ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ገዳም ብዝተፈጸመ ናይ ሞርታር መጥቃዕቲ ሰባት ተቐቲሎም

ገዳም ርእሰ ኣድባራት ወታዕካ ነገስት ኣትሮንስ ማርያም

ምንጪ ስእሊ, Mehal Sayint Woreda comm.

መግለጺ ስእሊ, ገዳም ርእሰ ኣድባራት ወታዕካ ነገስት ኣትሮንስ ማርያም
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ደቡብ ወሎ፡ ወረዳ መሃል ሳይንት ኣብ ዝርከብ ገዳም ርእሰ ኣድባራት ወታዕካ ነገስት ኣትሮንስ ማርያም ብዝተፈጸመ ደበዳብ ከቢድ ብረት፡ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ልዕሊ 20 ከም ዝተጐድኡን ምምሕዳር እቲ ገዳምን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ብቐዳም 7 መጋቢት 2026 (28 ለካቲት 2018 ግእዝ) ንግሆ ሰዓት ትሽዓት ፈረቓን ኣብ ልዕሊ እቲ ገዳም "ናይ ሞርታር መጥቓዕቲ" ከም ዝተፈጸመ ናይቲ ገዳም ኣመሓዳሪ መክብብ ኣባ ገብረእግዝኣብሄር ሃይለማርያም ሓቢሮም።

በቲ ቀዳም ድሕሪ ቅዳሰ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ፈለስቲ፡ ድያቖናትን ተማሃሮ ናይቲ ገዳምን ከም ዝተቐተሉ ኣመሓዳሪ እቲ ገዳም ሓቢሮም።

በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣቡኡ ከም ዝተቐተሎ ዝሕብር መሪጌታ ስሙር፡ "ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ኣውያት ምስ ሰማዕኩ፡ ብጕያ ከይደ ብዙሓ ሬሳታት ጸኒሑኒ፡" ኢሉ።

ኣመሓዳሪ እቲ ገዳም ብወገኖም፡ በቲ መጥቃዕቲ ሞርታር ናይቲ ገዳም መሪ ጌታ፡ ከቐድሱ ዝመጽኡን ሽማግለታትን "እግሮምን ኢዶም ከም ዝተቐረጹ" ብምሕባር፡ ሓላዊ እቲ ደብሪ ከኣ፡ "እግሮም ተቘሪጾም ዓይኖም'ውን ዓዊሮም፡" ኢሎም።

ብተወሳኺ፡ ፍንጭልጫል ናይቲ ሞርታር ዝሃሮሞም ልዕሊ 21 ሰባት ኣብ ሕክምና ናይቲ ወረዳን ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታልን ይሕከሙ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።

እቲ መጥቃዕቲ ናይቲ ገዳም ኣገልገልትን ተገልገልትን ንሞባእ ኣብ ዝተኣኸብሉ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ካብቶም ንሕክምና ከይዶም ዘለዉ ካህናት፡ ፈለስትን ድያቖናትን ኣለውዎም ኢሎም።

"ሕጂ ኣብቲ ደብሪ ኣነ ጥራይ'የ ዘለኹ፡ ኣቐዲሙ ካብ 100 ዘይውሕዱ ኣገልገልቲ'ዮም ነይሮም፡" ድሕሪ ምባል፡ እቶም ካብቲ ደብዳብ ዝደሓኑ ሰባት "ሃዲሞም" ከም ዝኸዱ ኣረዲኦም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በቲ ደብዳብ ናይ ሞርታር ኣብ ልዕሊ ኣደራሽን ናሕስን ናይቲ ቤተ ክርስተያን ከቢድ ዕንወት ወሪዱ ኣሎ።

ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ነበርቲ ናይቲ ከባቢንን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝሞቱ ሓደ ሓምኡ ምዃኑ ገሊጹ።

"ቀዳም ካብ ጓሜዳ ናብ ኣትሮንስ ብዝተተኰሰ ሞርታር ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንጀለዉ፡ ልዕሊ 28 ሰባት ከቢድ ማህረምቲ ኣጋጢምዎም፡" ይብል።

በቲ መጥቃዕቲ ኣካላዊ መጕዳእቲ ካብ ዝበጽሖም፡ "ገሊኦም ኢዶም፡ ገሊኦም እግሮም ዝተቘረጹ፡ ካልኦት ከኣ ዓይኖም ዝዓወሩ ኣለዉ።"

10 ዝዀኑ ከኣ መጠናዊ ኣካላዊ ጕድኣት ከም ዝበጽሖም እዚ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ገሊጹ።

"እቶም ዝሞቱ ኣካላቶም ኣዝዩ ስለ ዝተሃሰየ፡ እዚ እከለ'ዩ ኢልካ ከተላልዮም ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ፡" ይብል እዚ ናይ ዓይኒ ምስከር።

ኣመሓዳሪ እቲ ገዳም ብግደኦም፡ "ነቲ ሬሳታት ኣራሪና ኢና ጠርኒፍናዮ፡ ምሉእ ኣካላቱ ዝረኸብናዮ ሬሳ ኣይነበረን፡" ኢሎም።

"እዞም ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ዕጡቓት ከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ ብረት የብሎምን፣ ክህልዎም'ውን ኣይክእልን'ዩ፡" ዝበለ እዚ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ነቲ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣካላት ጸጥታ ዝፈጸምዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምቱ ሂቡ።

እቲ ካበቢ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት መንግስትን ዝንቀሳቐስሉ ቦታ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ነዚ መጥቃዕቲ መን ፈጺምዎ ንምፍላጥ ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ሓበሬታ ክረክብ ኣይከኣለን።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ይዅን ካብ መንግስቲ ዛጊት ዝተባህለ የሎን።

ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክስትያን'ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪታ ክሳብ ሕጂ መግለጺ ኣየውጽአትን።

ቢቢሲ ካብ ኣመሓደርቲ ዞባ ደቡብ ወሎ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ'ውነ ተለፎን ከልዕሉ ስለ ዘይከኣሉ ክሰልጥ ኣይከኣለን።