ዕጡቓት ኩርድ፡ ብደቀንስትዮ ጥራይ ዝቘመ ሕቡእ ወተሃደራዊ ቦጦሎኒ
ምንጪ ስእሊ, Valentina Sinis
- Author, ካዎን ኻሞሽ
- Role, ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ
- Reporting from, ዕርቢል፡ዒራቕ
- ንባብ: 6 ደቓይቕ
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዒራቕ ዝመደበሮም ዕጡቓት ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን ኣብ ቀረባ እዋን ዶብ ሰጊሮም ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ናብ ኲናት ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
ኢራን ነዚ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ጉጅለታት ኩርዳውያን መጥቃዕቲ ፈጺማ ኣላ። ብሰንኪ መጥቃዕቲ ባላስቲክ ሚሳይል ሓደ ዕጡቕ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብ7 መጋቢት ኩርዳውያን ኣብ ኢራን ክዋግኡ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
ቢቢሲ ንሓደ ጉጅለ ደቀንስትዮ ዝሓቘ ፈቦጦሎኒ ሳሕቲ ዝርከብ ኣጋጣሚ ብምርካብ ዘዳለዎ ጸብጻብ እነሆ።
ኩርዳውያን ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ኢራን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኣብ ዓሚቝ በዓትታትን ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ገለርያታትን ንምርካብ ሰሙናት ዝወሰደ ትጽቢትን ድርድርን ነይሩ።
ምስጢራዊ መርበብ መራኸቢታት እዩ ዘለወን፤ ኣብ ሓውሲ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዎ ዞባ ኩርዲስታን ካብ ዝዀነ ዓይነት መስመር ርክባት ወጻኢን ኣብ ትሕቲ ራዳርን ይነብራ።
ጓለንስተይቲ ሰኣሊት ጥራይ እያ ናብቲ ዝርከባሉ ቦታ ኣትያ ዓሰርተ መዓልታት ከተሕልፍ ተፈቒዱላ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ኢራን ዝመጽኡ ሓያሎ ጉጅለታት ዓመጽቲ ኩርዳውያን ናብቲ ኣብ ስግር ዶብ ዝርከብ ኣኽራናት ዒራቕ ግዒዞም።
ካብ ስለያ ኢራን ንምህዳም፡ ኣብ ዒራቕን ቱርኪን ምስ ዝርከቡ ኣንጻር ሺዓ ዝዀኑ ሓይልታት ተጸንቢሮም ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዝርከባ ዓበይቲ ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን ጥምረት ብምቛም፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስቶም መራሕቲ ቀጥታዊ ርክብ ብምግባር ናብቲ ኲናት ክጽንበሩ ሓቲቱዎም ዝብል ጽንጽንታ ይቐርብ ኣሎ።
ትራምፕ ብ5 መጋቢት 2026 ምስ ሮይተርስ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ቃለ መሕትት፡ ኩርዳውያን ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዝድግፉ ብምግላጽ፡ "ከምኡ ክገብሩ እንተደልዮም ፅቡቕ ይመስለኒ፡" ኢሉ።
ይኹን እምበር እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መሬት ኢራን እግረኛ ተዋጋእቲ ኩርዳውያን ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
"እቲ ኲናት ካብቲ ዘለዎ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ክንገብሮ ኣይንደልን ኢና፡" ኢሉ።
ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ጉጅለታት ኩርዳውያን መጥቃዕቲ ፈጺማ፡ ሓደ ዕጡቕ ብመጥቃዕቲ ባሊስቲክ ሚሳይል ምሟቱ ይንገር።
ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝተወደቡ ጉጅለታት፡ ሰልፊ ነጻ ህይወት ኩርዲስታን (PJAK) ኰይኑ፡ ናብ ኢራን ተመሊሶም ብመሬት ንምእታው ንዓመታት ክዳለዉ ከም ዝጸንሑ ይዛረቡ።
ጓል 21 ዓመት ኣርየን፡ "ንስድራይን ንነዊሕ እዋን ኣብ ወጽዓ ንዝጸንሐ ህዝበ-ኩርዲስታንን'የ ዝቃለስ፡" ትብል።
ንሳ፡ ኣባል ኣሃዱ ሓይልታት ምክልኻል ደቀንስትዮ ፒጄይኤኬይ እያ።
ኣርየን ከም ኩርዳዊት መጠን፡ ኣብ ኢራን በደልን ኣድልዎን ይበጽሓ ከም ዝነበረን፡ ብረት ካብ ምልዓል ወጻእ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብላን ትዛረብ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት እያ ናብዚ ጕጅለ ተጸንቢራ።
ኣብ ውሽጢ ሚስጥራዊ ወተሃደራዊ መዓስከር
ምንጪ ስእሊ, Valentina Sinis
እቶም ገለርያታት ብመኽዘናት መግቢ፣ ጥረ ገንዘብን ተተኮስትን ዝመልኡ'ዮም። እዚ ጉጅለ፡ ብዝሒ ተጋደልቱ ብሚስጢር'ዩ ዝሕዝ።
እንተዀነ ኣስታት 60 ተጋደልቲ - መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ - ካብ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኢራን ጀሚረን ኣብዚ መደበር ልምምድ ይገብራ ኣለዋ።
እዚአን ብወተሃደራዊ ልምምድ፡ ስነ-ሓሳባዊ መደባት ይሓልፋን ሰፊሕ ክእለት ከም ስልቲ ምትኳስ ስናይፐርን ድሮንን ይለማመዳን።
ኣብ መንጐ ኣመሪካን ኢራንን ዝነበረ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ናብ ዶብ ገጽ ንምውፋር ንምድላው እውን ሕክምናዊ ምርመራ ተገይሩለን።
ጓል 40 ዓመት ገላዌጅ ኤውሪን፡ "እዚ ኲናት ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ እዩ ነይሩ፡" ኢላ።
ኤውሪን፡ ኣብ 20 ዓመታ ኣብ ከተማ ኡርሚያ ኢራን ካብ ዝነበራ ናይ ጂኦግራፊ ትምህርታ ኣቋሪጻ፡ ከም እግረኛ ወተሃደር ኰይና ናብ ፒጄይኤኬይ ተጸንበረት። ድሒራ ድማ ወሃቢት ቃል ኰይና።
ኤውሪን ካብ ሓደ ካብቶም ምስጢራዊ በዓትታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ፍርቂ ህይወታ ኣብዞም ኣኽራናት ከም ዘሕለፈትን፡ ናብኡ ካብ እትኸይድ ንደሓር ድማ ስድርኣ ከም ዘይራኸበትን ትዛረብ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ኻሜኒ እኳ እንተሞተ፡ እቲ ካብ 2022 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኢራን ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ ተኸታታሊ ተቓውሞታት ግን ነታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኣዳኺሙዋ ከም ዘሎ ትዛረብ።
ንሳ፡ ነቲ ብሞት ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት፡ ደቀንስትዮ ሒጃብ ክኽደና ዝጠልብ ሕጊ ብዘይምኽባር ዝተኣስረት ጓል 22 ዓመት ኩርዳዊት ጓለንስተይቲ እያ ትጠቅስ ዘላ።
ምንጪ ስእሊ, Valentina Sinis
እቲ ብሕታዊ ኣማራጺ
ሰበስልጣን ኢራን፡ ነቲ'ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወት፡ ናጽነት' ዝብል ምንቅስቓስ ዝዓበየ ተቓውሞታት ምጭፍላቈም፡ ንገለ ሓደስቲ ኣባላት ፒጄይኤኬ ናብቲ ጉጅለ ንክጽንበራ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ጓል 18 ዓመት ቢገን ናብኡ ቅድሚ ምጽንባራ፡ ኣብቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ተሳቲፉ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድማ ሒጃብ ምግባር ኣብያ።
"ደቀንስትዮ ብዙሕ ምርጫ የብለንን፡" ትብል ቢገን ቀስ ኢላ ንጸጉሪ ሓንቲ ብጺታ ተጋዳሊት እናቘነነት።
"ብ ዘቤታዊ ዓመጽን ማሕበራዊ ገደባትን ኢና ክንሳቐ ወይ ድማ ብሰውራ ንነብስና ክንከላኸል ኣለና።"
ዓመጽቲ ጉጅለታት ኩርዳውያን መብዛሕትኡ ግዜ ህጻናት ወተሃደራት ብምምልማል ይኽሰሱ።
ቢገን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብቲ ጉጅለ ክትጽንበር ከላ ገና ተመሃሪት እያ ነይራ። ኣብዚ መብዛሕትአን፡ ብረታዊ ቃልሲ እቲ እንኰ መዋጽኦና እዩ ይብላ።
"ቃልሰይ ንቐጻሊ ወለዶ ኩርዳውያን ኣብ መጻኢ ሓርነት ምርግጋጽ'ዩ፡" ትብል ኣብ 23 ዓመታ ናብቲ ቃልሲ ዝተፀምበረት ሓኪም ስኒ፡ ደላል።
"ህዝቢ ኩርዳውያን... ዝሓለፉ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ብጭቆናን ዓመጽን እዩ ኣሕሊፉዎ፡" ኢላ።
ፒኤይኤይኬ ኣብ 2004 ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ምስቲ ኣብ ቱርኪ ን40 ዓመታት ድሕሪ ዝጸንሐ ግጭት ዝሓለፈ ዓመት ብረት ዘልዓለ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ተነጻሊ ጉጅለ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን (PKK) ዝተኣሳሰር እዩ።
ፒኤይኤይኬ ነቲ ውሳነ ከም ዘኽብሮ እኳ እንተገለጸ፡ ኩርዳውያን ኢራን ግን ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዕጥቃዊ ተቓውሞኦም ክቕጽሉ እዮም።
ቱርኪን ኢራንን ነዞም ጉጅለታት ከም ግብረሽበራዊ ትካል እየን ዝርእይኦም።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ፡ ንጥፈታት ናይቲ ንብሄራዊ ኣፈላላይ ዝፈጥርን ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ዝብሎ "ሽበራዊ ጉጅለ ፒጃክ" ከም ዝከታተሎ ይገልጽ።
ስግኣት ኲናት ሓድሕድ
ምንጪ ስእሊ, Valentina Sinis
ተጋደልቲ ኩርዳውያን፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ብድሆ ይርድኡ እዮም - ምናልባት'ውን ምስቲ ብግቡእ ዝተዓጠቐ ሓይልታት እስላማዊት ሪፓብሊክ ናብ ቀጥታዊ ግጭት ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ክፍጠር ይኽእል።
"ኲናት ሓድሕድ ከይገጥመና፡" ተስፋ ንገብር ክትብል ኤውሪን ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"እቲ ኲናት፡ ኲናት ናባና ተገልቢጡ ኣብ መጻኢ ንሓድሕድና ክንዋጋእ ንከየገድደና፡ እቲ ስርዓት ንምፍራስ ዝመርሓና ክኸውን ይግባእ፡" ኢላ።
"ማእከላይ ምብራቕ ዳግማይ ይቕየር ኣሎ፡ ህዝቢ ኢራን ድማ ተኣኪቡ ንመጻኢኡ ውሳነ ክወስድ ይግባእ፡" ትብል።
ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢራን፡ ኢራን ካብዚ ኲናት ከም ሞዴል ዲሞክራሲ ናይቲ ዞባ ኰይና ክትወጽእ ተስፋ ኣለዎም፡ እንተዀነ ሃገራውያን ሓይልታት እንተድኣ ስዒሮም ዕንክሊል ከይህሉ ይሰግኡ።
ኩርዳውያን ካብቲ 90 ሚልዮን ህዝቢ ኢራን ክሳብ 10% ዝሕዙ ኰይኖም፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብእስላማዊት ሪፓብሊክ ዝተገለሉን ክስደዱ ዝተገፍዑን ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ቴህራን ኣብ ዞባ ኩርዲስታን ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ ኣላ።
ቢቢሲ ንመራሕቲ እቲ ሓድሽ ጥምረት ኣዘራሪቡ ብዛዕባ ምስ ትራምፕ ዝገበርዎ ዝርርብ ሓቲቱዎም።
ርእይቶ ክህቡ ግን ኣይደለዩን፤ ክሳብ ሕጂ ሓይልታቶም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢራን ከም ዝኣትዉ ዝገልጽ ጸብጻባት እውን ነጺጐሞ።
ይኹን እምበር፡ ፒኬይኤጄይ ድሮ ኣብ መሬት ኢራን "ኣገደስቲ" ዕጡቓት ሓይልታት ከም ዘለዎን፡ ስጉምቲ ክወስዱ ትኽክለኛ ህሞት ይጽበዩ ከም ዘለዉን ይገልጽ።
"ወተሃደራዊ ተሳትፎና ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ነገራት ብኸመይ ከም ዝምዕብሉ ይምርኰስ፡" ክብል ሓደ መራሒ ሓቢሩና።
ቀራና መገዲ
ምንጪ ስእሊ, Valentina Sinis
ካልኦት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኩርዳውያን ኢራን፡ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ከም ዘለዉን ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ይመዝኑ ከም ዘለዉን ይገልጹ።
መራሒ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኢራን ኩርዲስታን ሙስጣፋ ሂጅሪ፡ ዕማሞም "ኣብ እዋን ስግግር ንኢራን ኩርዲስታን ምምሕዳር" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሰዓብቱ ንጸጥታ ከዳኽም ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ ካብ ምፍጻም ክቑጠቡ ጸዊዑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ገለ ኩርዳውያን ተጋደልቲ፡ ኣብ ዝቕጽል ዝዀነ ይኹን ኲናት፡ ደገፍ ኣመሪካ ክንተኣማመነሉ ንኽእል ዶ ኣብ ዝብል ጥርጣረታት ኣለዎም።
ንናይ ኢራን ኩርዳውያን ተዋጋእቲ ዝፈልጥ ምንጪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ተቓወምቲ ጉጅለታት ውሕስነት ዘለዎ ደገፍ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ እንተዘይሃልዩ ኣብ ባይታ ሓይልታቶም ከም ዘየንቀሳቐሱ ሓቢሩ።
ንሱ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ድልዱል ከም ዘሎን፡ ተጋደልቲ ኩርዳውያን ብመሬት መጥቃዕቲ እንተጀሚሮም "ቀታሊ" ዓፌታዊ ስጉምቲ ከጋጥሞም ከም ዝኽእልን ይኣምን።
እተን ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ንደቀንስትዮ ዝሃርፍኦ 'ናጽነት' ነዊሕ ግዜ ኰይኑ ኣሎ።
ደላል ሕጂ ካብቲ ናይ ስልጠና ቦታታት ወጺኣ ናብ ዶብ ቀሪባ ተዋፊራ ኣላ።
ኩርዳውያን ኣብቲ ኣንጻር እስላማዊት ሪፓብሊክ ዝግበር ኲናት እንተተጸንቢሮም፡ ዝዀነ ውግእ ክሳብ ክንደይ ክጸንሕ ከም ዝኽእል፡ ወይ ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ።
ተወሳኺ ጸብጻብ ብቫለንቲና ሲኒስ
ትኽክለኛ ሽም እተን ዕጡቓት ኣይተገለጸን።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available