ትራምፕ ስደተኛታት ናብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ከይኣተዉ ክስጎጉ ፀዊዖም
ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ስደተኛታት ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ብቕልጡፍ ክስጎጉ ኣብ ትዊትር ገፆም ኣታሓሳሲቦም።
"ዝኾነ ሰብ ምስመፀ ናብ ዳኛን ቤት ፍርድን ከይቀረበ ብቕልጡፍ ናብ ዝመፆ ምለስዎ" ክብሉ ፅሒፎም።
ነዚ መርገፂኦም ዘፍለጡ፡ ንህፃናት ስደኛታት ካብ ወለዶም ንምፍላይ ዝወሰንዎ ውሳነ መሊሶም ካብ ዘልዕሉ መዓልታት ምስተቖፀሩ እዩ።
"እዚ ኹሉ ስደተኛ ንሃገርና ከዕለቕልቕ ክፍቀድ የብሉን። ናብ ዝመፀሉ ክምለስ'ዩ ዘለዎ" ኢሎም።
ስደተኛ ክቕበሉ እንተኾይኖም እውን ብክእለትን ዓቕምን ጥራሕ ከምዝኸውን ሓቢሮም።
ኣብ ወርሒ ጉንበት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዶብ ኣሜሪካ ሰጊሮም ዝኣተዉ ስደተኛታት ብፖሊሲ "ዘይተፃዋርነት" ብገበን ተሓተትቲ ኮይኖም'ዮም።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 1
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 2
እቶም ፕረዚደንት ኣብ ሞንጎ ብምኽንያት ቁጠባ ዝስደዱን ሓተትቲ ዕቑባን ዝህሉ ኣፈላላይ ኣየነፀሩን።
ኣብ ትዊተሮም ብዝፀሓፍዎ ፅሑፍ፡ ኣጠቓቕማ ቃላቶም ብዝምልከት ካብ ኣባላት ንሶም ዝመርሕዎ ሰልፊ ሪፐብሊካን ከይተረፈ ነቐፌታ በፂሕዎ።
ቤት ፅሕፈት ስደተኛታት ኣሜሪካ ከምዝሕብሮ ካብ 5 ግንቦት ክሳብ 9 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ 2,342 ህፃናት ካብ 2,206 ስድራ ተፈልዮም።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available