እስራኤል፡ ሬሳ ናይ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተቐትለ ወተሃደራ ንምርካብ ዝዓለመ ስርሒት

ኣብ ናቢ ቺት ሰራዊት እስራኤል ዘብፀሖ ጉድኣት ዝምልከቱ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናቢ ቺት ሰራዊት እስራኤል ዘብፀሖ ጉድኣት ዝምልከቱ ሰባት
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እስራኤል፡ ምስቲ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ተካይዶ ዘላ ናይ ምድርን ኣየርን ኲናት፡ ኣብ ሊባኖስ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሊባኖስ፡ ኣብ ምብራቓዊ ወሽመጥ ቤካ፡ ብሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝተኻየደ ናይ ለይቲ ስርሒት ብውሕዱ 41 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 40 ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ።

ሰለስተ ወተሃደራት ሊባኖስ ካብቶም ዝሞቱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ ህጻናት ዝርከብዎም ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።

እቲ ኣብ ናቢ ቺት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ሊባኖስ ዝጠፍአ ኣባል ሓይሊ ኣየር እስራኤል ሬሳ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።

ትማሊ ቀዳም ኣብ መካነ መቓብር እታ ዓዲ ጉድጓድ ተረኺቡ።

"ኣብኡ ዘሎ መሲሉና ነይሩ፡ ግን ዝኾነ ነገር ኣይተረኽበን" ኢሉ ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ እቲ መቓብር ባዶ ከምዝተረኽበ ብምግላፅ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ህንፃታት ፈራሪሶም፤ ኣብ መሬት ዝተፈጸመ ነትጒ ስዒቡ ድማ፡ ዓቢ ጕድጓድ ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ'ቲ ፍርስራስ፡ እቲ ከባቢ ኣብ ሓደ እዋን መንበሪ ሰላማውያን ሰባት ከምዝነበረ ዘመልክቱ ፡ መጻሕፍቲ ህጻናት፡ ስእልታትን ኣቕሑ ምግቢን ሓዊሱ ፋሕ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ሂዝቦላህ፡ ጋዜጠኛታት ናብታ ዓዲ ክኣትዉ ብምፍቃድ፡ ስፍሓት እቲ ዕንወት ንምርኣይ ኣፍቂዱ ኣሎ።

እቲ ዕጡቕን ፖለቲካዊ ጉጅለ፡ ብእስረኣል፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ከም ግብረሽበራዊ ውድብ ተበይኑ ይርከብ።

ሰራዊት ሊባኖስ ትማሊ ዓርቢ ኣጋምሸት ኣርባዕተ ነፈርቲ እስራኤል ናብ ዶብ ሊባኖስ- ምስ ሶርያ ኣብ ዘዳውብ ክፅገዓ ከምዝረእየን፤ ክልተ ካብኣተን ከምዝዓለባን ፍሉይ ሓይሊ ከምዘውረዳን ተመልኪቱ ።

ወሲኹ ድማ ብኡንብኡ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር" ከምዝተጀመረ ሓቢሩ።

ካብቲ ኣብ መንጎ ሕዝቦላን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክርሕቕ ዝደለየ ሰራዊት ሊባኖስ፡ ነቲ ኩነታት ምዕላብ ንመርዳእን፡ "ቅልጡፍ ናይ ምክልኻልን ስጉምትታት" ከምዝወሰደ ገሊጹ።

ኣብ ናቢ ቺት ኣብ መንጎ ወተሃደራት እስራኤልን ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን ከምኡ'ውን ንገዝኦም ዝከላኸሉ ሲቪላት ግጭት ተላዒሉ።

"ኣብ ሓደ ክፋል እታ ዓዲ ፍርቂ ለይቲ ዘይተለመደ ምንቅስቓሳት ሰሚዕና። ንፍሉይ ተልእኾ ዝመፀት ጉጅለ ኮማንዶ እስራኤል እያ ነይራ" ይብል ሓደ በዓል ስልጣን ናይቲ ከባቢ።

"ድሕሪኡ እቶም ሰልፈኛታት ከቢቦምዎም፡ ከቢድ ምልውዋጥ ተኹሲ ድማ ተጀሚሩ። ድሕሪኡ ሓይሊ ኣየር መጥቃዕታቱ ኣሐይሉ፡ ከቢድ ጉድኣት ድማ ኣስዒቡ።"

ኣብ ፕላስቲክ ዝተዘርግሑ ቅልሃታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብቐዳም ካብ ዝተተኰሱ ጠያይቲ ዝተረኽቡ ቅልሃታት

ሕዝቦላህን ነበርቲ እቲ ከባቢን፡ እስራኤል ነቶም ፍሉያት ሓይልታት ሽፋን ንምሃብን ካብቲ ቦታ ክወጹ ንምፍቃድን ኣብቲ ከባቢ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ገሊጾም።

እቶም ወተሃደራት እስራኤል ናይ ሊባኖስ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ከምዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ዀይኖም፣ ኣርማ ናይ ሕዝቦላህ ዘለዋ እስላማዊ ውድብ ጥዕና ዝሓዘት ኣምቡላንስ ሒዞም ከምዝኣተዉ ይሕብሩ።

ሓላፊ ሰራዊት ሊባኖስ ድሒሩ፡ እዚ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣረጋጊጹ፤ እንተኾነ ሰራዊት እስራኤል ርእይቶ ክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ሰራዊት እስራኤል ካብቲ ከባቢ ዝወፅኡ ዀይኖም፡ እቲ ስርሒት ቅድሚ ምጅማሩ ሰላማውያን ሰባት ክወጹ ተኣዚዞም ከምዝነበሩ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣኮኡን ካልኦት ኣዝማዱን ዝተቐትሉዎ መሓመድ ቾከር፡ ንሱን ስድርኡን ምስ ሕዝቦላህ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሎም ስለዝፈልጡ፡ ብተዛማዲ ውሕስነት ከምዝተሰምዖም ይዛረብ።

"ኣኮይን ወዱን ጡረተኛታት ወተሃደራት እዮም፡ እቲ ካልእ ወደይ ድማ መምህር እዩ። ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጉጅለ ምትእስሳር የብልናን። ሺዓ ኢና፤ ንሕዝቦላህ ንፈትዎ ኢና፤ እንተኾነ ግን ኣባላት ሕዝቦላህ ኣይኮንናን። ኩላትና ኣባላት ሰራዊት ሊባኖስ ኢና" ኢሉ።

"ሎሚ'ኸ እንታይ ክስምዓኒ ኣለዎ? እዚ ኣኮይ፡ ደቁን ደቆምን እዮም።"

ሔዝቢላህን ሰንደቅ ኣላመ የያዘ ሰው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በናቢ ቺት ለሔዝቦላህ ያለው ድጋፍ አሁንም ጠንካራ ነው

ኣብቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብታ ከባቢ ዝነበሩ ደቂ ዓዲን ናብ ካልእ ቦታ ዝሃደሙን ነቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ ዕንወት ንምርኣይ ተኣኻኺቦም ነይሮም።

"ኣብ ኹሉ ቦምባታት ኣዝኒቦም። ኣዝዩ ዘስካሕክሕ'ዩ" ይብል ዓሊ ሻኩር።

"እቶም ኣብዚ ዝፀንሑ ሰባት ዝገረሞም ይመስለኒ፤ ምኽንያቱ ቦምባታት ክድርብዩ ከለዉ ኩሉ ሰብ ዝወፅአ እዩ መሲልዎም ነይሩ።"

ካልእ ወዲ'ታ ዓዲ፡ ገለ ሰባት ደቆም ከውጽኡ ገይሮም፡ ካልኦት ግን ዝኾነ መጥቃዕቲ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ከም ዝኸውን ኣሚኖም ኣብኡ ፀኒሖም።

"መብዛሕትኡ ግዜ ክልተ ሰለስተ ገዛውቲ ይሃርሙ ነይሮም፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን ዝተፈላለየ'ዩ ነይሩ። ቀጻሊ'ዩ ነይሩ። ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ ክትዕዘብ ትኽእል ኢኻ" ይብል።

"ንሕና ኣብዚ ዘለና ግን ኣይንስዓርን ኢና ኢልና፡ ተዋጊእናዮም ኢና።"

"እስራኤል ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ተጥቅዓና ኣላ፡ ንሕና ሕዝቦላህ ኢና ክንዕወት ኢና" ትብል ሓንቲ በቶም ዝዓነወ ገዛውቲ ትዘውር ዝነበረት ሰበይቲ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ናይ ለይቲ ስርሒት ዝዀነ ወተሃደር ከምዘይተጎድአ ኣፍሊጡ።