ኢትዮጵያ፡ ካብ ቱርክን እስራኤልን ብሓቂ ምስ መን እያ ዘላ?

ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Abiy ahmed ali

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ፡ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዶም።

ክልቲኦም መራሕቲ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝዘተዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቱርኪን እስራኤልን ኣብ ዓለማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣብ ምትህልላኽን ኣብ ተቓራኒ መስመርን እዮም ዝርከቡ።

ንኣብነት፡ ቱርኪ ካብተን እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ብምሃባ ዝተቘጠዐት ሃገር እያ።

ኢትዮጵያ ድማ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝጸንሐ ዓሚቝ ርክብ ኣለዋ።

ስለዚ፡ ዑደት መራሕቲ እስራኤልን ቱርኪን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ህሉው ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንታይ ማለት እዩ? ኢትዮጵያ ከመይ ገይራ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ምስ ተጻረርቲ ድሌታት ከተተዓርቕ ትኽእል?

ተጻራሪ ድሌት ዘለወን ፈተውቲ ኢትዮጵያ

መራሕቲ ቱርኪን እስራኤልን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕሉ ምኽንያት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ዘሎ ፖለቲካዊ ረስኒ ክርአ ይከኣል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ ተመራማሪ ፖሊሲን መጽናዕትን፡ ዶክተር ሙከሪም ሚፍታሕ፡ መገሻ ኤርዶጋን ምስ ስግኣታት ጸጥታ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተኣሳሰር ከም ዝዀነ ይኣምን።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ዑደት ፕረዚደንት እስራኤል፡ እታ ሃገር ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ንምዕቃብ ምስ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዝተኣሳሰረ'ዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ "ብቐጥታን ብተዘዋዋርን" ሰፊሕ ወፍሪ ተካይድ ዘላ ቱርኪ፡ "ነቲ ዝፍጠር ዘሎ ዘሰግእ ዳነታት ከተህድኦ" ከም እትደሊ፡ እቲ ተመራማሪ ይገልጽ።

ብፍላይ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዳርባ ቃላት፡ ኣብቲ ዞባ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ንዘለወን ሃገራት ኣስጊኡወን ኣሎ። ስለዚ፡ ኤርዶጋን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንምክትታል ብኣካል ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ መሪጹ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ኣመሪካ ዝመሳሰል ፖሊሲ ወጻኢ እትኽተል እስራኤል ድማ ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ኢሳቕ ሄርዞግ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሸ፡ ነዚ ዝምድና "ንምዕቃብን ቀጻልነቱ" ንምርግጋጽን ዝዓለመ ከም ዝዀነ እቲ ምሁር የረድእ።

ኢትዮጵያን ጉዳይ ሶማሊላንድን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነዚ ጉዳይ ንምርኣይ ገለ ካብቶም ርክባት ሓደ ከም ኣብነት ንርአ። ኣፍልጦ እስራኤል ንሶማሊላነድ ሓደ እዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ኣብዚ ሰላምን ምርግጋእን ዝረሓቖ ዞባ፡ ወጥሪ ዘስዓበ ካልእ ፍጻመ ኰይኑ ነይሩ።

ቱርኪ፡ ንኢትዮጵያን ሶማልያን ብምሽምጋል ስምምዕ ሰላም'ኳ እንተ ገበረት፡ እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተሓሓዝ ወጥሪ ምሉእ ብምሉእ ሃዲኡ ንምባል ኣይከኣልን።

ሶማሊላንድ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ እስራኤል ዝውክላ ላዕለዋይ ዲፕሎማት መዚዛ ኣላ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ እቲ ሹመት ከም ዝበጽሖ ብምግላጽ፡ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን እስራኤልን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሶማሊላንድ ኣምባሳደር ክትሸይም ምዃና'ውን ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ብዛዕባ ምሃባ ክሳብ ሕጂ ብግልጺ ርእይቶ ኣይሃበትን።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተገብረ ስምምዕ ካብ ዝለዓሉ፡ ትሕዝቶኡ ንህዝቢ ዘይተገልጸን ኣብዚ እዋን'ዚ ዕጫኡ ዘይንጹርን፡ ውዕል ሶማሊላንድ ዝምልከት እዩ።

ኣብ ክንድኡ፡ ኢትዮጵያ ወደብ ባሕሪ ክትረክብ እያ ዝብል ወረታት ክስማዕ ከም ዝጸንሐ ይዝከር።

ብኣንጻሩ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ኣምሪራ ዝተቓወመት ሶማልያ፡ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ዝምድና ኣቋሪጻ'ላ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ስኒት ዘይብላ ግብጺ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ እስራኤል እያ።

ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ድልዱል ምትእስሳር ኣለወን፤ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተጓዒዙ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Presidency of the Republic of Türkiye

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝፈጥሮ ዘሎ ወጥሪ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ወጥሪ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ተራ ቱርኪን እስራኤልን እንታይ እዩ?

ናይ ቀረባ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝዀነት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ባሕሪ ዘቕረበቶ ሕቶ "ትድግፍ" ምህላዋ'ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብድሕሪ ሕቶ ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣላ ክብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ'ዩ።

ቀንዲ መነሓንሕቲ ኢማራት ዓረብ ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ መዳይ ምስ ኤርትራ ትውግን ዘላ ትመስል።

እስራኤልን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንቐርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ዝቐረበ ዝምድና ኣለወን።

ዶክተር ሙከሪም፡ ሓደ ካብ ድሌታት እስራኤል፡ ጽልዋ እታ ኣብ ካልእ ሸነኽ ዶብ እትርከብ ቱርኪ፡ ኣብቲ ዞባ ምንካይ ምዃኑ ይዛረብ።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ፡ ኣብቲ ዞባ ረብሓ ዘለወን ሃገራት ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ጣልቃ ክኣትዋ ደሪኽወን ኣሎ።

ተንታኒ ፖሊሲ ዶክተር ሙከሪም ኢትዮጵያ ብመንጽር ህሉው ኵነታት ንረብሓኣ ቀዳምነት ክትህብ ከም ዘለዋ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ ፖሊሲ ​​ዓለማዊ ዝምድናታት ለውጢ ይርአ ኣሎ።

"ሓያላት ሃገራት ምስ ድኹማት ሃገራት፡ ብፖለቲካ ይዅን ብቝጠባ ክልተኣዊ ዝምድና ክህልወን ዘሎ ተኽእሎ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፡" ይብል እቲ ክኢላ።

ኢትዮጵያ ቀዳምነት ንረብሓኣ ክትህብ ከም ዘለዋ ብመንጽር እቲ ዝቕጽል ዘሎ ምንጋዕ ዓለማዊ ሕግታትን ስርዓትን የረድእ።

እስራኤል፡ ቱርኪ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ሃገራት እቲ ዞባ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያ ይኣምና እየን ዝብል እቲ ምሁር፡ ብኸመይ ዝብል ሕቶ ግን የልዕል።

ልክዕ ከምቲ እስራኤልን ቱርኪን ክልቲአን ብስትራተጅያዊ ረብሓታተን ንምሕላው ዝጓየያ ዘለዋ፡ ኢትዮጵያ ንረብሓኣ ቀዳምነት ክትህብ ይምዕድ።

ዶክተር ሙከሪም፡ ኢትዮጵያ ናብ እስራኤል ወይ ቱርኪ ክትጽጋዕ ኣይመክርን።

ኣብ ክንድኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ብስነመጐታዊ ኣገባብ፡ ረብሓታቱ ከቐድም፣ ምስ ዝዀነ ረብሓታቱ ከዐውት ዝኽእል ኣካል ድማ ሓሲቡ ክሰርሕ ኣለዎ፡" ይብል።

ተራ ቱርክን እስራኤልን ኣብ ኢትዮጵያ

ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ተገዳስነት ቍጠባዊ ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ጸጥታ ዝተኣሳሰረ'ዩ።

ቱርኪ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ኣውፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ እያ።

ኣብታ ሃገር ንህንጸትን ሕርሻን ሓዊሱ፡ ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ከም ዝገበረት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቱርኪ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ረብሓ ​​ንምውሓስ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ካብ ዝቘጸረተን ሃገራት ሓንቲ ኢያ።

ክልተኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ቱርኪን፡ ወተሃደራዊ ረብሓታት'ውን ዘማእከለ እዩ።

እስራኤል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ነዊሕ ዝጸንሐ ርክብ ኣብ ፖለቲካውን ዞባውን ጸጥታ ዝተመስረተ'ዩ።

ብየመን፡ ጅቡትን ኤርትራን ዝሓልፍ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ናብ ኢትዮጵያ ቀረባ እዩ። በዚ ምኽንያት እስራኤል ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ርክብ ኣማዕቢላ ኣላ።

ኣብቲ ዞባ ኣንጻር ከም ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝካየድ ዘሎ መኸተ፡ ንእስራኤልን ኢትዮጵያን ናብ ሓደ ዘቀራረብርን እዩ።

ትካላት እስራኤል ኣብ ጽላታት ጸዓትን ዕደናን ኢትዮጵያ ወፍሪ ይገብራ ኣለዋ። እተን ሃገራት ኣብ ንግዲ እውን ድልዱል ቍጠባዊ ርክብ ኣማዕቢለን እየን።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 180,000 ኢትዮጵያውያን ይነብሩ ከም ዘለዉን ካልኦት ብዙሓት ድማ ናብታ ሃገር ክግዕዙ ይጽበዩ ከም ዘለዉን ጸብጻባት ይሕብሩ።

________

መተሓሳሰቢ፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ቅድሚ ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ምጅማሩ ዝተሰናድአ እዩ።