እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካናዳ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ሚእቲ ሽሕ ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም
መንግስቲ ካናዳ፡ ኣመሪካ ዘንበረቶ ቀረጽ ዘስዓቦ ጸቕጢ ንምምካት ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ 2026 ጥራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ዜጋታት ካናዳ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም።
ኣብታ ሃገር መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 6.7 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ብዓርቢ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የመልክት። እዚ ኣሃዝ ድማ ካብተን ሃብታማት ሃገራት ጉጅለ 7፡ ካብ ፈረንሳ ቀጺሉ እቲ ዝለዓለ እዩ።
ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ዘጋጠመሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝለዓለ ወሰኽ ሽቕለት ኣልቦነት እዩ ተራእዩ። ኣብ ጽላት ንግዲ ጅምላን ችርቻሮን ድማ ዝዓበየ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ካርኒ ነዚ ዳሕረዋይ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካናዳ እትወስዶ ንግዳዊ ስጉምቲ "ኣብ ቁጠባ ካናዳ ዓቢ ምትዕርራይ የስዕብ ኣሎ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ብሓፈሻ ደሞዝ ይውስኽ ከም ዘሎን መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ካብቲ ኣብ መጋቢት 2025 ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ ዝነበሮ 6.8 ሚእታዊት ከም ዝነከየን ብዓርቢ ናብ ኖርወይ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።
እዚ ዳሕረዋይ ኣሃዛት ሽቕለት ኣልቦነት፡ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገለ ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ይገልጹ። ተቓዋሚ ዓቃባዊ ሰልፊ ብገኑ ነቲ ጸብጻብ "ዘስካሕክሕ ዜና" ክብል ገሊጽዎ።
መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ፒየር ፖይሊቭረ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንመሪሕነት ካርኒ ብኸፊል ወቒሱ። ካናዳ ኣብ መንጎ መሓዙት ሃገራት ጉጅለ 7 ድኹም ቁጠባዊ ዓቕሚ ከምዘለዋ እውን ተዛሪቡ።
"ዓለማዊ ጸገማት ከም ዘለና ሓቂ እዩ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝገብሮ ድማ ክንቆጻጸሮ ክንፍትን ኣይንኽእልን። ኩለን ሃገራት ግን እዚ ቀረጽ የጋጥመን ኣሎ። ዋላ ሓንቲ ካብአን ግን ከምቲ ኣብዚ ኣብ ካናዳ ዝንኪ ቁጠባ ዘለዋ የላን፡" ኢሉ።
ፖይሊቨር ቅድሚ ናብ ኣመሪካ ዝገብሮ ዘሎ ጉዕዞ እዩ ነዚ ተዛሪቡ።
ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣካየድቲ ስራሕ ኩባንያታት መካይን ከምኡ'ውን ምስ ኣባላት ባይቶ ኣኼባታት ብምግባር፡ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ንግዳዊ ምስሕሓብ ካናዳን ኣመሪካን ዘለዎ ኣቀራርባ ኣመልኪቱ ክዛተ መደብ ሒዙ ኣሎ።
ትራምፕ ዝሓለፈ ዓመት ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ኣብ ልዕሊ መካይን፡ ሓጺንን ኣሉሚንየምን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ዓውድታት ካናዳ ቀረጽ ብምንባሩ፡ ኣሽሓት ዜጋታት ስራሕ ንክስእኑ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ብዙሓት ሰደድ ካናዳ ሳላ እቲ 'ዩኤስኤምሲኤ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነዊሕ ዝጸንሐ ንግዳዊ ስምምዕ ሰሜን ኣመሪካ ተዓቂቡ'ኳ እንተጸንሐ፡ ትራምፕ ግን ሓድሽ ዓለምለኻዊ 10 ሚእታዊት ሓዊሱ ፍሉይን ሰፊሕን ቀረጽ እውን ኣንቢሩ እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መጻኢ ዩኤስኤምሲኤ ንጹር ኣይኰነን።
ኣብዚ ዓመት ግዴታዊ ዳግመ ግምገማ ይግበረሉ ኣሎ።
ትራምፕ ድማ ንኽስረዝ ወይ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ዝተፈላለየ ንግዳዊ ስምምዓት ክቐርጽ ክድግፍ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ እዩ።
እቲ ዘይርጉጽነት፡ ኣብ ካናዳ ዝርከቡ ኣሃዛት ስራሕ "ዘሰክፍ ተርእዮ" ንኽሕዙ ቀንዲ ድርኺት ምዃኑ ላዕለወይቲ ስነ-ቑጠባ ሲኣይቢሲ ማርኬትስ ካትሪን ጃጅ ትገልጽ።
"እዚ ብንጹር ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጸብጻብ'ዩ...እዚ ድማ ምዝሕሓል ዕድል ስራሕ ከምዝወሰኸን ኣብ ሞንጎ ንግዳዊ ዘይርጉጽነት ንጥፈታት ከም ዝተዓገተን ዘመልክት'ዩ፡" ትብል።
ኣመሪካ ዝዓበየት ዕዳጋ ሰደድ ካናዳ ብምዃና፡ ካናዳ ንቐረጽ ኣመሪካ ተቓላዒት እያ።
ኣስታት ሰለስተ ርብዒ ኣቑሑት ካናዳ ናብ ኣመሪካ እዩ ተሸይጡ፡ እዚ ኣሃዝ ግን ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ኣስታት 67 ሚእታዊት ወሪዱ ኣሎ።