ቢል ኮዝቢን ሮማን ፖላንስኪ ካብ ማሕበር ኦስካር ተስጒጎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters/EPA

ውሩይ ናይ ናይ ፊልም ተዋሳእይን ተዋዛያይን-ነበር ቢል ኮዝቢን ውሩይ ናይ ፊልም ዳይሬክተርን ኣዳላውን ሮማን ፖላንስኪ ካብቲ ብውሩያት ስነጥበበኛታት ዝቖመ ማሕበር ተሰጒጎም።

እቲ ኣብ ሲኒማ ንዝዋስኡ ናይ ተwaሰባት ሽልማት [ኦስካር] ዝህብ ማሕበር፡ እቲ ምስጓግ ብመሰረት ናይቲ ማሕበር መምዘኒ ባህርያት ኣባልቱ ኢዩ ተኻይዱ።

እቲ ናይ ቲቪ ተዋስኣይ ቢል ኮዝቢ ዝሓለፈ ወርሒ ብጾታዊ ዓመጽ ተፈሪድዎ። እቲ ናይ ኦስካር ተዓዋቲ ፖላንስኪ ድማ ኣብ 1977 ንጓል 13 ዓመት ከምዝዓመጸ ድሕሪ ምእማኑ ኢዩ እቲ ምስጓግ ዝተወሰነ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ውሩይ ናይ ፊልም ኣዳላዊ ሃርቪ ወይንስታይን ድሕሪ ብርክት ዝበለ ናይ ጾታዊ ምግሳስ ውንጀላ ካብቲ ማሕበር ከምዝትሰጎገ ይዝከር።

ስጋብ ሕጂ ቢል ኮዝቢ ይኹን ፖላንስኪ ዝኾነ ተቓውሞ ኣንጻር`ቲ በቲ ማሕበር ዝተወስደ ስጉምቲ ኣይሃቡን።

እንተኾነ፡ ብዓልቲ ቤት ኮዝቢ፡ ካሜላ፡ እቲ ውሳነ `` ቅኑዕ`` ኣይነበረን ኢላ።

እቲ ማሕበር`ከ እንታይ ገይሩ?

ኣባላት ቦርድ ናይቲ ኣዝዩ ህቡብ ማሕበር፡ ድሕሪ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ኢዩ ብሓሙስ እቲ ማሕበር መግለጺ ዝሃበ።

ኣብ መግለጺኡ፡ ኣቲ ቦርድ ቢል ኮዝቢን ሮማን ፖላንስኪ ብመሰረት ዘካየድዎ መምዘኒ ባህርያቶም ካብቲ ማሕበር ክስጎጉ ዝወሰነ።

እቲ ማሕበር ኣብ ናይ 91 ዓመት ታሪኹ ኣርባዕተ ሰባት ኢዩ ካብ ኣባልነቶም ዝሰጎገ።

ፖሊንስኪ`ከ እንታይ`ዩ ገይሩ?

እቲ ዘይሕጋዊ ጾታዎ ክሲ ኣንጻር`ቲ ሕጂ ወዲ 84 ዓመት ፖሊንስኪ ዳርጋ ንልዕሊ 40 ዓመታት`ዩ ክኸይድ ጸኒሑ።

ፖሊንስኪ ኣብ 1977 ምስ ትሕቲ-ዕድመ፡ ጉላ 13 ዓመት ሳማንታ ገይሜር ዘይሕጋዊ ጾታዊ ርክብ ከምዝገበረ ተእሚኑ። ኣብቲ እዋን ን42 መዓልቲ ድማ ተኣሲሩ።

ፖሊንስኪ ናይ ፈረንሳን ፖላንድን ዜግነት ኣለዎ። ኣሜሪካ ካብቲ ዝነብረሉ ዓዲ፡ ፈረንሳ ብምውሳድ ኣብ ኣሜሪካ ንፍርዲ ከተቕርቦ ዝገበረቶ ፈተነታት ኣይትዓውተን። ምኽንያቱ ፈረንሳ ንዜጋታት ኣሕሊፋ ስለዘይትህብ።

ናይ ቢል ኮዝቢ ውንጀለ`ኸ?

ኣብ ሚያዝያ፡ ኣቲ ወዲ 80 ዓመት ቢል ኮዝቢ ብሰለስተ ናይ ጾታዊ ምግሳስ ወንጀል ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። ነፍሲ ወከፍ ፍርዲ ድማ ስጋብ 10 ዓመት እስራት የፍርዶ።

ስለ ምንታይ ሕጂ?

ጀምስ ኩክ፡ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ስለምንታይ ሕጂ ብዝብል ዘቕረቦ ትንታነ፡ ንቢል ኮዝቢ ብዝምልከት፡ እቲ መልሲ ንጹር ኢዩ። ብገበን ክፍረድ ንቡር ኢዩ፡ እቲ ካብ ማሕበር ምስጓግ ድማ ሓደ ሰሙን ድሕሪ`ቲ ብይን ኢዩ ተዋሂቡ።

ናይ ሮማን ፖሊንስኪ ግና ድሕሪ 2,000 ሰሙናት ምስ ትሕተ-ዕድመ ጓል ጾታዎ ርክብ ምግባሩ ድህሪ ምእማኑ ኢዩ ካብቲ ማሕበር ተሰጒጉ።

ስለምንታይ ድኣ`ዩ እቲ ናይ ሆሊውድ ማሕበር ድሕሪ 40 ዓመት ፖሊንስኪ ንጉላ 13 ዓመት ምዕማጹ ካብቲ ማሕበር ዝሰጎጎ።

እቲ መልሲ ኣብ ቢሮክርስያዊ ጉዳይ ዘትኮረ ኣይኮነን ኣንታይ ድእ ኣብ ነውሪ ዘተኮረ ኢዩ።