'ትንሳኤ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንምብሳር' ሓላፍነት ዝተረከበ ግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ

ኣሰልጣኒ ኮሓ ሓሺም ያኪኒ (ማእከል) ምስ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ ብምዃን ምስ ሰብመዚ ስፖርት ኤርትራ ኣብ ዝተራኸበሉ

ምንጪ ስእሊ, Eri-tv

መግለጺ ስእሊ, ኣሰልጣኒ ሓሺም ያኪን (ማእከል) ፈላሚ ጸወታኡ ኤርትራ እተአንግዶ ግጥም ቅድመ-መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ምስ ኢስዋቲኒ ክኸውን'ዩ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ነታ ጋንታ ንምምዕባል ዝክኣሎ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ዝተመዘዘ ግብጻዊ ኮሓ ሓሺም ያኪን፡ ድሮ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ።

ምስ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ዘመደ ተኽለ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ነታ ካብ ኣገዳሲ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ጋንታ ብምውዳብ ንቕድሚት ክትግስግስ ኣብ ምግባር ክሰርሕ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ኣብ መንግስታዊት ተለቪዢን ኤሪ-ቲቪ ዝቐረበ ጸብጻብ ይጠቅስ።

"ኣብዚ ናብ ኣህጉራዊ ውድድር ትምለሰሉ ዘላ መድረኽ፡ ተወዳዳሪ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ትንሳኤ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንምምስካር ዓቕሙ ከም ዘበርክት" እቲ ግብጻዊ ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ኤርትራ በዚ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ተመሪሓ ናብ ቅድመ-መጻረዪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2027 ብምምላስ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ንንግስነት ኢስዋቲኒ ኣብ ሜዳኣ ብምእንጋድ ቀዳማይ እግሪ ግጥማ ከተካይድ ትጽቢት ይግበረላ።

ኢትዮጵያ'ውን ናብ ሳኦ-ቶመን ፕሪንሲፐን ብምኻድ ፈላሚ መጻረዪ ውድድራ ከተካይድ'ያ።

ብዛዕባ ኩነታት ኩዕሶ ኤርትራ "ኣፈናዊ ሓበሬታ ከምዘለዎ" ዝገለጸ እቲ ኣሰልጣኒ "ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ምስሪ ዓቢ ብቕዓት ኣብ ምምስካር ዝርከብ ዓሊ ሱሌማን ሓቚፋ ብምህላዋ" ተስፋ ከም ዘለዎ ኣሚቱ።

ዓሊ ሱሌማን፡ ኣጥቃዓይ ግብጻዊት ክለብ ካህራባ ኢስማዒልያ (ኤለክትሪክ) ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ 2025 ናብ ምስሪ ቅድሚ ምስግጋሩ'ውን፡ ኣብ ቀዳማይ ዲቪዢን ኢትዮጵያ ምስ ጋንታታት ባህርዳር ከነማን ሃዋሳን ዝጻወት ዝነበረ'ዩ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ዝበዝሕ ዓመታት ምስ ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ብምስላፍ ብቕዓቱ ብምምስካር'ዩ ኣብ ዓይኒ ክለባት ወጻኢ ክኣቱ ክኢሉ።

እቲ ኣሰልጣኒ ንኽንደይ ዓመትን ብኽንደይ ገንዘብን ከም ዝፈረመን ግን ዛጊት ብወግዒ ዝተፈልጠ የለን።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ፡ ተረኺቡ ከም ዝነበረን ደገፉ ከም ዝገለጸን'ውን እቲ ጸብጻብ ማዕከናት መንግስቲ የመልክት።

"ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ምስሪ ብግደኡ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ንዝጸንሓ ክልተኣዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድናታት፡ ኣብ መዳያት ስፖርት ብሓፈሻ፡ ኣብ ንጥፈታት ኩዕሶ እግሪ ድማ ብፍላይ ንምዕማቝ ልዑል ቅሩብነት ከምዘለዋ ሓቢሩ" ይብል ጸብጻብ ኤሪ-ቲቪ።

ኣሰልጣኒ ኮሓ ሓሺም ያኪኒ (ማእከል) ምስ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ ብምዃን ምስ ሰብመዚ ስፖርት ኤርትራ ደው ኢሎም ኣብ መደያይቦ ቤትጽሕፈት ስፖርትን ባህልን ኤርትራ እናተሳእሉ

ምንጪ ስእሊ, Eri-tv

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 2025 ኣብ ዝተዘርግሐ፡ ዓመታዊ ዝወጽእ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዘመልክት ዝርዝር፡ ፊፋ ኣብቲ ዓመት ን210 ሃገራት ኣብ ዝሰርዓሉ፡ ኤርትራ ጥራይ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 48 ኣዋርሕ ብውሕዱ ሓደ ወግዓዊ ውድድር ስለ ዘየካየደት ደረጃ ኣይተዋህባን፡" ብዝብል ካብቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት መርበብ ሓበሬታ ፊፋ ሓቢሩ ነይሩ።

እታ "ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ" እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ለካቲት 2020 ኣትሒዙ ክልተ ኣህጉራዊ ጸወታታት ጥራይ ዘካየደት ክትከውን እንከላ፡ ኣብዚ ናይ ቅድመ መጻረዪ ውድድር ምስ ኤስዋቲኒ ክትገጥም ዕጫ በጺሑዋ'ሎ።

ኤርትራ ካብ ተመሳሳሊ መድረኽ መጻረዪ ውድድር ኣፍኮን ኣብ 2023 ከተንሳሕብ እንከላ፡ ብድሕሪኡ ኣብ 2025 ኣብ ዕጫ ውድድራት እውን ተገሊላ ጸኒሓ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ መጻረዪ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2026፡ ምስታ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሞሮኮ ኣብ ዝተመደበላ ጸወታ፡ ሓደ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ ከም ዘይትሳተፍ ከም ዘፍለጠት ይዝከር።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንዓለምለኻዊ ውድድራት ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ እትወጸሉ ዝነበረት እዋን ተጻወትታ ተሰዊሮም ስለዝጠፍኡ ኣርእስቲ ዜና ማዕከናት ዜና ዓለም ክትከውን ምጽንሓ ይፍለጥ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዋሕዚ ስደት መንእሰያትን ድኹም ምወላን ተሓዊስዎ ድማ እቲ ኣብ ፈለማ ዓመታት ቀልጢፉ ተበራቢሩ ዝነበረ ረስኒ ቅሂሙ፡ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር እናተዳኸመ ምምጽኡ ንብዙሓት ደገፍቲ ዘጕሃየ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ስለዚ ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ነዚ ስጕምቲ'ዚ ምውሳዱ ደገፍቲ ተስፋኦም ከጠጥዑ ዕድል ዝፈጥር ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።

ኣሰልጣኒ ኮሓ ሓሺም ያኪኒ (ማእከል) ምስ ኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ ብምዃን ምስ ሰብመዚ ስፖርት ኤርትራ ኣብ ዝተራኸበሉ

ምንጪ ስእሊ, Eri-tv

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኤርትራዊ ኣቶ ጳውሎስ ወልደሃይማኖት ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመት ፕረዚደንት ባይቶ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ (ሴካፋ) ኮይኑ ከገልግል ተመሪጹ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ኣባል ሴካፋ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ጳውሎስ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንት ሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ፡ እታ ሃገር ኣብ መጻረዪታት ዋንጫ ኣፍሪቃ ኮነ ዋንጫ ዓለም ኣይተሳተፈትን።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እታ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ኣህጉራዊ ውድድራት በዂራ ዝጸንሐት ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ውድድራት ከም ዝተመልሰት ኣበሲሩ ነይሩ።