ኣፍኮን 2025፡ ሞሮኮ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኰይና - ሰኔጋል ዋንጫ ተመንጢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንውሳነ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ዝተቓወ መንግስቲ ሰኔጋል፡ እቲ ጉዳይ "ናጻ ዓለምለኻዊ መርመራ ክካየደሉ" ጸዊዑ።
ሰኔጋል፡ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዘርኣየቶ ኣካታዒ ምቁራጽ ጸወታ፡ ነቲ ጉዳይ ክምርምር ዝጸንሐ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ነቲ ኣብቲ ዕለት ዝተመዝገበ ውጽኢት ብምስራዙ፡ ሞሮኮ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ 2025 ተባሂላ።
ዳካር ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ኣብ ውሽጢ ካፍ ናይ "ብልሽውና ጥርጣረ" ከምዘሎ ብምኽሳስ'ያ ክጻረ ትጽውዕ ዘላ።
ብ18 ጥሪ 2026 ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ ንሞሮኮ ፍጹም ቅላዕ ምስ ተዋህባ፡ ተጻወትቲ ሰኔጋል ጸዋታ ክቕጽሉ ምእባዮም ይዝከር።
እታ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ኣብ መበል 98 ደቂቕ ጸወታ ክዛዘም 16 ካልኢት ምስ ተረፎ ንሞሮኮ ዝተወሃበት ፍጹም ቅላዕ ንሓያለ ዓመታት ክትዝከር እትነብር ውሳነ ኰይና ተሰኒዳ'ላ።
ኣብቲ እዋን ተጻወትቲ ሰኔጋል ናብ ሜዳ ንክምለሱ ንሓድሕዶም ክለማመኑ 17 ደቂቕ ሓሊፉ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሜዳ ተመሊሶም።
ብራሂም ዲያዝ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ድሕሪ 50 ዓመታት ተዓዋቲት እዚ ውድድር ክትገብራ እትኽእል ፍጹም ቅላዕ ክሃርማ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ'ኳ እንተነበረ ኣይሰመረሉን።
ፔፔ ጓየ ድማ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ዝተረኽበ ዕድል ተጠቒሙ ሰኔጋል ዝተዓወተትላ ሸቶ ኣቝጺሩ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ውጽኢት ብናይ ይግባይ ቦርድ ኣመሓዳሪ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ተገልቢጡ ኣሎ።
ካብ ካፍ ዝወጽአ መግለጺ፡ ሰኔጋል "ናይ መወዳእታ ጸወታ ከም ዝሰዓረት ተኣዊጁ" ከም ዘሎን፡ ውጽኢት ናይቲ ጸወታ ድማ፡ ሞሮኮ "ሰለስተ ንባዶ ከም ዝስዓረት ተመዝጊቡ፡" ክብል ይሕብር።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሰኔጋል፡ ንውሳነ ካፍ ኣብ ቤት ፍርዲ ስፖርት ይግባይ ክብል ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ዘይፍትሓዊ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥን ተቐባልነት ዘይብሉን፡" ክብል ተቓዊሙ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ውሳነ፡ ካፍ "ተቐባልነት ኣለዎ" ዝበሎን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ ዝቐረበን ይግባይ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኣብቲ ሜዳ "ዘርኣየቶ" ንዓንቀጽ 82 ደንቢ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጥሕስ ምዃኑ ዘመልከተ ካፍ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ዓንቀጽ 84 ተግባራዊ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ዓንቀጽ 82 ሓንቲ ጋንታ ብዘይ ፍቓድ ዳኛ ቅድሚ ምዝዛም ጸወታ፡ ምጽዋት እንተኣቢያ ወይ ካብ ሜዳ እንተወጺኣ ከም ተሳዓሪት ተቘጺራ ካብ ውድድር ከም እትእለ ይገልጽ።
ዓንቀጽ 84 ነዚ ድንጋገ ዝድግፍ ኰይኑ፡ ዝዀነት ዓንቀጽ 82 እትጥሕስ ጋንታ ካብ ውድድር ንሓዋሩ ከም እትእለን ኣብቲ ጸወታ ሰለስተ ንባዶ ከም እትስዓርን ይድንግግ።
ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሞሮኮ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ይግባይ ክብሉ ዝወሰድዎ ውሳነ "ንስፖርታዊ ብቕዓት እተን ጋንታታት ንምብዳህ ዝዓለመ ከም ዘይኰነ፡" ብምግላጽ "ኣተገባብራ ደንቢ ናይቲ ውድድር" ንምግምጋም ምዃኑ ገሊጹ።
"እቲ ፈደረሽን ነቲ ሕግታት ንምኽባር፡ ኣብ ውድድር ንጹርነት ንምርግጋጽ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ውድድራት ኣፍሪቃ ምርግጋእ ንምዕቃብ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ የረጋግጽ፡" ይብል እቲ መግለጺ።
ኣብቲ ንኹዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዓቢ ህሞት ዝዀነ ውድድር ኣፍኮን ንዝተሳፋ ሃገራት'ውን ኣመስጊኑ።
ኣቐዲሙ፡ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ሰኔጋል ዋንጫ ኣፍኮን ሒዛ ክትጽንብል ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ኤክስ ተዘርጊሑ ነይሩ።
ጋዜጠኛ ኩዕሶ እግሪ ሰሜን ኣፍሪቃ ማሄር መዛሂ ንቢቢሲ ሬድዮ 5 ላይቭ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ውጽኢት ናይ ምቕያር ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ስምዒታት ከም ዘይቅይሮ ገሊጹ።
"ናይ መወዳእታ 16 ደቓይቕ እቲ ጸወታን ዝረኣናዮን ከነህስሶ ኣይንኽእልን ኢና። ሰኔጋል ዋንጫ ከትወስድ፣ ተጻወትቲ ሜዳልያ ሒዞም ናብ ዓዶም ክኸዱን ክጽንብሉን ከለው ዝርኣናዮ ስምዒት ክንድምስሶ ኣይንኽእልን ኢና።" ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Instagram









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


