ሊባኖስ፡ ምስሊ የሱስ ብመዶሻ ዝሰበረ እስራኤላዊ ወተሃደር ዓለምለኻዊ ቍጥዐ ፈጢሩ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ወተሃደር እስራኤል ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ንዝርከብ ሓወልቲ የሱስ ብመዶሻ ክሃርሞ ከሎ ዘርኢ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብርቱዕ ተቓውሞን ቍጥዐን ይቕስቅስ ኣሎ።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ብሰንኪ እቲ ፍጻመ፡ "ደንጽዩንን ሓዚነን፡" ክብል ገሊጹ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ሳር ብወገኑ፡ "በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ከምኡ'ውን ስምዒቶም ንዝተተንከፉ ኣመንቲ ክርስትያን ኵሎም ይቕረታ ንሓትት፡" ኢሉ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝገለጹዎ፡ እቲ ምስሊ ካብተን ኣብ እዋን ውግእ እስራኤልን ሕዝቦላህን ነበርተን ዘይሓደጉወን ዓድታት ሓንቲ ዝዀነት "ደበል" ኣብ ዛሬባ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዝነበረ ሓወልቲ እዩ።
"ነቲ ቅዱስ ምልክትና ዝዀነ መስቀልን ንዅሎም ሃይማኖታዊ ምስልታትን ምድፋር ፈጺምና ንነጽጎ ኢና፡" ዝበሉ መራሒ ጉባኤ ምእመናን ከተማ ደበል ኣቦ ፋዲ ፍላይፈል፡ "እቲ ስጕምቲ ካብ ስልጣነ ዝረሓቐን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን፡" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣቦ ፋዲ ተመሳሳሊ ተግባራት ቅድሚ ሕጂ'ውን ይፍጸም ከም ዝነበረ ወሲኾም ገሊጾም።
ሰራዊት እስራኤል እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘዋወር ዘሎ ምስሊ ሓቀኛ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ሰራዊት ነቲ ፍጻመ፡ "ብዝለዓለ ዕቱብነት" ከም ዝርእዮ ብምግላጽ፡ "እቲ ወተሃደር ዘርኣዮ ተግባር ምስቲ ካብ ኣባላት ሰራዊት ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ስነምግባር ክብርታት ፈጺሙ ዘይሳነ እዩ፡" ኢሉ።
"እቶም ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዘለዎም ኣካላት ግቡእ ስጕምቲ ክውሰደሎም እዩ፡" ዝበለ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ነቲ ሓወልቲ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ምስ ማሕበረሰብ ክርስትያን ይሰርሕ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ብመንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅስ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ እኳ እንተ ወዓለ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት እስራኤል ግን ንሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ ሊባኖስ ተቘጻጺሮሞ ይርከቡ።
እቲ ስምምዕ ንሽዱሽተ ሰሙናት ዝቐጸለ ውግእ እስራኤልን ሕዝቦላህን ንግዜኡ ደው ኣቢሉዎ ይርከብ።
እቲ ምስሊ የሱስ ዝተሰብረሉ ዜና፡ ንኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ እስራኤል ማይክ ሃካቢ ኣቘጢዑዎ እዩ።
ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ተግባር ዝመጣጠን "ቅልጡፍ፡ ጽኑዕን ግልጽን ዝዀነ መቕጻዕቲ፡" ክውሰድ ጸዊዑ።
ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ የማናውያን ተንተንቲ ነቲ ተግባር ሽዑ ንሽዑ ኰኒነሞ ኣለዉ።
ናይ ቅድም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝነበረ ማት ጋይትዝ፡ ነቲ ምስሊ ብምዝርጋሕ "ዘስካሕክሕ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝነበረት መርጆሪ ግሪን እውን ነቲ ምስሊ ብምክፋል፡ "እቲ በብዓመቱ ካብ እንኸፍሎ ግብሪ ቢልዮናት ዶላርን ኣጽዋርን እንህቦ ቀንዲ መሓዛና እዚ እዩ፡" ክትብል ኣላጊጻ።
ኣብ ህዝቢ ዝግበር መጽናዕቲታት ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ንእስራኤል ዘሎ ደገፍ ብዓቢ ደረጃ ጐዲሉ ኣሎ።
ማእከል መጽናዕቲ ፐው ከም ዝሓበሮ፡ 60% ካብ ዓበይቲ ኣመሪካውያን ንእስራኤል ዘለዎም ኣረኣእያ ኣሉታዊ እዩ (ካብ ዝሓለፈ ዓመት 53% ዝነበረ ክውስኽ ተራእዩ)።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፖሊስ እስራኤል ላዕለዋይ መራሒ ካቶሊክ ኢየሩሳሌም ኣብ እዋን ሆሳእና ንጸሎት ናብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ደብረ-ገነት ከይኣቱ ብምኽልካሎም ዓቢ ኣህጉራዊ ተቓውሞ ተላዒሉ ነይሩ።
ፖሊስ እስራኤል እቲ ስጕምቲ ምስ ውግእ ኢራን ተተሓሒዙ ንውሕስነት ተባሂሉ ዝተወሰደ እዩ ክብሉ ምላሽ ሂቦም ነይሮም።
ኣምባሳደር ሃካቢ ነቲ ፍጻመ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ዓቢ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ጌጋ፡" ክብል ረቚሑዎ።
ኣብቲ እዋን፡ እስራኤል ክሳብ 50 ዝበጽሑ ሰባት ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ከካይዱ ትፈቅድ እኳ እንተ ነበረት፡ ንመራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ምኽልካላ ግን፡ "ክርድኣካ ወይ ከተመኻንዮ ዘጸግም እዩ፡" ኢሉ ሃካቢ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝመደበሩ ማእከል ሮሲን ኣብ ናይ 2025 ጸብጻቡ፡ "ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ክርስትና ዝርአ ዘሎ ግልጺ ጽልኢ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ፡" ብምባል፡ እዚ ድማ ምስቲ ብርቱዕ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕን ሕሉፍ-ሃገራውነትን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ገሊጹ።
ናታንያሁ ብዛዕባ ምስባር ሓወልቲ የሱስ ኣመልኪቱ ብእንግሊዝኛ ኣብ ዝጸሓፎ፡ "ኣብ እስራኤል ዘሎ ህዝቢ ክርስትያን ካብ ካልእ ከባቢታት ማእከላይ ምብራቕ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ይስስን ኣሎ፡" ኢሉ።
ወሲኹ እውን፡ "እስራኤል ኣብቲ ዞባ ህዝቢ ክርስትያንን ደረጃ መነባብሮኦምን ዝዓብየላ ዘሎ እንኮ ሃገር እያ። እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንናጽነት ኵሎም እምነታት እትሕሉ እንኮ ቦታ እያ፡" ኢሉ ጽሒፉ።
ሕዝቦላህ ኣብ መወዳእታ ለካቲት እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ውግእ ምስ ጀመራ፡ ንኢራን ንምድጋፍ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሮኬታት ክትኵስ ጀሚሩ።
እስራኤል ድማ ካብ 2 መጋቢት ኣትሒዛ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝጀመረት ኰይና፡ ብሰንኪ እዚ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሊባኖሳውያን ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ከለዉ፡ ልዕሊ 2,290 ሰባት (ብውሕዱ 177 ህጻናትን 100 ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሓዊስካ) ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሊባኖስ ይገልጹ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ 13 ወተሃደራት እስራኤልን ክልተ ሰላማውያን ሰባትን ብመጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን እስራኤል ሓቢሮም ኣለዉ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available