ኣብ 1970ታት ዝነበረ ቅልውላው ነዳዲ እንታይ'ዩ፣ ካብኡ ናብ ዝኸፍአ ዲና ነምርሕ ዘለና?

ምንጪ ስእሊ, James Pozarik/Liaison via Getty Images

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንዓለማዊ ቀረብ ነዳዲ ወሳኒ ዝዀነ መስመር - ወሽመጥ ሆርሙዝ- ካብ ዝዕጾ ሓደ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ዓለም ኣብቲ ኣብ 1970ታት ዝነበረ ቅልውላው ነዳዲ ዘስዓቦ ጸገማት ንላዕሊ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ትሽመም ከም ዘላ ስግኣታት ከሕድር ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ኣሎ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ገለ ኣብያተ ዕዮ ዓመታዊ ዕረፍቲ ክወስዱ ይግበር ኣሎ።

ኢንጅነሪን ኢንዳስትሪ ግሩፕ ሰራዊት ምክልኻል ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሰራሕተኛታቱ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ክወጽኡ ከም ዝኣዘዘ ቢቢሲ ዝርኣዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክልል ትግራይ፡ ቅድሚ እዚ ቅልውላው ኣትሒዙ ብልዑል ቀረብ ሕጽረት ነዳዲ ክሳቐያ ካብ ዝጸንሓ ክልላት እታ ሃገር እያ፤ ኣብዚ ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ብሕጽረት ነዳዲ ኣገልግሎታት ዝሰናኸሎም ትካላት ብዙሓት ምዃኖም ይግለጽ።

ተቘጻጻሪ ቀረብ ጸዓት እታ ሃገር፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ምክፍፋልን ዕዳጋን ነዳዲ ዝያዳ ጽኑዕ ቍጽጽር ከም ዝግበር ወግዓዊ ገይሩ'ዩ።

ግብጺ፡ ነዳዲ ንምቝጣብ ኣብያተ መግቢ፡ ድኳናትን ኣብያተ ሻሂን ብእዋኑ ክዕጸዋ ክትእዝዝ እንከላ፡ፓኪስታንን ፊሊፒንስን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ሰሙን ንኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ክሰርሑ ኣፍቂደን ኣለዋ።

ክኢላ መራኽብን ዳይሬክተር ማርስክን ነበር ላርስ ጀንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጽልዋ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ዝተራእየ ቍጠባዊ ቅልውላው "ዝዓበየ" ከም ዝኸውን ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ዳይሬክተር ኣህጉራዊ ትካል ጸዓት ፋቲሕ ቢሮል፡ ዓለም "ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዓለማዊ ስግኣት ጸዓት ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ፡" ኣጠንቂንቑ ነይሩ።

ንሱ፡ እዚ ናይ ሕጂ ቅልውላው "ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ዝነበረ፡ ስንባደ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘጋጠመ ወራር ሩስያ ስዒቡ ዝተራእየ ወሰኽ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ'ውን ዝዓበየ'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ግን ንዓለምለኻዊ ቀረብ ዝዕንቅፍ ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት ግን ሎሚ ዓለም ዝያዳ ተጻዋርነት ከም ዘለዋ ይምጕቱ።

ኣብ ሰብዓታት ኣብ ቅልውላው ነዳዲ እንታይ ኣጋጢሙ?

ኣብ ሰብዓታት ዝነበረ ቅልውላው ነዳዲ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ መጀመርታ ስንባደ ነዳዲ "ውጽኢት ኰነ ኢልካ ዝተገብር ውሳነ ፖሊሲ" ስለ ዝነበረ፡ ካብ ናይ ሎሚ "ብመሰረቱ ዝተፈልየ" ምንባሩ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክሪስቶል ኢነርጂ ዝዀነት ክኢላ ስነ-ቝጠባ ዶክተር ካሮል ናክለ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ኣብ ጥቅምቲ 1973 ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝዀና ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ እዋን ኲናት "ዮም ኪፑር" - ማለት ኣብ 1973 ኣብ መንጐ ዓረብን እስራኤልን ዝተኻየደ ብግብጽን ሶርያን ዝተመርሐ ውግእ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ - ብኣመሪካ ዝምርሓ ጕጅለ ሃገራት ንእስራኤል ብዝገበርኦ ደገፍ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ እገዳ ኣንቢረን ነይረን።

እቲ ፖሊሲ ጐድኒ ጐድኒኒ ዝተዋደደ ምጕዳል ምህርቲ ነዳዲ እዩ መጺኡ።

"ውጽኢቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ዋጋ ነዳዲ ዳርጋ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ምውሰኹ'ዩ፡" ትብል ናክለ።

እዚ ድማ ኣብ ዓበይቲ ነዳዲ ዝጥቀማ ሃገራት ምምቕራሕ ነዳዲ ከም ዘስዓበን፡ ነባሪ ጽልዋ ዘለዎ "ዓለማዊ ቍጠባውን ፋይናንሳውን ቅልውላው" ከም ዘስዓበን ተረድእ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኲንስ ቤልፋስት ተመራማሪ ዶክተር ቲያርናን ሄኒ፡ ልዑል ዋጋ ነዳዲ ኣብ መላእ ዓለም ዝቕባበ ዋጋ ከም ዘስዓበን "እዚ ማለት ትካላት ንግዲ ይጐድላን ሽቕለት ኣልቦነት ይውስኽን ኣሎ ማለት'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

"እዚ ድማ ብዙሓት ስድራቤታት መነባብሮኦም ንምምራሕ ኣብ ዝቃለሱሉ ዝነበሩ እዋን ሰፊሕ ተቓውሞታት፡ ናዕቢን ምውሳኽ ድኽነትን የስዕብ፡" ኢሉ።

ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ 1973 ክሳብ 1975 ዝጸንሐ ቍጠባዊ ምንቁልቋል ነይሩወን፤ እቲ ቅልውላው ድማ ኣብ 1974 ዓቃባዊ መንግስቲ ቴድ ሄዝ ንኽወድቕ ኣበርክቶ ገይሩ።

ሕጂ እንታይ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ኣመሪካን እስራኤልን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ኢራን ኲናት ካብ ዝጅምራ ንደሓር፡ እቲ 20 ሚእታዊት ነዳዲ ዓለም ዝሓልፈሉ መጻብቦ ሆርሙዝ ምሉእ ብምሉእ ንመጓዓዝያ መራኽብ ተዓጽዩ ኣሎ።

እዚ ድማ ካብተን ንቡር ኣስታት ሓደ ሕምሲት ክፋል ነዳዲ ዓለም ናብ ወጻኢ ዝልእካ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝመጽእ ዋሕዚ ነዳዲ፡ ጋዝን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ጐስዩዎ ይርከብ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምንቅስቓስ ነዳዲ ወሽመጥ ዓረብ መሊሱ ንኽውሕዝ ዝተፈላለየ ሜላታት ፈቲኑ፣ መሓዙት ሃገራት መራኽብ ውግእ ክሰዳ ተማሕጺኑ፣ ኢራን መራኽብ ብሰላም በቲ መጻብቦ ክሓልፋ እንተዘይኣፍቂዳ ዝያዳ ከጥቅዕ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

መብዛሕትኡ እቲ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ካብ ወሽመጥ ዓረብ ዝወጽአ ነዳዲ ገና ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ መጻረዪ ነዳዲ ይበጽሕ ከም ዘሎን፡ እቲ ዋሕዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ደው ክብል ምዃኑን ክኢላታት ይገልጹ።

ስለዚ እቲ ክንርእዮ ዝጸናሕና ሕጽረት ነዳዲ፡ ዋላ'ውን መጻብቦ ሆርሙዝ ጽባሕ ዳግማይ እንተዝኽፈት፡ ክገድድ ጥራይ'ዩ።

ሰፊሕ ወጻኢታት ጸዓት ከጋጥመና'ዩ - እዚ ቅልውላው ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ ድሕሪ ምዝዛሙ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 12 ኣዋርሕ'ውን ልዑል ወጻኢታት ጸዓት ከጋጥም ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

እሞ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ካብቲ ኣብ 70ታት ዘጋጠመ ስንባደ ክገድድ ይኽእል ድዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋና ጸሓፊ ክለብ ጸዓት ዓረብ ዝዀነት ናክለ፡ ዕዳጋ ነዳዲ ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ዝነበረ ዝያዳ ዝተፈላለየ ምዃኑን፡ እቲ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ዘሎ ሓፈሻዊ መጠን እውን ብዓቢኡ ከም ዝነከየን ገሊጻ።

ህሉዊ ዋጋታት ልዑል እኳ እንተዀነ፡ ናይ ሎሚ ቅልውላው ግን ከምኡ ከቢድ ከም ዘይኰነ ትኣምን።

"እዚ ንርእዮ ዘለና መጠን ምዝባዕ ነዳዲ ርኡይ'ኳ እንተዀነ - ኣብ ቀረባ ታሪኽ ካብቶም ዝዓበዩ ክበሃል ይከኣል - እቲ ዕዳጋ ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ዝነበረ ዝያዳ ተጻዋርነት ኣለዎ። ዓለም ሕጂ ዝተፈላለየ፡ ውሑድ ነዳዲ ዝሓትት፡ ብዝበለጸ ድማ መከላኸልን ህጹጽ ምላሽ ዝህቡ ኣገባባትን ዝተዓጠቐት እያ።"

ኣብ ናቲክሲስ ሲኣይቢ ዳይረክተር ምርምር ኣቑሑት ጆኤል ሃንኮክ ግን፡ ካልእ ኣገዳሲ ፍልልይ፡ እቲ ኣብ 1970 ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ንዕኡ ንምምሕዳር ገንዘብን "ፖለቲካዊ ሓይሊን" ዝነበረን ምዕቡላት ሃገራት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ናይ ሕጂ ቅልውላው ብቐንዱ ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ዝጸሉ ኰይኑ፡ "ነቲ ቅልውላው ብጽቡቕ ንምምሕዳር ዘኽእል ትካላትን ገንዘባውን ዓቕሚ ዘይብለን፡" ሃገራት ዝጸሉ እዩ ኢሉ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ስዒቡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ዝበጽሕ ዕንወት እውን ኣብ ሰብዓታት ኣይነበረን።

ናይ ሎሚ ቅልውላው፡ "እቲ ኲናት ምስ ዝሓለ ጥራይ እዩ ዝውዳእ፡" ኢሉ ሃንኮክ።

ሄኒ ሎሚ ብዛዕባ ቁጠባ ዝሓሸ ርድኢትን ዕቝር ነዳዲ ዝሓዛ ዝበዝሓ ሃገራትን ምህላወን ሓዊሱ፡ ገለ ንዓለም ክሕግዙዋ ዝኽእሉ ነገራት ከም ዘለው ገሊጹ።

"እቲ ቀንዲ ሓደጋ እቲ ቅልውላው ዝተናውሐ ምዃኑ'ዩ፤ በዚ መጻኢ ትጽቢታት ዝያዳ ጽልምት ዝበለ ክኸውን'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

"እዚ ግጭት ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ክውዳእን ገለ ምርግጋእ ዝመስል ነገራት ክምለስን ትጽቢት ንገብር።"