ትራምፕ፡ ንገደብ ግዜ ምቍራጽ ተዅሲ ንምንታይ ኣናዊሑዎ?
ምንጪ ስእሊ, DANIEL HEUER/POOL/EPA/Shutterstock
ዕለተ ሰሉስ ኣብ ዋሽንግተን ብዝተሓላለኸ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ እያ ጀሚራ።
ኤር ፎርስ ቱ ዝዓይነታ ነፈሪት ንምክትል ፕረዚደንት ጀይ.ዲ ቫንስ ሒዛ ናብ ኢስላማባድ ንምብራር፣ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ንዝካየድ ካልእ ዙርያ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ተዳልያ ነበረት።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ግን እታ ነፋሪት ኣይተበገሰትን፣ እቲ ዘተ ድማ ተሰሪዙ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ረቡዕ ምሸት ከብቅዕ ዝነበሮ ምስ ኢራን ዝተገብረ ግዝያዊ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ እቲ ስርዓት (ኢራን) ሓደ ስሙር ሓሳብ ኣዳልዩ ውግእ ንምብቃዕ፡ ተወሳኺ ግዜ ምእንቲ ክረክብ ከም ዘናውሖ ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ እዚ ኵሉ፡ ዓለም እዘን ሃገራት ውግእ ንምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ቀሪበን ከም ዘለዋ ክትርኢ ኣብ ትጽበየሉ ዝነበረት እዋን፡ ትራምፕ ዘለዉዎ ኣማራጺታት ክመዝን ወዒሉ።
እዚ ናይ ትራምፕ ውሳነ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ውግእ ንምቕጻል ክወስዶ ካብ ዝኽእል ምፍርራሕ ድሕር ዝበለሉ ኰይኑ፡ እቲ ግጭት ናብ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝጽግዓሉ ዘሎ እዋን ንርእሱ ተወሳኺ ግዜ ዓዲጉ ኣሎ።
ቫንስ ነቲ ናብ ኢስላማባድ ዝግበር ጕዕዞ ብወግዒ ኣይገለጾን፣ ንዋሽንግተን ድማ ኣብ ግምታዊ ኵነታት ሓዲጉዋ።
ኢራን'ውን እንተዀነት ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ብወግዒ ቃል ኣይኣተወትን።
ስለዝዀነ ድማ ዋይት ሃውስ፡ ቴህራን ናብ መኣዲ ዘተ ክትመጽእ ምዃና ርግጸኛ ከይኰነት ንቫንስ ክትሰዶ ይግባእዶ ኣብ ዝብል ኣጸጋሚ ኵነታት ኣውዲቑዋ ውዒሉ።
መዓልቲ ግዜ እናቘጸረ ምስ ከደ፡ ምልክታት ምስራዝ ናይቲ ዘተ ክርአ ጀሚሩ።
እቶም ብቫንስ ዝምርሑ ኣመሪካውያን ጕጅለ ተዛተይቲ ስቲቭ ዊትኮፍን ጃሬድ ኩሽነርን ናብ ኢስላማባድ ካብ ምኻድ ብቐጥታ ካብ ሚያሚ ናብ ዋሽንግተን በሪሮም።
ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ፕረዚደንትን ላዕለዎት ኣማኸርቱን ቀጻሊ ስጕምቲ እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ዝመያየጥሉ ዝነበሩ እዋን፡ ቫንስ ንኣኼባ ናብ ዋይት ሃውስ ኣምሪሑ።
ኣብ መወዳእታ ትራምፕ፡ እቲ ገደብ ግዜ ምቍራጽ ተዅሲ ክናዋሕ ምዃኑ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ገሊጹ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ውሳነ'ዚ ዝወሰደ ብመሰረት ጠለብ ፓኪስታን ምዃኑ ገሊጹ።
ፓኪስታን ኣብ መንጎ ቴህራንን ዋሽንግተንን ኣብ ዝግበር ዘተ ከም ሸምጋሊት ኰይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ሃገር እያ።
ትራምፕ፡ "መራሕቶምን ወከልቶምን ስሙር ሓሳብ ሒዞም ክሳዕ ዝመጽኡ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን እነካይዶ መጥቃዕቲ ንኽንዓግት ተሓቲትና ኣለና፡" ክብል ኣፍሊጡ።
ብፍሉይ ዝርአ ነገር፡ ትራምፕ ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ገደብ ምቍራጽ ተዅሲ ንኽንደይ ግዜ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ኣይገለጸን።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብቲ ፋልማይ ምቍራጽ ተዅሲ ናይ ክልተ ሰሙን ገደብ ኣንቢሩ ነይሩ።
እዚ ድማ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺታት፡ እቲ ዘተ ጽቡቕ ይኸይድ ከም ዘሎ እናገለጸ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኢራን ዘተ እንተ ኣብያ ውግእ ክጅምር ምዃኑ ዘመልክት ተጻራሪ ርእይቶታት ድሕሪ ምሃቡ ዝመጽአ እዩ።
ኣብ ኢራቕን ቱርኪን ናይ ቀደም ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝነበረ ጄምስ ጀፍሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ውግኣት ንምብቃዕ ዝተነጸረ ቀመር የሎን፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ ትራምፕ "ጽቡቕ ዕድላት ናብ መኣዲ እናኣቕረበ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ሓያል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲታት ከካይድ ዘፈራረሕ፡" ቀዳማይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣይኰነን ኢሉ።
እቲ ትራምፕ ሰሉስ ዝሃቦ ገደብ ግዜ ዘይብሉ መግለጺ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካይዶ ዝነበረ መጥቃዕትታት ዝያዳ ዝተረጋግአ እዩ ነይሩ።
ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Akhtar Soomro
እዚ ድማ ትራምፕ ነቲ ንዓለማዊ ቍጠባ ዘናወጸን ኣብቶም ናይ ትራምፕ 'ማጋ' (MAGA) ደገፍቲ፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ውግእ ንምብቃዕ ዘለዎ ድሌትን ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ ላዕለዋይ ተመራማሪ ብራያን ካቱሊስ፡ "እዚ፡ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት መንግስቲ ኢራን ዘሎ ንጹር ምፍሕፋሕ መሰረት ዝገበረ ግብራዊ ውሳነ እዩ፡" ክብል ገሊጹዎ።
እንተዀነ ግን ካቱሊስ፡ ውሳነ ትራምፕ እቲ ውግእ ንኽንደይ ግዜ ክቕጽል ከም ዝኽእል ዝያዳ ዘይርጉጽነት ከም ዝፈጠረ ይገልጽ።
"እዚ ስጕምቲ'ዚ ግን ትራምፕ ነቲ ኣመሪካውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ቍጠባዊ ስቓይን ካብ ደገፍቱ ዝመጽኦ ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ከመይ ገይሩ ክሰግሮ ከም ዝኽእል ሕቶ የልዕል እዩ፡" ዝበለ ካቱሊስ፡ "ነቶም ነዚ ቅልውላው ዝደፍኡ ዘለዉ ሕቶታት ገና መልሲ ኣይሃበሎምን፡" ኢሉ።
በዚ ናይ ምቍራጽ ተዅሲ ምንዋሕ፡ ኣመሪካን ኢራንን ነባሪ ሰላም ንምፍጣር ተወሳኺ ግዜ ረኺበን ኣለዋ። ግናኸ ዓበይቲ ሕቶታት ገና ኣይተመለሱን።
ኢራን፡ እቲ ኣመሪካ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝገበረቶ ዕጽዋ ከም ተግባር ውግእ ከም እትቘጽሮ ገሊጻ ኣላ።
ትራምፕ ውግእ ብቕጽበት ንኸይጅምር እኳ እንተ ወሰነ፡ ነቲ ቴህራን ንኽትምብርከኽ ተባሂሉ ዝተገብረ ዕጽዋ ደው ከም ዘብሎ ግን ዝሃቦ ምልክት የሎን።
ክሳዕ ሕጂ እቲ ዕጽዋ ንቴህራን ክመልሳ ኣይከኣለን፣ እዚ ድማ ንትራምፕ ካብ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ወጻኢ ሒደት ኣማራጺታት ጥራይ ከም ዝህሉዎ ይገብሮ።
በቲ ኻልእ ወገን ድማ ኢራን ነቲ ናይ ንዩክሌር መደባታ ወይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንእተካይዶ መጥቃዕቲ ደው ንምባል ዝዀነ ፍቓደኛነት ኣየርኣየትን።
እዚኦም ነጥብታት ድማ ትራምፕ ኣብ ዝዀነ ስምምዕ ሰላም ክካተቱ ዝሓተቶም ክልተ "ቀያሕቲ መስመራት" እዮም።
ትራምፕ ተወሳኺ ግዜ ዓዲጉ ኣሎ። ግናኸ እቲ ውግእ ቅልጡፍ መዓልቦ ንኽረክብ፡ ሕጂ እውን ከም ቀደሙ ዝጭበጥ ኣይመስልን።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available