መሓመድ ሳላሕ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ካብ ሊቨርፑል ከምዝወጽእ ሓቢሩ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓደ ኣብ ታሪኽ ብፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝተረኣዩ ድንቂ ተጻወትን 'ንጉስ ኵዕሶ እግሪ ግብጺን' መሓመድ ሳላሕ ኣብ መወዳእታ እዚ ወቕቲ ካብ ሊቨርፑል ከም ዝወጽእ ርጉጽ ኰይኑ።

እዚ ማልያ ሊቨርፑል ገይሩ ኣብ 435 ጸወታታት ዝተሰለፈን ክሳብ ምውዳእ እዚ ወቕቲ ኣብ ተወሰኽቲ 15 ጸወታተት ናይ ምስላፍ ዕድል ዘለዎም ወዲ 33 ዓመት መሓመድ ሳላሕ፡ ሊቨርፑል ተመዝግቦ ዓወት ብዘይገድስ ደሕሪ ምውዳእ እዚ ወቕቲ ካብታ ጋንታ ከም ዝወጽእ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።

እታ ብኣርነ ስሎት እትስልጥን ሊቨርፑል ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግን ኣብ ኤፍኤ ካፕን ገና ስለ ዘላ ዋንጫ ክትወስድ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ 2017 ካብ ኢጣልያዊት ጋንታ ሮማ ናብ ሊቨርፑል ዝተሰጋገረ መሓመድ ሳላሕ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝጸንሓለን ዓመታት ብውልቁ ኣርባዕተ ግዜ ዝበለጸ ኣመዝጋቢ ሸቶ ፕሪምየር ሊግ ክኸውን እንከሎ ሰለስተ ግዜ ከኣ ዝበለጸ ተጻዋታይ ፕሪሚየር ሊግ ክስመ ክኢሉ'ዩ።

መሓመድ ሳላሕ ናብ ሊቨርፑል ካብ ዝፍርም ኣብ ፕሪመይር ሊግ ጥራጥ ብሽሙ 189 ሸቶታት ከቍጽር እንከሎ 92 ከኣ ንሸቶ ዝዀና ኰዓሳሱ ከሺኑ ኣቐቢሉ፡ በዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓት ዓመታት ክንድኡ ሸቶ ዘመዝገበን ንሸቶ ዝዀና ኰዓሳሱ ዘቐበለን የለን።

መሓመድ ሳላሕ ኣብ ከብሑ ኣኪብዎ ዘሎ ሽልማታት ብምርኣይ ጥራይ ክንደይ ግዜ ዝበለጸ ተጻወታይ ናይ ሓደ ጸወታ ከም ዝተበሃለ ዘርኢ'ዩ።

መሓመድ ሳላሕ ሸቶ መምስ ኣቑጸረ ፈጣሪኡ ንምምስጋን ተንበርኪኹ መሬት ዝስላሞ ሓደ ካብቲ ካብ ኣእምሮ ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ዘይሃስስ ምስሊ'ዩ።

ሳላሕ ኣብ ሊቨርፑል ኣብ ዝጸንሓሉ ዓመታት ኣብ ኩሉ ዘካየዶ ጸወታታት 255 ሸቶታት'ዩ ኣመዝጊቡ፡ እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ድሕሪ ኢያን ሩሽን ሮጀር ሃንትን ዘስርዖ ብዝሒ ሸቶታት'ዩ።

ርክብ መሓመድ ሳላሕን ሊቨርፑልን ብኸምዚ ክውዳእ ዝተጸበዮ ኣይነበረን፡ ኩንትራቱ ከሐድስ'ዩ እናበተበሃለ'ዩ፡ ነታ ጋንታ ኩንትራቱ ከየሐደሰ ብነጻ ክትሰዶ ሕቶ ኣቕሪብላ።

ምስታ ጋንታ ዘጽንሖ ውዕል ኣብ 2025 ይውዳእ ስለ ዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ ክረምቲ ናይ 2027 ምስታ ጋንታ ዘጽንሖ ውዕል ፈሪሙ ነይሩ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ግን ምስ ስሎት ዘለዎ ርክብ ከም ዝዓነወን ኣብታ ጋንታ ክህሉ ከም ዘይድለን ድሕሪ ምግላጹ'ዩ፡ ኣብታ ጋንታ ነዊሕ ከም ዘይጸንሕ ርጉጽ እናዀነ መጺኡ።

ብድሕሪ እዚ መሓመድ ሳላሕ ኣብ ሓያለ ጸወታታት [ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ከይተረፈ] ከም ተቐየራሪ ኮይኑ ክኣቱ ተራእዩ።

ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ኣርነ ስሎት መሓመድ ሳላሕ ካብ ሊቨርፑል ክወጽእ ምውሳኑ ከቢድ እኳ እንተኾነ ገና ምስ መሓመድ ሳላሕ ከም ዘይተረራረቡ ሓቢሩ።

መሓመድ ሳላሕ ብዘለዎን ብቕዓት ነታ ጋንታ ብዝገበሮ ኣበርክቶን ምስ ቀዳሞት ተጻወትቲ ክሰለፍ ከም ዘለዎ'ዩ ዝኣምን።

ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ 450 ሚልዮን ፓውንድ ብምምጻእ ንኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ፍሎሪን ዊትዝን ሁጎ ኢኪቲክን ምዕዳጋ ኣብ መሓመድ ሳላሕ ዘለዋ ተገዳስነት ከምዝነከየ ዘርኢ'ዩ ነይሩ።

መሓመድ ሳላሕ'ውን ኣብ ቅድሚ እዚኦም ቀዳማይ ተመራጺ ከም ዘይኽውን ኣይስሓቶን።

መሓመድ ሳላሕ ነቲ ኣዘራራቢ ዝነበረ ቃለ መሕተት ድሕሪ ምሃቡ፡ ምሳ ዳይረክተር ስፖርት ሊቨርፑል ሪቻርድ ሁገስ ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሊቨርፑል ተዘራሪቡ ነይሩ፡ ምስኦም ምዝርራብ ግን ተቐያሪ ካብ ምዃን ኣየድሓኖን።

ከም ቅጽበታዊ መቕጻዕቲ ከኣ ሊቨርፑል ምስ ኢንተር ሚላን ንምግጣን ናብ ዓዲ ጣልያን ኣብ ዘምርሓትሉ ንመሓመድ ሳላሕ ኣይተማልኣቶን።

ኣብ ከምዚ እንከሎ ዋንጫ ኣፍሪቃ ስለዘርከበ መሓመድ ሳላሕ ካብታ ጋንታ ናብ ሃገራዊት ጋንታኡ ተፋንዩ፤ ወኪሉ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮ ምዝርራብ ከኣ መሓመድ ሳላሕ ኣብ ዝመጽእ ወቕቲ ካብታ ጋንታ ክፋኖ ኣብ ምስምማዕ ከም ዝተበጸሐ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ይሕብሩ።

ቢቢሲ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምፍልላይ ሳላሕን ፒቨርፑል ኣብዚ ክረምቲ ዘይተርፍ ምዃኑ ጸብጺቡ ነይሩ።

እቲ ምፍልላይ ሃንደበት ዝገበሮ ግን እቲ ምድልልያ ኣብ ክንዲ ብሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ቀዳማይ ክፈል ናይ ምፍናወይ" ዝብል ጽሒፍ ለጢፉ ስለዘንቶጐ'ዩ

መሓመድ ሳላሕ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ካብታ ጋንታ ይፈላለየ ምህላዉ ንደገፍቱ ክንገር ነታ ጋንታ ደጋጊሙ ሓቲትዋ ምንባሩ ወኪሉ ራሚ ዓባስ ይሕብር "መሓመድ ሳላሕ ካብዛ ጋንታ ምስ ወጽአ ምሰየነይቲ ጋንታ'ዩ ክጽንበር ኣይፈለጥናን" ከኣ ኢሉ።

መሓመድ ሳላሕ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን'ዩ ኣብ ሊቨርፑል ዝነብር ዘሎ።

መሓመድ ሳላሕ ብሰሉስ "እዛ ጋንታ፡ እዚ ህዝብን እዛ ከተማን ክሳብ ክንድዚ ኣብ ህይወተይ ቦታ ከም ዘለዎም ይርድኣኒ ኣይነበረን" ኢሉ።

በቲ ኣብ ሞንጎኡን ኣብ ሞንጎ እታ ጋንታን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምስናይ፡ ንመሓመድ ሳላሕ ነቲ ኣብታ ጋንታ ዝገበሮ ኣበርክቶ ዝምጥን ግቡእ ናይ ምፍናው ስነስርዓት ክግበረሉ ድዩ ግን ቀስ ኢልካ ዝርአ'ዩ ክኸውን።

መሓመድ ሳላሕ ኣብታ ጋንታ ዝነበሮ ተራ ንምርዳእ፡ ነቲ ካብ መጻውትቱን ደገፍቲ እታ ጋንታን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጽሓፍ ዘሎ ጽሒፋት ምርኣይ እኹል'ዩ።

መሓመድ ሳላሕ ኣብ ሰነ 2017 ወዲ 25 ዓመት ኮይኑ ካብ ሮማ ናብ ሊቨርፑል ኣብ ዝሰገረሉ "ነዛ ጋንታ ኩሉ ዝኽእሎ 100 ምኢታዊት'የ ክህባ፡ ኣብዚ ምህላወይ ሕጉስ'የ፡ ምስዛ ጋንታ ብምዃን ከኣ ብዙሕ ዓወታት ከመዝግብ'ዩ ድልየተይ" ኢሉ።

ብሓቂ ከኣ መሓመድ ሳላሕ እቲ ዝበሎን ልዕሊኡን'ዩ ገይሩ።