ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኲናት ኢራን ሕጂ'ውን ብሓባር ዶ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images / Truth Social

ንባብ: 5 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብረቡዕ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ቀጠርን ኣብ ዝካፈለኦ ነዳዲ ዝዕደነሉ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ትርር ዝበለ ቃላት ዘለዎ መግለጺ ኣውጺኡ።

እስራኤል ንደቡባዊ ፓርስ ኢራን - ኣካል ናይቲ ዝዓበየ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ዓለም - ሃሪማቶ፡ ቴህራን ድማ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ቀጠር ንዝርከብ መደብር ጸዓት ሃሪማ። እቲ መጥቃዕቲ ዋጋታት ጸዓት ክውስኽ ገይሩ፡ ንትራምፕ'ዉን ኣሕሪቑዎ።

ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝሓንጸጸቶ መደብ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ ንኢራን ዳግማይ ኣፈራሪሑ።

ስለዚ እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ኲናትን ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ስትራተጅያዊ ዕላማታታን ክሳብ ክንደይ ብሓባር ተሰሊፈን ከም ዘለዋ እንታይ ይነግረና?

ንተንትኖ።

ኣመሪካ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ 'ዋላ ሓደ ኣይትፈልጥን'

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ "ብዛዕባ እዚ ፍሉይ መጥቃዕቲ እትፈልጦ ነገር ከም ዘይነበረ፡" ይዛረብ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ዝወጽአ ጸብጻባት ግን ካልእ እዩ ዝብል።

እቲ መጥቃዕቲ "ኣቐዲሙ ምስ ኣመሪካ ዝተዋደደ ኰይኑ፡... ኣብ መንጐ ቀዳማይ ሚኒስተር [ቤንጃሚን] ኔታንያሁን ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕን ዝተገብረ ስምምዕ፡" ከም ዝነበረ ማእከላይ ጋዜጣ የድዮት ጸብጺቡ።

የማናዊ ጋዜጣ እስራኤል ሃዮም ካብዚ ንላዕሊ ብምኻድ "ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ምስ መራሕቲ ሰለስተ ሃገራት ወሽመጥ ፋርስ ብዛዕባ ዝመጽእ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ [ገማግም ባሕሪ ኢራን] ኣሳሉየህ ተዘራሪቡ፡" ይብል።

ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምጉት እቲ ፕረዚደንት ዝረአ፡ እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ምፍላጥ ቀሊል ኣይኰነን።

መጥቃዕቲ እስራኤል ንምግላጽ ዝመረጾም ቃላት ብምርኣይ'ዉን ምግንዛብ ይክኣል።

እስራኤል፡ "ሕርቃን ብዘበገሶ" ነቲ መሳለጢያ ነዳዲ "ከቢድ መጥቃዕቲ፡" ከም ዘብጽሓትሉ ይገልጽ። እዚ ንገለ ካብቲ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ኢራን ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ዓይነት ቋንቋ'ዩ - ናይ ቀረባ መሓዛ ሃገሩ ዝዀነት ብጥንቃቐ ዝተሓሰበ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣይገበረትን።

ትራምፕ እስራኤል ጥበብ ብዘይመልኦ መገዲ ከም ዝተዋስአት ድዩ ዝእምት ዘሎ?

እስራኤል 'ነዳዲ ኣብ ዘለዎ ከባቢ' ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣይክትፍጽምን'ያ

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝጽሓፎ ነዊሕ ጽሑፍ፡ ነቶም ከስምረሎም ዝደለየ ጉዳያት ጎሊሖም ብዝርኣዩ ቃላት እዩ ጽሒፉዎም።

"ኢራን ንቐጠር እንተዘይኣጥቂዓ፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳስን ክቡርን ሜዳ ደቡብ ፓርስ ብዝምልከት ብእስራኤል ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣይክግበርን'ዩ፡" ክብል ይጽሕፍ።

ንሓደ ነገራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከም ዘሎ ክስምዖ ዝደሊ ፕረዚደንት፡ እዚ ነጸብራቕ ናይቲ ድሮ ዝተዋህበ ቃልሲ ድዩ ነይሩ፡ ወይስ ናብ ቤንጃሚን ናታንያሁ ዝተወንጨፈ ቀስቲ?

ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዋሕዚ ጽሑፋት ሶሻል ትሩዝ ትራምፕ ዝርአ፡ ነዚ ክትርድኦ ቀሊል ኣይኰነን። ትራምፕ ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት እስራኤል ኣብ ልዕሊ መኽዘናት ነዳዲ ኢራን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ከም ዝተቖጥዐ ዝገልጽ ጸብጻባት ዝሓዘ እዩ።

ስለዚ እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ዕላማ እዚ ኲናት ተፈላልየን ድየን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምናልባት፡ እዚ ካብ ሓደ ጽሑፍ ትራምፕ ጥራይ ተበጊስካ ምዝራብ ጌጋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሰበስልጣን እስራኤል፡ ዋላ'ውን ሓሓሊፎም፡ ብዘይፍላጥ፡ ክፍተታት ከም ዘሎ እንተገለጹ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ከም ዘለዋ ክገልጹ ድሌት ኣለዎም።

ብሓሙስ ምሸት ኔታንያሁ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ንመግለጺ ትራምፕ ብምጥቃስ፡ እስራኤል ነቲ መሳለጢያ ነዳዲ ንምጥቃዕ "በይናዊ ውሳነ" ከም ዝወሰደት ብምግላጽ፡ ትራምፕ ድማ ሓይልታት እስራኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ምፍጻም "ክገትኡ" ከም ዝሓተተ ገሊጹ።

ንሱ ብተደጋጋሚ፡ ክልቲኦም ኣብ ጉዳይ ኢራን ብሓባር ከም ዘለው ከርኢ እዩ ዝፍትን። "ብሓቂ ንፕረዚደንት ትራምፕ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክነግሮ ዝኽእል ሰብ ዘሎ ዝመስሎ ሰብ ኣሎ ድዩ?" ከምኡ'ውን "ከም ኣነን ፕረዚደንት ትራምፕን ዝተውሃሃዱ ክልተ መራሕቲ ዘለዉ ኣይመስለንን። ንሱ እዩ እቲ መራሒ። ኣነ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ዓርኩ እየ፡" ይብል።

ብሓሙስ ንግሆ ወሃቢ ቃል ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ለንደን ኣሌክስ ጋንድለር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ መብዛሕትኡ ወይ ኩሉ ዕላማታትና ብዛዕባ እስላማዊ ስርዓት ኢራን፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ፡ ባሊስቲክን ኒዩክለራዊ መደባቶምን ብዝምልከት ብሓባር ተሰሊፍና ኣለና" ከምኡ'ውን "ተመሳሳሊ ነገር ኢና ንደሊ" ኢሉ።

ክልቲአን መሓዙት ሃገራት ኣብ ብዙሕ ነገራት ክሰማምዓ እንከለዋ፡ እስራኤል ግን ኣብ ኢራን ናይ ስርዓት ለውጢ ክትሪኢ ዘለዋ ድሌት ቅሉዕ ኰይኑ ጸኒሑ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል ዝጠቐስኦም ሰበስልጣን፡ መጥቃዕቲ ደቡብ ፓርስ ኣካል ነቲ ስርዓት ንምድኻም ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጾም።

"ዜጋታት ዝረኽቡዎ ቀረብ ነዳዲ ተዓጽዩ ኣሎ፤ በዚ ድማ ነቲ ናዕቢ ክለዓል'ዩ" ክብል ሓደ በዓል ስልጣን ንዮሲ የሆሽዋ ተዛሪቡ።

ናታንያሁ ነቲ ንሱን ብዙሓት እስራኤላውያንን – ንመንግስቲ ኣይሁድ ንምጥፋእ ዝውጥን ገይሮም ዝረኣይዎ እስላማዊ ስርዓት ንምውዳቕ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ድሌት ነይሩዎም።

ኣመሪካ ዝበዝሕ ወተሃደራዊ ጻዕራ ኣብ ምድኻም ዓቕሚ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኢራን፡ ሓይሊ ባሕራ ኣብ ምጥሓልን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ነዊሕ ገማግም ወሽመጥ ኢራን ንዝርከቡ ዒላማታት ኣብ ምጥቃዕን ከተተኩር እንከላ፡ እስራኤል ግን ንመራሕቲ ኢራን ንምቕንጻልን ንባእታታት ቁጽጽር መንግስቲ ንምጥቃዕን፡ እንተላይ ንመብዛሕትኡ ናይቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞታት ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝጨፍለቑ ንኡስ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ባሲጅ ንምጥቃዕን ብዙሕ ጻዕሪ ገይራ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ነበር ዴቪድ ሳተርፊልድ፡ ብዘይካ መዓስ ደው ይበል ዝብል ሕቶ እንተዘይኰይኑ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ብዕላምአን ከም ዝሰማምዓ ይገልጽ።

ንሱ [ትራምፕ] ብተኣማንነት ዓወት ዝእውጅሉ መገዲ ክረክብ ከም ዝደሊ እኣምን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ንሱ...ናይ ስርዓት ለውጢ ዝደሊ ኣይኰነን።"

ንኔታንያሁ፡ ዕግርግር ዝመልኦ ምብትታን ኢራን "ዝደሊ፡" እዩ ክብል ይገልጾ።

ኢራን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ 'እትፈልጦ ሓቅታት ኣይነበራን'

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጽሑፉ፡ ቀጠር ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዘይተሳተፈትን ኣቐዲማ እትፈልጦ ነገር ከም ዘይነበረ ከጉልሕ ይደሊ።

"እቲ ዘሕዝን ግን" ቅድሚ "ዘይምኽኑይን ዘይፍትሓውን" ሕነ ምፍዳይ "ኢራን ነዚ ኣይፈለጠትን" ክብል ይጽሕፍ።

ትራምፕ ብርግጽ ኢራን መልሲ ክትህብ እንከላ፡ ምሉእ ስእሊ እቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ከም ዘይነበራ ዝገልጽ ይመስል - ቴህራን ብጌጋ ቀጠር ዝተሳተፈት መሲልዋ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ንኢራን ምፍርራሕ

ገለ ክፋል ጽሑፍ ትራምፕ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል የአንፍት።

"እስራኤል ኣብዚ ኣገዳሲ መሳለጢያ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ኣይክትፍጽምን'ያ። ኢራን ንቀጠር ከተጥቅዕ እንተወሲና ግን ኣመሪካ ብሓገዝ ወይ ፍቓድ እስራኤል ይኹን ብዘይ ሓገዝ ወይ ብዘይ ፍቓድ እስራኤል፡ ኢራን ርእያቶ ወይ ዘይትፈልጥ መጠንን ሓይልን ንሙሉእ መደብር ነዳዲ ደቡብ ፓርስ ከተጥቅዖ'ያ፡" ክብል የጠንቅቕ።

ትራምፕን ሚኒስተር ምክልኻሉ ፒት ሄግሰትን ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ምድርባይ ይፈትዉ እዮም። እቲ ንነብሱ "ፕረዚደንት ሰላም" ኢሉ ዝጽውዓ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብተደጋጋሚ ነዚ ዓይነት ቃላት ይጥቀም።

ከምኡ'ውን ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ኢራን – ከምኡ'ውን ህዝባ – ካብቲ ድሮ ዘውረደቶ መጥቃዕቲ ንላዕሊ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ዕንወት ከተውርድ ከምእትኽእል ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ ቀጻሊ ፍቓድ እስራኤል'ዉን ከም ዘይጽበየ ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ንኔታንያሁ ምግሳጽ ድዩ ነይሩ ወይስ ኣብ መጻኢ ብቐረባ ምምኽኻር ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር ድዩ ነይሩ?

ባእታታት ምንቅስቓስ ማጋ ዶናልድ ትራምፕ [Make America Great Again] ድሮ ነዚ ኲናት ትጽውዕ ዘላ እስራኤል እምበር ኣመሪካ ከም ዘይኰነት ኣሚኖም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ገለ ካብ ነቐፍቲ ፕረዚደንት ነዚ ከም ክሳራ ክርእይዎ ዝኽእሉ ተኽእሎ ኣሎ።

ዋጋታት ነዳድን ጋዝን መሊሱ እናወሰኸ ምስ ከደ ግን፡ ብኸፊል ሳላ እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ዝተፈጸመ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ፡ ከምኡ'ውን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢሉ ንመርከብ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ርኡይ ምዕባለ ብዘይምህላው ዶናልድ ትራምፕ ዓቕሉ ዝጸበቦ ይመስል።

እዚ ኲናት ምምሕዳሩ ዘይገመቶም ዝመስሉ ምዕባለታት ኣርእዩ እዩ። እቲ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ እስራኤል ነዚ ኲናት ልዑል ደገፍ እኳ እንተሃለወ፤ ኣብ ኣመሪካ ትሕቲ 50% እዩ። እዚ ግጭት ንነታንያሁ ካልእ ዕድመ መሪሕነት ንምርግጋጽ ክሕግዞ ይኽእል እዩ፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ መፋርቕ ምርጫ ግን ዶናልድ ትራምፕ ንዝመርሖ ሪፓብሊካን ዋጋ ከኽፍሎ ይኽእል እዩ።

እስራኤልን ኣመሪካን ናይ ቀረባ ወተሃደራዊ መሓዙት እኳ እንተዀና፡ ብሓባር ኲናት ክገጥማ ግን እዚ ናይ መጀመርታ'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ትሕቲ ሰለስተ ሰሙን ገለ መስተንክር ዓወታት ኣመዝጊቦም ኣለዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ግን እቲ ኲናት ካብቲ ዶናልድ ትራምፕ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ይረጋገጽ ኣሎ።