝተዘምቱ 'ብሮንዛት ቤኒን' ብኣብዝሓ ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሑ'ዮም። ኣብ ቤተመዘክራት እንግሊዝ፣ ጀርመንን ኣመሪካን ይርከቡ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)