ሕቶ ቀዳማይ ሚኒስተር ብፌደሬሽን ተነጺጉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ ዓመት ኣብ ከተማ ዳላስ ብፌደሬሽን ስፖርት ኢትዮጵያዉያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየድ መበል 35 ፌስቲቫል ባህልን ስፖርትን ንምስታፍን መደረ ንምስማዕን ዘቕረቦ ሕቶ ተቕባልነት ኣይረኸበን።

እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቀጻሊ ፌስቲቫላት ኣብ ቀጸልቲ ፌስቲቫላት ክሳተፍ ከምዝኽእል ግና ኣፋፍኖት ዝህብ ነገር ገዲፉ።

እቲ ፌደሬሽን ቀንዲ መንጸጊ ነጥብታቱን ምኽንያቱን ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ብምጥርናፍ ኣብ ድሕረ ገጹ ብዝርዝር ኣስፊርዎ ይርከብ።

ቐዳማይ ነገር እቲ ሕቶ ፌስቲቫል ኣብ ዝቐረበሉ ግዜ ምምጽኡ ዝዛመድ ስለዝኾነ ደሕንነት ኣጋይሽ ንምሕላዉ ተወሰኽቲ ስጉምታት ንምዉሳድ እኹል ጊዜ ከምዘየሎን ኣቐሚጡ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ፌስቲቫል ዝካየደሉ ስታዲየም ቐዳማይ ሚኒስተር ክፈጥሮ ብዝኽእል ትኹረት ስዒቡ ዝመጽእ ዕዱም ንምእንጋድ ዓቕሚ ከምዘይብሉን ዉድድራት ዝምልከት ቅድመ ምድላዉ ከምዝወድአን'ዉን ሓቢሩ።