ሰሜን ኮርያ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ናብ ፒዮንግያንግ ክበፅሕ እዩ

ዝሓለፈ ዓርቢ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዘካየደኦ ታሪኻዊ ዘተ ስዒቡ፤ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሰሜን ኮርያ ክበፅሕ እዩ።

ደድሕሪ እቲ ብክልቲኤን ኮርያታት ዝተፈፀመ መሰረታዊ ምዕራፍ፤ ብርክት ዝበሉ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ይሳለጡ ኣብ ዘለዉሉ ግዜ እዩ እዚ ምብፃሕ ይግበር ዘሎ።

ቻይና ብዓይኒ ቁጠባ ናይ ሰሜን ኮርያ ብሕታዊት መሓዛ እኳ እንተኾነት፤ ሓደ ዓብዪ በዓል መዚ ቻይና ናብ ሰሜን ኮርያ ምብፃሕ እንትገብር ግን ኣብ ውሽጢ ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ እዩ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕሬዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መፃኢ ሰሙናት ክራኸብ ትፅቢት ይግበረሉ።

ደቡብ ኮርያ ድማ ምስ ኣመሪካን ጃፓንን ዘተ ገይራ ኣላ።

ብመሰረት ካብ ቤጂንግ ዝተውሃበ መግለፂ፤ ዋንግ መፃኢ ረቡዕን ሓሙስን ዘካይዶ ምብፃሕ ካብ ፒዮንግያንግ ብዝተገበረሉ ዕድመ እዩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፤ ኪም ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ንምርኻብ ሃንደበታዊ ምብፃሕ ገይሩ ነይሩ። እዚ ድማ መሪሕነት ካብ ዝጭብጥ ንመጀመርታ እዋን ዘካየዶ ዓለምለኻዊ ጉዕዝኡ እንትኾን፤ ፒዮንግያንግ ምስ ቻይና ዘለዋ ርክብ ክሳብ ክንደይ ዕዙዝ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።