ኣብ ሞሮኮ ፈንጠዝያ፡ ኣብ ሰኔጋል ሓዘን ዘስዓበ ውሳነ፡ ቅድሚ ሕጂከ ከምዚ ተራእዩ ድዩ?

 ኣብ ጥሪ ኣብ ፍጻመ ጸወታ ሰኔጋልን ሞሮኮን ዝተረኸቡ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥሪ ኣብ ፍጻመ ጸወታ ሰኔጋልን ሞሮኮን ዝተረኸቡ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ዝውሰኖ ወሳነ፡ ኣብ ሞሮኮ ብዓቢ ሓጎስ ክጽንበል እንከሎ ኣብ ሰኔጋል ግን ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ካፍ ነቲ ኣብ ጥሪ ብዓወት ሰኔጋል ዝተዛዘመ ዋንጫ ኵዕሶ እግሪ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ተጻወትቲ ሰኔጋል ንውሳነ ዳኛ ብምቅዋም ጸዋታ ቅድሚ ምዝዛሙ ካብ ሜዳ ወጺኦም ነይሮም'ዮም ብምባል'ዩ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ብሰሉስ ምሸት ንዓወት ሰኔጋል ሰሪዙ፡ ንሞሮኮ ተዓዋቲት እቲ ውድድር ምዃና ወሲኑ።

ምሉእ ጸንጻብ ናይቲ ኣብ ጥሪ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ዝተዛዘመ ጸወታ ሰኔጋል፡ ዕግርግርን 'ዘሕፍር ተግባራትን' ኣብ ዝተራእዮ ጸወታ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪብናዮ ነይርና።

በዚ መሰረት እታ ነቲ ውድድር ዘአንገደት ሞሮኮ ድሕሪ 50 ዓመት ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ ኣላ።

ካፍ ነታ ኣብ ጸወታ ሓደ ብዘሮ ዝሰዓረት ሰኔጋል፡ ጸወታ ቅድሚ ምውድኡ ተጻወትቲ ካብ ሜዳ ወጺኦም'ዮም ብምባል ሕጊ ጥሒሳ'ያ ብምባል'ዩ ብ'ፎርፈ' ሰለስተ ብዜሮ ከምዝተሰዓረት ድሒሩ ውሳነ ሂቡ ዘሎ።

ብውሳነ ካፍ ዝተሓጎሱ ሞሮካውያን ባንዴራ ሃገሮም ሒዞም ናብ ጎዶናታት ብምውጻእ ጥሩንባ መካይኖም እናነፍሑ ሓጎስም ክገልጹ ተራእዮም።

ጃላል ቦኑር ዝተብሃለ ሞሮካዊ ጋዜጠኛ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ደገፍቲ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ነቲ ዜና ብሓጎስ ብምቕባል ብሓጎስ ክነጥሩ ከይደቀሱ'ዮም ሓዲሮም" ኢሉ።

ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ፡ ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ከምዝነገሰ ብምግላጽ'ዮም ሓጎሶም ዝገልጹ ዘለዉ።

ሓደ ነባሪ ራባት፤ ርእሰ ከተማ ሞሮኮ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "እዚ ኣብ ስፖርት ዘጋጠመ ጉድለት ፍትሒ'ዩ ነይሩ፡ ሞሮኮ ጌጋ'ዩ ኣጋጢምዋ ጸኒሑ፡ እቲ ሓቂ ከኣ ንጹር'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ካልእ ሞሮካዊት ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ገይራ ምስ ማዕከን ዜና ሞሮኮ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕተት "ኣብ ኩለን ከተማታት ሞሮኮ፡ ኩሉ ህዝቢ ሞሮኮ'ዩ ሓጎሱ ዝገልጽ ዘሎ፤ እታ ተኸሊእናያ ዝነበርና ዋንጫ ናባና ተመሊሳ ኣላ" ኢሉ።

ካልእ ሞሮካዊ'ውን "ደቂሰ'የ ነይረ ሓደ ዓርከይ ደዊሉ'ዩ ሞሮኮ ከም ዝተዓወተት ነጊርኒ፡ ኣዝየ'የ ተሓጒሰ፡ ኣዚና ኢና ተሓጒስና ዘለና" ኢሉ።

ብምስዓብ "ሓጎስ ዘንቐሎ ስንባደ ኣለኒ፡ እግዝኣብሄር ይመስገን እታ ዋንጫና ተመሊሳትልና ኣላ፡ ኣዝና እና ተሓጒስና ዘለና" ኢሉ።

ኣብ ራባት ጽንብል ሓጎስ ክካየድ እንከሎ ኣብ ዳካር ርእሰ ከተማ ሰኔጋል ግን እቲ ስምዒት ብኣንጻሩ'ዩ ዘሎ።

ዳውበ ሰክ ዝተባሃለ ሰኔጋላዊ መንእሰይ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ደንጽዩኒ'ዩ ዘሎ፡ ድሕሪ ሕጂ ኵዕሶ እግሪ የለን፡ ኣብዚ ነዚ ውሳነ ዝተረድኦን ዝተቐበሎን ዋላ ሓደ ሰብ የለን" ኢሉ።

ብምስዓብ "ሰንቢድና ኢና ዘለና፡ ኣብ መወዳእታ ብልሽውና ዝስዕረሉ ግዜ'ዩ ኮይኑ ዘሎ" ኢሉ።

ሰብ መዚ ሰኔጋል ነቲ ውሳነ ይግባይ ከምዝበልሉ ብምግላጽ፡ ነታ ዋንጫ ካብታ ኣብ ሜዳ ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ድሕሪ ክልተ ወርሒ መንዚዕካ ነታ ዝተስዓረት ምሃብ፡ ንተኣማንንት ካፍ ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ምዃኑ ገሊጾም።

ሓደ ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል'ውን "ካፍ ኣብ ታሪኽ ኵዕሲ እግሪ መስሓቕ ክኸውን ዝተዳለወ'ዩ ዝመስል፡ ኣፍሪቃውያን ድማ ብዛዕባ ኣወዳድባ እዚ ውድድር ብዝምልከት ብዝተባህለን ዝተነቕፈን ኩሉ ግዜ ክላገጹ ክነብሩ'ዮም" ኢሉ።

ራልፍ ናንዳ ዝተበሃለ ሰኔጋላዊ ተማሃራይ ምስ ኤኤፍፒ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት'ውን "ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኣብ ሜዳ ተዓዊታ'ያ፡ እዚ ኸኣ ክኽበር ኣለዎ፡ ሕጊ ስፖርት'ውን ብተመሳሳሊ ክኽበር ኣለዎ" ዝብል ርእይቶ ሂቡ።

 ረቡዕ ኣብ ሰኔጋል ዝተሓተማ ጋዜጣታት ቀደማይ ገጸን ንውሳነ ካፍ ዝቓወም ትሕስቶ ዝሓዘ'ዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ረቡዕ ኣብ ሰኔጋል ዝተሓተማ ጋዜጣታት ቀደማይ ገጸን ንውሳነ ካፍ ዝቓወም ትሕስቶ ዝሓዘ'ዩ ነይሩ

ቅድሚ ሕጂ ጸወታ ገዲፈን ካብ ሜዳ ዝወጽኣ ጋንታታት

ንወሳነ ደኛ ብምቅዋም ተጻወትቲ ካብ ሜዳ ክወጽኡ እዚ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኣይኮነን፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተራእዩ'ዩ።

  • ችኮስላቫክያ ምስ በልጂም (1920)

ኣብ 1920 ሃገራዊት ጋንታ ችኮስላቫክያ ምስ በልጂም ኣብ ኦሎምፒክ ኣንተረፕ ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ጸወታ ክውዳእ 40 ደቂቕ ምስ ተረፎ፡ ነቲ ንሃገራዊት ጋንታ ቤልጂም ፍጹም ቅላዕ ዝሃበ እንግሊዘዊ ዳኛ ብምቕዋም ካብ ሜዳ ወጺኦም።

ተጻወትቲ ቤልጂም ተዓወትቲ ወርቂ መዳልያ ክኾኑ እንከለዉ፡ ችኮስላቫክያ ፈጺማ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ።

  • ሊል ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ (2007)

ፈረንሳዊት ሊልን ማንቸስተር ዩናይትድን ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣናተጻወታ እንከለዋ፡ ንማንቸስተር ዩናይትድ ዝተውሃበት ቅላዕ፡ ተጻወትቲ ሊል እናተዳለዉ እንከለዉ ርያን ጊግስ ቀሊዑ ኣመዝጊብዋ።

ዳኛ ነታ ሸቶ ኣጽዲቕዋ፡ በዚ ዝተቖጥዑ ተጻወትቲ ሊል ካብ ሜዳ ወጺኦም፡ ተመሊሶም ግን ነቲ ጸወታ ዛዚመሞ፡ ብዓወት ማንቸስተር ዩናይትድ ከኣ ተዛዚሙ።

ኣካይድቲ ቻምፕዮንስ ሊግ ንጋንታ ሊል 42 ሽሕ ፓውንድ መቅጻዕቲ በይነሙላ።

  • ፈነርናቸ ምስ ጋላታሳራይ (2024)

ተጻወትቲ ፈነርባቸ ትሕቲ 19 ዓመት ምስ ጋላታሳረያ ኣብ ዝነበሮም ጸወታ ሱር ካፕ ቱርኪ፡ ናብ ሜዳ እትው ምስ በሉ ድሕሪ ሓደ ደቂቕ ካብ ሜዳ ወጺኦም።

እቲ ምኽንያት ከኣ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ሊግ ኣውሮጳ ምስ ኢሎምፕያኮስ ጸወታ ስለዝነበሮም እቲ ምስ ካላታሳረይ ዝነበሮም ጸወታ ናብ ካልእ መዓልቲ ክሰጋገረሎም ዘቕረብዎ ሕቶ ስለዝተነጸገ'ዮም ጸወታ ገዲፎም ካብ ሜዳ ወጺኦም።

ጋንታ ፈነርባቸ ብዝገበረቶ ዘይስፖርታዊ ስነ ምግባር 115 ሽሕ ኤውሮ ክትቅጻዕ እንከላ፡ እቲ ጸወታ ብፎርፉ ብዓወት ጋላታሰራይ ሰለስተ ንዜሮ ከምዝተዛዘመ ተመዝጊቡ።

  • ኮሎምበ ስፖርቲቭ ዱ ሱድ ምስ ፖንተረ ዱ ንደ (2026)

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት እዘን ክልተ ካሜሮናውያን ጋንታት ኣብ ጸወታታት ሱፐር ካፕ ካሜሮን እናተጻወታ እንከለዋ፡ ሓለቃ ጋንታ ኮሎምበ ስፖርቲቭ ኣብ መበል 69 ደቂቕ ብዝፈጸሞ በደል ብቀይሕ ካርድ ካብ ሜዳ ተሰጊጕ ንኣንጻር ጋንታ'ውን ፍጹም ቅላዕ ተዋሂቡ።

በዚ ዝተቖጥዑ ተጻወትቲ ስፖርቲቭ ጸወታ ገዲፎም ካብ ሜዳ ወጺኦም።

እቲ ጸወታ ተቋሪጹ፡ ሰብ መዚ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ካሜሮን ናይ መወዳእታ ብይን ገና ኣይሃቡን ዘለዉ።