ኣመሪካ መርከብ ትዓግት - ኢራን ሓድሽ ሕጊ መጻብቦ ሆርሙዝ ተቕርብ
ምንጪ ስእሊ, US Central Command/X
ብመጻብቦ ሆርሙዝ ኣቢሉ ናብ ኢራን ዝግበር ምንቅስቓስ ዝዓገተት ኣመሪካ፡ ባንዴራ ኢራን እተንበልብል ናይ ጽዕነት መርከብ ከምዝዓገተት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።
ትራምፕ፡ ኣብ ትሩዝ ሶሻል መድረኹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እታ ቱስካ ብዝብል እትጽዋዕ መርከብ ደው ክትብል ንዝቐረበላ መጠንቀቕታ መልሲ ብዘይምሃባ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ከምዝተታሕዘት ኣመልኪቱ።
ኢራን ከም ግብረ-መልሲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መርከባት ኣመሪካ መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።
ከም ጸብጻብ ናብ መንግስቲ ዝውግን ማዕከን ዜና ታስኒም፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማያት ባሕሪ ዖማን እዩ ተኻይዱ።
ይዅን እምበር፡ ዛጊት በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዝወረደ ዕንወት ጸብጻብ ኣይቀረበን።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መምርሒ ኢራን ኻታም አል-ኣንቢያ፡ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ "ጥሕሰት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ነዚ ብሓይልታት ባሕሪ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ሽፍትነት ባሕሪ ሕነ ክንፈዲ ኢና፡" ክብል ኣቐዲሙ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጄዲ ቫንስ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝካየድ ካልኣይ ዙር ዝርርብ ዝሳተፍ ልኡኽ ከም ዝመርሕ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ።
ቴህራን ዛጊት ኣብቲ ዝርርብ ከም እትሳተፍ ኣየረጋገጸትን። መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ዕግታ መራኽብ ኣመሪካ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብቲ ዝርርብ ከም ዘይሳተፉ ጸብጺበን ኣለዋ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢራን ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘለዋ ቍጽጽር ፈጺማ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብ ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣዛዚ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ኢብራሂም ዓዚዚ ኣብ ቴህራን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዘይምንዛዕ መሰልና'ዩ" ኢሉ።
"መራኽብ በቲ መጻብቦ ንኽሓልፋ ምፍቃድ ሓዊሱ መሰል ምትሕሕላፍ እትውስን ኢራን እያ።"
እዚ ድማ ኣብ ሕጊ ክስነድ ቀሪቡ ከምዘሎ'ውን ገሊጹ።
እዚ ድማ ኣብ ሕጊ ክስነድ ቀሪቡ ኣሎ ይብል።
"ኣብ ዓንቀጽ 110 ናይቲ ቅዋም ዝተመርኮሰ እማመ ኣብ ባይቶ ነቕርብ ኣለና፤ እዚ ድማ ንኣከባቢ፡ ድሕነት ባሕሪን ሃገራዊ ድሕነትን ዘጠቓልል እዩ። ዕጡቓት ሓይልታት ድማ ነቲ ሕጊ ከተግብርዎ እዮም" ይብል እቲ ንኮሚተ ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወጻኢን ዝመርሕ ኣባል ባይቶ።
እዚ ስትራተጂካዊ መስመር ማይ ምዕጻዉ ኣብ መላእ ዓለም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማት ከጋድድ ዘሎ ስክፍታታት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ኵነታት ብሓደ መዓልቲ ዝፍታሕ ናይ ሓጺር ግዜ ቅልውላው ከምዘይኮነ ይነጽር ኣሎ።
እቲ ኲናት፡ ቴህራን ነቲ መጻብቦ ከም ሓድሽ መሳርሒ ኣጽዋር ክትእዮ ዕድል ከምዝሃባ ዓዚዚ ይገልጽ።
ሕጂ ቴህራን ንመሕለፊ ነቲ መስመር ካብ ምቍጽጻር ሓሊፋ፡ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ከም መደራደሪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንቀጻሊ'ውን ከም መሐለዊ ሚዛን ሓይሊ ክትጥቀመሉ እያ።
"ድሕሪ እቲ ኲናት ንኢራን ቀዳምነት ዝወሃቦ መከላኸሊ ምምላስ'ዩ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ድማ ካብቶም ቀንዲ ስትራተጂያዊ መሳርሒታት ኢራን'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴህራን ተመራማሪ ዝዀነ መሓመድ እስላሚ።
"ቴህራን ካልኦት ሃገራት ካብቲ ኢራን እተውጽኦ ሓድሽ ማዕቀፍ ብኸመይ ክጥቀማ ከም ዝኽእላ ንምዝታይ ድልውቲ'ኳ እንተዀነት፡ ቍጽጽር ግን እቲ ቀንዲ ቍምነገር'ዩ።"
እዚ ግን በተን ኣብቲ ንሓሙሽተ ሰሙናት ዝጸንሐ ኲናት መጥቃዕቲ ዝበጽሐን ገለ ጎረባብቲ ኢራን ድሮ ተነጺጉ ኣሎ።
ዲፕሎማስያዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ "ተግባር ተጻባኢ ሽፍትነት" ክብል ነቲ እማመ ይገልጾ።
ንሱ፡ ኢራን ነዞም ዓለምለኻውያን ማያት ዘለዋ ቍጽጽር ምግዳፍ እንተኣብያ ንኻልኦት ስትራተጂያዊ መስመራት ማይ ዓለም "ሓደገኛ ቅድመ ኵነት" ከም እትኸውን የጠንቅቕ።
ዓዚዚ፡ እቲ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኢራን ዒላማ ዝተገበረ ምዃኑ ብምጥቃስ "ንዞባና ንኣመሪካውያን ዝሸጡ ሸፋቱ ባሕሪ እዮም" ይብል።
ኣመሪካ "ኣብ ዓለም ዝዓበየት ሽፍታ ባሕሪ" ምዃና እውን ይገልጽ።
"ኵሉ ግዜ ንዞባና ንምውሓስ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ኢና ንብል" ክብል ዓዚዚ የስምር።
እዚ ራእይ እዚ፡ ብዘይካ እታ ኣብዚ ዞባ ካብ ዘለዋ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ኢራን ዝዀነት ዖማን፡ ንመብዛሕትአን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝደስከለ ራእይ እዩ። እታ ንደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ናይቲ መጻብቦ እትቈጻጸር ዖማን፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ስሉጥን ውሑስን መተሓላለፊ መራኽብ ንምርግጋጽ ምስ ቴህራን ኣብ ዘተ ተሳቲፋ ነይራ።
ኣብ ውሽጢ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ኢራን'ውን ምልክታት ዘይምርድዳእ ተራእዩ'ዩ – ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ፡ ብዓርቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መጻብቦ ሆርሙዝ "ምሉእ ብምሉእ ክፉት" እዩ ዝብል መግለጺ ኣብ ዝለጠፈሉ እዋን ኣብ ዝተጸሓፉ ነቐፌታታት ተራእዩ'ዩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብቕጽበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "THANK YOU" ብዝብል ጽሑፍ መልሲ ሂቡ።
ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ድማ ምስ ሓለዋ ስወራ ኢራን ዝተኣሳሰራ ማዕከናት ዜና ንኣራግቺ ነቒፈን።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና መህር፡ እቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ "ትራምፕ ክንዮ ክውንነት ክኸይድ፡ ተዓዋቲ ናይቲ ኲናት ምዃኑ ክእውጅን ዓወት ከብዕልን ዝበለጸ ዕድል ከምዝፈጠረሉ" ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ታስኒም ድማ፡ "ብዛዕባ ዳግማይ ምኽፋት መጻብቦ ሆርሙዝ ዘደናግር ዘይንጹርነት ዝፈጠረ ሕማቕን ዘይተማልአን መልእኽቲ" ክብል ገሊጽዎ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይዲ ቫንስ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝካየድ ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ ዝሳተፍ ልኡኽ ክመርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሰበስልጣን ኢራን ክሳብ ሕጂ ብኣፈኛ ባይቶ መሓመድ ባገር ጋሊባፍ እትምራሕ ናይ ገዛእ ርእሶም ጕጅለ ናብ ፓኪስታን ክትከይድ ድያ ኣይትኸድን ዝብል ኣየነጸሩን ዘለዉ።
ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ፡ ኣመሪካ ኣብ ወደባት ኢራን እገዳ ክሳብ ዝገበረት፡ ኢራን ኣብቲ ዘተ ከም ዘይትሳተፍ ይሕብራ ኣለዋ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available