እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ፡ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን
ኣብ ኬንያ፡ ናይሮቢ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ዕልቕልቕን ብውሕዱ 23 ሰባት ሞይቶም።
ፖሊስ ብዘገበሮ ጻዕሪ ኣስታት 30 ሰባት ክድሕኑ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ግን ናብ ሩባታት ከምዝጠሓሉን ገሊኦም ድማ ብኤሌክትሪክ ከምዝተሃስዩ ሓቢሩ።
ኣብ ንብረት እውን ከቢድ ዕንወት ክበጽሕ እንከሎ ብዙሓት ጽርግያታት እውን ክዕጸዉ ተገዲዶም። ኣብ ውሽጢ መካይኖም ዝተዓጸዉ ሰባት ንምሕጋዝ ሰራዊት ኬንያ ተዋፊሩ።
ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ ዘቕንዓ ነፈርቲ፡ ጉዕዞአን ናብታ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሞምባሳ ክቕየራ ተገዲደን እየን።
ፖሊስ ትማሊ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ብርቱዕ ዝናብ ርኡይ ዕልቕልቕ ኣስዒቡ'ሎ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክሳብ ሕጂ 23 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ዕንወት ንብረት፡ ምዕጻው ጽርግያታትን ምምዝባል ነበርትን ኣስዒቡ'ሎ" ኢሉ።
ኣቐዲሙ፡ ወዲ 34 ዓመት ሓላዊ ጸጥታ ጆን ሎማያን፡ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ከባቢ ግሮጋን ሓደ ዝፈልጦ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ብማይ ዝተደፍአት መኪና ተዓጽዩ ከምዝረኣየ ገሊጹ።
"ብማይ ክውሰድ እንከሎ ርእየዮ" ክብል ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።
"ናበይ ከምዝተወስደ ኣይፈለጥናን። ሕጂ ኣብ ትሕቲ መኪና ረኺብናዮ።"
ኣብ ኖይሮቢ፡ መንገዲ ሞምባሳ፡ መንገዲ ኡሁሩ፡ መንገዲ ኪሪንያጋን ገለ ክፋል ኣውራጃ ዌስትላንድስን ዝርከብዎም ቁልፊ ጽርግያታት እውን ብማይ ዓዕለቕሊቖም እዮም።
ሰብመዚ ኬንያ፡ ነበርቲ ብማይ ዝተሸፈነ ጎደናታትን መስመራት ማይን ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ክመኽሩ እንከለዉ፡ ህጹጽ ረድኤት ዝህቡ ሰባት ድማ ንዝተዓጽዉ መራሕቲ መካይንን እግረኛታትን ይሕግዙ።
ኣቐዲሙ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ኬንያ፡ ንነዊሕ እዋን ብርቱዕ ዝናብ ከምዝዘንብ፡ ኣብ ከተማታት ውሕጅ ከምዘጋጥምን ኣጠንቂቑ እዩ።
ብተወሳኺ ዓቐን ሩባታት ክሳብ 9 መጋቢት ክውስኽ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝለዓለ መጠን ዝናብ ክዘንብ ተኽእሎ ከምዘሎ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።