ኣብ ወርሒ ረመዳን ነዊሕን ሓጺርን ናይ ጾም ሰዓታት ዝነበረን ሃገራት ብዓል መን'የን?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተኸተልቲ እምነት እስልምና ጾመ ሮሞዳን ወዲኦም ሎሚ ዒድ ኣል ኣልፈጥር ኣትዮም ኣለዉ።
እቲ ጾም ምስ ምውጻእ ወርሒ ስለ ዝተኣሳሰር፡ እቲ ጾም ዝጅመረሉ ግዜ ዓመታዊ ይቐያየር'ዩ።
እቲ ጾም ዝውድኣሉ መዓልቲ'ውን ብተመሳሳሊ ምስ ምቕልቓል ወርሒ'ዩ ዝተሓሓዝ።
ኣብ እዋን ረመዳን ተኸተልቲ እዚ እምነት መዓልታዊ ጸሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ካብ 29 ክሳብ 30 መዓልታት ይጾሙ።
ካብ ንግሆ ጀሚሮም ከኣ ማይ ይኹን መግቢ ከይለኸፉ ይውዕሉ።
ናይ ጥዕና ጸገም ምስ ዝህልዎም ጥራይ'ዮም ነዚ ጾም ክሰግሩዎ ዝኽእሉ።
ተኸተልቲ እዚ እምነት በቲ ዝነብርዎ ክፋል እዛ ዓለምን ዘለውዎ ወቕትን ተሞርኵሶም ዝጸምዎ ሰዓታት ይፈላለ'ዩ፤ ኣብ ገለ ገለ ክሳብ ን20 ሰዓታት ክጸሙ ዝግደድሉ እዋን ኣሎ።
እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ገለ ክፋል እዚ ዓለም ጸሓይ ቀልጢፋ በሪቓ ዶንጕያ ስለ እትዓርብ'ዩ።
ሃገራት ዘለውኦ ቦታ ብኸመይ'ዩ ንጾም ዝጸልዎ?
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጾም ኣብ ደቡባዊ ንፍቐ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ወቕቲ ሓጋይ'የን ኣሕሊፈንኦ።
ኣብዚ ወቕቲ ከኣ መዓልቲ ካብ ለይቲ ይነውሕ፥ በዚ ምኽንያት ከኣ እቶም ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ዝነወሐ ናይ ጾም ሰዓታት ንኽጾሙ ዝድርኽ'ዩ።
ብኣንጻሩ እተን ኣብ ሰሙናዊ ንፍቐ ክቢ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ወቕቲ ክረምቲ'የን ዘለዋ።
ኣብ እዋን ክረምቲ ከኣ ለይቲ ልዕሊ መዓልቲ ስለ ዝነውሕ፡ እቶም ኣብዚ ካበቢ ዝነብሩ ሰባት ሓጺር ሰዓታት ጾም'ዮም ኣሕሊፎም።
ሰዓታት ለይትን መዓልቲ ከከም ወቕቱን ይነውሕን ይሓጽርን'ዩ።
ኣብ እዋን ሓጋይ መዓልቲ ነዊሕ'ዩ ኣብ ክረምቲ ከኣ ካብ ቅናት ምድሪ እናርሓቕና ክንከይድ እንከለና ለይቲ እናነወሐ ይኸይድ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኣብነት ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ክፋል ቺለ እትርከብ ደሴት ፒዩርቶ ዊልያምስ ጾም ካብ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ክሳብ ሰዓት ምሸት ሰዓት ትሽዓተ'ዩ ዝካየድ።
ኣብታ ጫፍ ኖርወይ እትርከብ እታ ናብ ሰሜናዊ ዋልታ ዝቐረበት ደሴታዊት ከተማ ሎንግይርባይን ዝነብሩ ሰባት፡ ጸሓይ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ በሪቃ ቀትሪ ሰዓት ሓደን ፈረቓን ትዓርብ ስለ ዝነበረት ንሰለስተ ሰዓታትን ፈረቓን ጥራይ'ዮም ዝጾሙ ነይሮም።
እንተዀነ እዞም ኣበዚ ቦታ ዝነብሩ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና እቲ ሰዓታት ኣዝዩ ሓጺር ስለ ዝዀኖም፡ ነቲ ኣብ መካ ዘሎ ሰዓታት ጾም ተኸቲሎም'ዮም ጾሞም ከካይዱ'ዮም ዝመርጹ።
ኣብ መዓልቲ ንኽንደይ ሰዓታት'ዮም ዝጸሙ?
ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣብ መዓልቲ ካብ 12 ክሳብ 13 ሰዓታት'ዮም ዝጾሙ።
ኣብታ ማእከልን ቅድስቲ ቦታን እምነት እስልምና ዝዀነት ከተማ መካ፡ ጾም ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ጀሚሩ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተን ዕስራን'ዩ ዝውዳእ ነይሩ፤ ኣብ ምውዳእ ጾም ረመዳን ግን ብኣስታት ፍርቂ ሰዓታት ወሲኹ ነይሩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ኣብ ደቡባዊ ንፍቐ ክቢ ዝርከቡ ኣስላም ግን ጾም ንኽስዕሩ ወይ ጾም ንኽጅመሩ ነዊሕ ሰዓታት ክጽበዩ ኣለዎም።
ንኣብነት ኣብ ኣርጀንቲና ከተማ ቦይነስ ኣይረስ ዝነብሩ ኣስላም ኣብ ምጅማር ጾመ ሮሞዳን ኣብ መዓልቲ ን13 ሰዓታታን ርብዕን ይጾሙ ነይሮም።
ኣብ ኒውዝላንዳዊት ከተማ ኦክላንድ'ውን ኣብ ምጅማር ጾመ ሮሞዳን ተመመሳሳሊ ሰዓት'ዩ ነይሩ።
ክልቲኤን ከተማታት ኣብ ምዝዛም ጾመ ሮሞዳን ሰዓታት ጾም ብሓደ ሰዓት ጎዲሉለን ነይሩ።
እቲ ምክንያት ድሕሪ ፍርቂ ወርሒ መጋቢት ኣብ ደቡባዊ ንፍቐ ክቢ መዓልቲ ካብ ለይቲ እናሓጸረ ስለ ዝኸይድ'ዩ። ጸሓይ ዶንጕያ ትበርቕ ቀልጢፋ ኸኣ ትዓርብ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እዛ ዓለም'ውን ብተመሳሳሊ ሰዓታት ጾም ይፈላለ'ዩ።
ኣብ ግሪንላንድ ከተማ ኑክ ሮሞዳን ኣብ ዝጀመረሉ፡ ሰባት ንትሽዓተ ሰዓታት'ዮም ዝጾሙ ነይሮም፤ ኣብ ኣጋ ምውዳእ ጾመ ሮሞዳን ግን ሰዓታት ጾም ልዕሊ 12 ሰዓታት ኰይኑ።
ብሓፈሻ ኣብቲ ናብ ሰሜናዊ ዋልታ ዝቐረበ ክፋል ኖርወይ፡ ሩስያን ግሪንላንድን ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ክሳብ ኣስታት 20 ሰዓታት ዝጾሙሉ እዋን'ውን ነይሩ'ዩ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣስላም ንምንታይ'ዮም ዝጾሙ?
ኣብ እዋን ረመዳን ምጻም ሓደ ካብ ኣዕኑድ እዚ እምነት'ዩ፤ ጾም መንፈሳዊ ሓይሊ ይህብ'ዩ ተባሂሉ'ውን ይእመን'ዩ።
ኣብዚ ወቕቲ፡ ተኸተልቲ እዚ እምነት ጾም ቅድሚ ምጅማሮም፡ ጸሓይ ቅድሚ ምውጽኣ 'ስሑር' ወይ 'ሰሂር' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይምገቡ።
ስሑር ናይ ንግሆ ሶላት ዝስገደሉ ሰዓት ኰይኑ፡ ጸወምቲ ኣብዛ ሰዓት ገለ ይጠዓዕሙ።
ብድሕሪ እዚ ጸሓይ ክሳብ ትዓርብ ማይ ይኹን መግቢ ኣይጥዕሙን'ዮም።
ጸሓይ ምስ ዓረበት ከኣ ጾሞም ይስዕሩ ወይ የፍጥሩ። እንተዀነ ኩሉ ኣይኰነን ክጸውም ዝግደድ።
እቲ እምነት ሰባት ብሕማም ወይ ካልእ ዘይስገር ኵነታት ክስዕሩ ወይ ከይጾሙ የፍቕድ'ዩ።
እዚ ከኣ ህጻናት፡ ነብሰ ጾራት ወይ ዝጠቡ ቈልዓ ዘለዋ ኣደ፡ ወርሓዊ ጽግያት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝሓመሙ ወይ ጥዕንኦም ክጸሙ ዘይፍቕደሎም ከምኡ'ውን ኣብ ጉዕዞ ዘለዉ ሰባት ክጸሙ ኣይግደዱን'ዮም።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available