ደማሙ እንስሳ ዘቤት ክዀና ዝተገብራሉ ዘስካሕክሕ ምኽንያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ጐፍጓፋት፡ ምውቓትን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዝያዳ መዕለበጥቲ እዮም - ደማሙ።

ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ድማ ኣይጠፍኡን።

ደማሙ ስምዒታዊ ምትእስሳር ይፈጥሩ፡ ጭንቀት የርእዩ፡ ጨናን ድምጽን ወነንተን ድማ የለልዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብርእሶም ብትንካፍን ቀስ ብቐስ ብምንቅስቓስን ፍቕሮም የርእዩ።

ታሪኽ ከም ዘመልክቶ ደማሙ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ መሓዙ ደቂ ሰብ ወይ እንስሳ ዘቤት ኣይነበሩን።

ኣብ መንጎ ደማሙን ወዲ ሰብን ዘሎ ርክብ ዝተሓላለኸ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ንልዕሊ 4,000–12,000 ዓመታት ዝማዕበለ ምዃኑ ይእመን።

ሕጂ ድማ ክልተ ሓደስቲ መጽናዕትታት፡ ደማሙ ንመጀመርታ ግዜ ኣበይን ብኸመይን እንስሳ ዘቤት ከምዝዀኑ ዘመልክት ሓድሽ ፍንጪ ኣቃሊዖም ኣለዉ።

ኣበይ ንዝብል ሕቶ፡ እዞም ርኽበታት ብግልጺ ናብ ንጥንታዊት ግብጺ ይጥቁሙ።

ግን ከምቲ ሕጂ እንሓስቦ ከም ሙውቓት መሓዙ ደቂ ሰብ ኣይኰናን ናብ መንበሪ ኣባይቲ ኣትዮም።

ኣብ ክንድኡ፡ ደቂ ሰባት ንሓደ ደማሙ ንፈለማ እዋን እንስሳ ዘቤት ክገብሩ እንከለዉ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ካልእ እዩ ነይሩ።

ምናልባት እቲ ዕላማ እቲ፡ ንብዙሓት ሰባት ምቾት ክነስእ ዝኽእል እዩ።

'ንጃምላዊ መስዋእቲ' ዝብል፡ ብዙሓት ዝጽበይዎ መልሲ ኣይኰነን።

ቅድሚ ሕጂ፡ ተመራመርቲ፡ ድማሙ በረኻ ቅድሚ ልዕሊ 9,000 ዓመታት፡ ኣብተን ቀዳሞት ናይ ሕርሻ ቁሸታት ክዘናግዑ ምስ ጀመሩ፡ እንስሳ ዘቤት ከምዝዀኑ ይኣምኑ ነይሮም።

መኽዘናት እኽሊ መጻወቲ ኣናጹ እናዀኑ ምስ ከዱ፡ ድሙታት በረኻ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ነተን ኣናጹ ክሃድኑ ጀሚሮም። እዚ ድማ ነቶም ደማሙን ነቶም ደቂ ሰባትን ረብሓ ስለዝህብ፡ መበገሲ እቲ ዝምድና ኰይኑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ደማሙ ክሳብ መንበሪ ኣባይቲ ክኣትዉ ምኽንያት ከምዝዀነ ክሕሰብ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ኣተሓስስባ እዚ ግን፡ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ዕቱብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ይርከብ።

"መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ መበቆል ደማሙ፡ ማለት እውን ሰሜን ኣፍሪቃዊ ድሙ በረኻ - ኣብ ግዜ ኒዮሊቲክ ከምዝተዓቀበ ይንገር" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር ናይ ስነ-ጥንቲ ሳይንቲስትን መሪሕ ደራሲ ናይቲ ቀዳማይ ሓዱሽ መጽናዕቲን ዝዀነ ዶክተር ሾን ዶሃርቲ ንቢቢሲ ሳይንስ ፎከስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

"ውጽኢት መጽናዕትና ነዚ ትረኻ ዝብድህ እዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ጥንታዊ ዓጽሚ ደማሙን፡ ሰረታዊ ስነ-ስእላውን መርትዖታት ብምግምጋም ዝተኻየደ እዩ። ደማሙ እንስሳ ዘቤት ክዀኑ ዝጀሩ ኣብ ግብጺ ኣብ ከባቢ ካልኣይ ክሳብ ቀዳማይ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ንምጉት።"

እታ ዶሃርቲ ዝመርሓ ጉጅለ፡ ትንተና ስነ-ጥንቲ እንስሳታት፡ ጀነቲክስን ሬድዮካርቦንን ተጠቒማ፡ ካብ ጥንታዊ ክሳዕ ዘመናዊ ዝጸንሐ፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳን ሰሜን ኣፍሪቃን ካብ ዝርከቡ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ዝተረኽበ ጥንታዊ ቅርሲ ድሙ ዳግማይ ገምጊማ።

ደማሙ ኣብ ሓደ እዋን ብኣግኡ እንስሳ ዘቤት ከምዝዀኑ ከምዘርኢ ዝሕሰብ ዝነበረ ኣብ ቆጵሮስ ካብ እትርከብ 9,500 ዓመታት ዝጸንሐት ቁሸት ሓረስቶት ዝተረኽበ ኣዕጽምቲ፡ ምስ ድሙ በረኻ ብዝያዳ ከምዝመሳሰል ድማ ኣረጋጊጻ።

ዕድመ ኣብ ምግማት ዝፍጸም ገለ ጌጋ፡ ኣዕጽምቲ ድሙ ንኣሽቱ ብምዃኖምን ምስ ግዜ ነጸላ ሓመድ ክቕየሩ ስለዝኽእሉን ክኸውን ከምዝኽእል ዶሃርቲ ይዛረብ።

"ስለዚ ዕድሞም ንምርግጋጽ ሬድዮካርቦን ዕለተ ምጽራይ ተጠቒምናሉ። እዚ'ውን ገለ ድሙታት ካብቲ ዝእመን ዝነበረ ኣዝዩ ኣብ ቀረባ እዋን ዝነበራ ምዃነን ዘርኢ'ዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደማሙ መስዋእቲ ኰይኖምን መምያ ተገይሮምን (mummified) እዮም፡ እዚ ካብ ዳሕረዋይ ዘመን ክሳብ ዘመነ ቶለሚክ (715-30 ቅ.ል.ክ) እዩ ዝኸውን ዘሎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ተመራመርቲ፡ ምቁጽጻር በላዕቲ ዘርኢ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ፡ ደማሙ እንስሳ ዘቤት ንክዀኑ ኣበርክቶ ገይር ክኸውን ተኽእሎ'ኳ እንተሃለወ፡ ሃይማኖት ግን ዝያዳ ኣገዳሲ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይምጉቱ።

ኣብ ግብጺ፡ ደማሙ ንኣምላኽ ባስተት ቅዱሳት ኰይኖም፡ ንመስዋእቲ ብዝብል ድማ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደማሙ ክረብሑ ተገይሮም።

"ኣብ መንጎ ደማሙ ገዛን ኣምላኽ ግብጺ ባስተትን ዘሎ ምትእስሳር፡ ኣብ 1ይ ሚለንየም ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ይበጽሕ" ይብል ዶሃርቲ።

"ኣብቶም ንባስተት ዝተወፈዩ መቕደሳት፡ ሚልዮናት መምያ ዝተገበሩ ደማሙ ንረክብ። ኣዝዮም ብዙሓት ስለዝነበሩ፡ ኣብ ዘመነ ቪክቶርያ፡ ኣሽሓት ናብ ብሪጣንያ ተወሲዶም፡ ንማሕረስን ከም መዳበርያን ይጥቀሙሎም ነይሮም።"

ሚልዮናት ደማሙ ንስርዓታዊ ቅትለት ኣብ ዝረብሕሉ መስርሕ፡ ኣብ ገዛ ንምዕቃብ ዘኽእሎ ባህርያት በብቑሩብ ተሓርዮም። እነሆ ድማ፡ ደማሙ እንስሳ ዘቤት ኰይኖም።

ዶሃርቲ ሓባራዊ ደራሲ ኣብ ዝዀነሉ ካልኣይ ጂኖም መጽናዕቲ፡ 87 ጥንታውያንን ዘመናውያንን ስረታት ደማሙ ብምትንታን፡ ደማሙ ገዛ ምስ ሓረስቶት ኒዮሊቲክ፡ ናብ ኤውሮጳ ከም ዝኣተዉ ዝሕብር መርትዖ ኣይረኸበን። የግዳስ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 2000 ዓመታ፡ ብዓቢኡ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ መጺኦም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ የመልክት።

"ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ደማሙን ዘሎ ቅርበት፡ ከምቲ ኣብ ከልቢ ዝነበረ ንውሓት ግዜ ዝምድና ከምዘይኰነ ዝነግረና ይመስለኒ" ይብል ዶሃርቲ።

ከምኡ'ውን ምኽንያት ብኣግኡ እንስሳት ዘቤት ዝዀኑ ምኽንያት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ደማሙ ክሳብ ሕጂ ከም ኣማልኽቲ ኰይኖም እንተተራኣዩ ዘገርም ኣይኰነን።

እዞም ክልተ መጽናዕትታት ኣብ ቅድመ-ሕትመት ዝርከቡን ወግዓዊ ገምጋም መዛኑ ዝጽበዩን እዮም።