ኢራን: ኣብ መዓስከራት ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ ደብዳባት ናይ 800 ሚልዮን ዶላር ክሳራ ኣብጺሓ

ምንጪ ስእሊ, Planet labs PBC and Airbus

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣል ሳዳር ዘጋጠመ ዕንወት ዘርኢ ስእሊ
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤል ኣብ ለዕሊኣ ደብዳብ ምስ ጀመራ ከም ግብረመ መልሲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ ደብዳባት ኣብ ቀዳማይቲ ሰሙን ጥራይ ናይ ኣስታት 800 ሚልዮን ዶላር ዕንወት ኣብጺሓ።

እቲ ብማዕከል ስትራተጂን ዓለምለኻዊ መጽናዕትን [Center for Strategic & International Studies] ዝወጽአ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኢራን ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣክል ዕንወት'ያ ኣስዒባ ዘላ ከም ዘይፍለጥ ኣነጺሩ።

እቲ 800 ሚልዮን ዶላር ኣብታ ቀዳመይቲ ሰሙን ዝሰዓበ ዕንወት ጥራይ ምዃኑ ኣነጺሩ።

እቲ ዕንወት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዝወረደ ዕንወት ኰይኑ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተገሚቱ ዝነበረ ዝልዓለ ከም ዝዀነ ገሊጹ።

እዚ ከኣ እቲ ግጭት እናዓመቖ እንተኸይዱ ኣመሪካ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ክሳራታት ከጋጥማ ከም ዝኽእል ዘርኢ ገምጋም'ዩ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ማዕከል ስትራተጂን ዓለምለኻዊ መጽናዕትን ማርክ ካንስያን "እቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዝበጽሐ ዕንወት ብዙሕ ክዝረበሉ ኣይጸንሐን። እዚ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይቲ ግጭት ዝበጽሐ ዕንወት ዓቢ'ኳ እንተዀነ እቲ ምሉእ ጸብጻብ ተወሳኺ ሓበሬታት ምስ ተወሃበ'ዩ ብምልኣት ክርኣየና፡" ኢሉ።

ብዛዕባ እዚ ዝወጽአ ሓዲሽ ጸብጻብ መልሲ ንምርካብ፡ ቢቢሲ ናብ ቤት ሕፈት ምክልካል ኣመሪካ ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ብዛዕባ እዚ እቲ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝመርሕ ዘሎ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ክንውከስ'ዩ ተነጊሩና።

ሰብ መዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ግን ብዛዕባ እዚ ርእይቶ ከልህቡ ኣይደለዩን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢራን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ደብዳብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ኣብ ዮርዳኖስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ንስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ሳተላይተን፡ ከምኡ ከኣ ስርዓተ መራኸቢታታን ካልእን ዕላማ ብምግባር'ያ ደብዳብ ኣካይዳ።

ሓደ ካብቲ ዓቢ ዕንወት ዘጋጠሞ ከኣ እቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝርከብ ራዳር ስርዓት ምክልኻል ሚሳኤል'ዩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ኤኤን/ቲፒዋይ -2 ዝተሰመየ ስርዓተ ራዳር፡ ኢራን ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ናይኣስታ ት 485 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዕንወት ከም ዘጋጠመ ማእከል ስትራተጂን ዓለምለኻዊ መጽናዕትን ዘውጽኦ ጸብጻብ ይረድእ።

እቲ ኣብኡ ተተኺሉ ዝነበረ ስርዓት ምክልኻል ኣየር፡ ንባላስቲክ ሚሳኤል ኣብ ርሑቕ እንከሎ ናይ ምምካን ዓቕሚ ዝነበሮ'ዩ።

ብተወሳኺ ኢራን ኣብ ዝተፈላለየ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ኣብ ህንጻታት ናይ 310 ዶላር ዝግመት ዕንወት ከም ዘውረደት እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ኢራን ብተወሳኺ ብውሕዱ ኣብ ልእሊ ሰለስተ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ደብዳብ ከም ዝፈጸመት ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ።

እዚ ኢራን ንዝደለየቶ ፈልያ ናይ ምህራም ዓቕሚ ከም ዘለዋ ዘርኢ'ዩ።

ሩስያ ንኢራን ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ስለያዊ ሓበሬታ ከም እትህባ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ካብ ሳተላይት ዝተረኸበ ስእሊ፤ ኣብ ኩዌት ዘርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ዓሊ ኣል ሳሊም፡ ኣብ ቐጠር ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣል ኡደይድ ከምኡ ከኣ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ፕሪንስ ሱልጣን ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ዝተፈላለየ ዕንወታት ከም ዘጋጠሞ ዘርኢ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Source: Planet Labs PBC, 2026

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባሕረይን ዝርከብ መዓእከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ዘርኢ ብሳተላይት ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Source: Planet Labs PBC, 2026

ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ ካብ 28 ለካቲት ኣትሒዛ 13 ወተሃደራት ከም ዝተቐተሉዋ ጸብጸባት ይሕብሩ።

ሽዱሽተ ካብዚኦም ምስታ ኣብ ምዕራብ ኢራቕ ዝወደቀት ዓባይ ወተሃደራዊት ነፋሪት ዝወደቑ'ዮም።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ህራና ዝተሰመየ መዕከን ዜና ሰብኣዊ መሰላት፤ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፈጸመኦ ደብዳባት 1400 ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ኣስታት 3200 ኢራናውያን ከም ዝተቐተሉ ይሕብር።

ትራምፕ ነዚ ኣመልኪቱ ብዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ኢራን ኣዝዩ ዝንኣድ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ዘለና፡" ኢሉ።

እንተዀነ እዚ ኵናት ንቁጠባ ዓለም የናውጽ ኣሎ።

ኢራን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ዓጸወቶ፡ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ'ዩ ናህሪ ኣርእዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣጋር ሰራዊት ናብ ኢራን እንተኣዋፊሩ እንታይ'ዩ ክስዕብ ዝብል ከኣ ብሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን።

ኢራን ካብ ምጅማር እዚ ኵናት ኣትሒዛ፡ ከም ቀንዲ ዕላማ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከራት ኣመሪካ ዝርከብ ስርዓተ ምክልኻል ምዕናው ዝደለየት ትመስል።

ኢራን ነቲ ባሕረይን ዝርከብ ኣብዚ ዘመናዊ ስርሒታት ውትህድርና ከም ዓይንን እዝንን ዀይኑ ዘገልግል ራዳርን ስርዓት ሳተላይትን ምድብዳባ ክሳራኡ ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብ ኩዌትን ስዑድ ዓረብን'ውን ብተመሳሳሊ ንስርዓተ ምክልኻል ኣየር፡ ራዳርን ሳተላይትን'ያ ኣጥቂዓ።

እቲ ዝዓበየ ዕንወት ዘጋጠሞ ከኣ እቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዮርዳኖስን ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ'ዩ።

እቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ደብዳብ ብምፍጻም ዘወረደቶ ዕንወት ግን ምስቲ ኣመሪካ ኣብዚ ኵናት ተውጽኦ ዘላ ወጻኢታት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።

ሰብ መዚ ቤት ጽሕፈት ምክልካል ኣመሪካ ንኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ መዓልታት ናይቲ ኵናት ኣመሪካ 11.3 ቢልዮን ዶላር፡ ኣብ መጀመርታ 12 መዓልታት ከኣ 16.5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ከም ዝገበረት ማዕከል ስትራተጂን ዓለምለኻዊ መጽናዕትን ዘውጽኦ ጸብጻብ የረድእ።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ነዚ ኵናት ንምክያድ ተወሳኺ 200 ቢልዮን ዶላር ሓቲቱ ኣሎ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ፔት ሀዝ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ሕማቓት ሰባት ንምቕታል ገንዘብ ስለ ዘድሊ፡ እቲ ገንዘብ ክውስኽ ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።