እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኢማራት ዝምወሉ ዕሱባት ኣብ ሱዳን ዝገበርዎ ዘቃልዕ ሓድሽ ጸብጻብ
ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ካብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ብኢማራት ዝምወል መርበብ ዕሱባት ኮሎምቢያውያን፡ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተሰሊፎም ንከተማ ኣልፋሸር ንምቍጽጻር ምሕጋዞም ከምዘረጋገጸ የቃልዕ።
እቲ 'ኮንፍሊክት ኢንሳይትስ ግሩፕ' (CIG) ዝጽዋዕ ትካል ትንታነ ጉዳያት ጸጥታ፡ ዘካየዶ መርመራ፡ እቶም ኮሎምቢያውያን ዝጥቀሙለን ንዝነበሩ ሞባይል ተሌፎናት ተኸታቲሉ ዝረኸቦ መረዳእታ ምርኩስ ዝገበረ እዩ።
ኢማራት ኣብቲ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ብምድጋፍ እትገብሮ ምትእትታው ክይነጽግ ጸኒሓ እያ።
ኣብ ርእሲኡ ኢማራት፡ ምስ እስራኤል ብዘለዋ ርክብ፡ ኣብ ሱዳን ንዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒታት ከይትኽሰስ ከለላ ክግበረላ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ኣል-ፋሸር ኣብ ትሕቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ምውዳቓ ሓደ ካብቶም ኣረሜናዊ ምዕራፋት ናይቲ ግጭት ኮይኑ፡ ኣብ ዓለምና ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሞቱን፡ ሚልዮናት ካብ ገዝኦም ክፈናቐሉን ዘገደደን እዩ።
ትካል ሲኣይጂ፡ ተሳትፎ ኢማራት ኣብ ሱዳን ብጭብጢ ንምርካብ ዝሕግዝ መርትዖታት ብቐረባ ክከታተል ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ፡ "ብምትእምማን ከነረጋግጸሉ እንኽእል ተሳትፎ ኢማራት ዘረጋግጽ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ'ዩ" ክብል ዳይረክተር እቲ ትካል ጃስቲን ሊንች ይገልጽ።
"ብዛዕባ'ቲ ኣብ መንጎ ኣቡዳቢን ዳዕመ-ሰሪዕን ዘሎ - መንግስታት ካብ ነዊሕ እዋን ዝፈልጥዎ - ቀጥታዊ ርክብ - ንህዝቢ ንገልጾ ኣለና፡" ይብል።
እቲ ጸብጻብ፡ "ዳዕመ ሰሪዕ ንኣልፋሸር ቅድሚ ምቍጽጻሩ፡ ዕሱባት ኮሎምቢያውያን፡ ምስ ድሮናቶም ካብ ኢማራት ናብ ሱዳን ክጓዓዙ እንከለዉ ተኸታቲሉ እዩ።
"እዞም ኣብ ስርሒታት ድሮን ዝነጥፉ ዕሱባት፡ ምስ ካብ ኢማራት ዓረብ ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ኩባንያ ዝተኣሳሰር - ዝጥቀሙሉ መርበብ ዋይፋይ፡ ኣስማቶምን ኣሃዱታቶምን ብደቂቕ ረኺቡ ዝዳሰሰ እዩ።"
ፕረዚደንት ኮሎምብያ ጉስታቮ ፔትሮ ዝሓለፈ ዓመት ነቶም ኮሎምቢያውያን ዕሱባት፡ "ተዋሳእቲ ሞት" ኢሉ ብምግላጽ፡ ነቲ መስርሕ ምልመላ፡ "ሓደ መልክዕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት" ክብል ከም ዝገለጾን ይዝከር።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ርኽበት ንመንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተወኪሱ እዩ።
ኢማራት ዓረብ ኣቐዲማ ነቲ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ እያ ዝብል ክሲ፡ "ናይ ሓሶትን መሰረት ዘይብሉን" ክትብል ብምንጻግ፡ ነቲ ኣብ ኣል-ፋሸር ዝተፈጸመ ግፍዕታት "ብተሪር ቃላት" ዝዅንን መግለጺታት ኣውጺኣ ነይራ።
ንኽልቲኦም ወገናት ተዋጋእቲ ሱዳን ዝግበር ደገፍ ናይ ደገ ደገፋት፡ ንምቕጻልን ንምስፍሕፋሕን ኲናት ሓድሕድ ወሳኒ ረቛሒ ኰይኑ ከምዝጸንሐ ተንተንቲ ይሰማምዑ።
ሲኣይጂ፡ ኣብ መንጎ ሚያዝያ 2025ን ጥሪ ናይዚ ዓመትን ኣብ ሱዳን ዝርከባ ልዕሊ 50 እቶም ኮሎምቢያውያን ኦፐሬተራት ድሮን ዝጥቀሙለን ሞባይላት ተኸታቲሉ። ገለ ካብዘን ተሌፎናት ድማ ኣብቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝቈጻጸሮ ድሮናት ዝትኰሰሉን ከባቢታት ዘለዋ ምዃነን ኣረጋጊጹ።
ብተወሳኺ መረዳእታ ምክትታል በረራታት፡ ምስሊ ሳተላይት፡ ቪድዮታት ማሕበራዊ ሚድያ፡ ዜናን ኣካዳሚያዊ ጽሑፋትን ተወኪሱ መጽናዕቱ ከም ዝደገፈ ይገልጽ።
እቲ ጸብጻብ፡ ዳታን እቶም ኮሎምቢያውያን ዝተጓዕዙሉ ንጹር መስመራት ከምዘርኢ ይሕብር፤ ኣብቲ ዞባ ብዝተፈላለየ ቦታታት እናተንቀሳቐሱ ከም ዝተኸታተለን ድማ ኣመልኪቱ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኣቡዳቢ ዝርከብ ማእከል ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣልጋያቲ ከም ወሳኒ ማእከል ኣለልዩ።
ገለ ካብቲ ምርመራ፡ ሓንቲ ተሌፎን ካብ ኮሎምብያ ነቒላ፡ ናብ ኣቡዳቢ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ - ዛይድ፣ ብድሕሪኡ ድማ ናብቲ መደበር ታዕሊም ኣልጋያቲ ክትከይድ ተኸታቲሉ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐት ድማ ብቋንቋ ስጳኛ ዝግበር ርክብ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ተሌፎናት እውን ረኺቡን ተኸታቲሉን።
ድሒሩ፡ ክልተ ካብዘን ተሌፎናት ናብ ከባቢ ደቡብ ዳርፉር - ሱዳን ተጓዒዘን። ካልእ ተሌፎን ድማ ናብታ ከም ቀንዲ መደበር ዳዕመ-ሰሪዕ ምዃና እትፍለጥ ከተማ ንያላ ከይዳ።
ኣብ ንያላ፡ እታ ተሌፎን ምስ "ANTIAEREO" (ብስጳንኛ "ጸረ-ነፋሪት") ከምኡ'ውን "AirDefense" ዝበሃሉ መርበባት ዋይፋይ ተራኺባ።
እቲ ጸብጻብ፡ ንያላ ኣገዳሲት ማእከል ኮሎምብያውያን ዕሱባትን ስርሒታት ድሮን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ምዃና ይሕብር። ሲኣይጂ ኣብኡ ብዙሕ ንጥፈታት ድሮናት እውን መዝጊቡ፤ ቋንቋ ስጳኛ ዝጥቀሙ ልዕሊ 40 መሳርሒታት ድማ ረኺቡን ተኸታቲሉን።
ኣብ ካልእ ኣብነት ድማ፡ ትካል ትንታነ ጸጥታ - ሲኣይጂ - ካብ ኮሎምብያ ብቐጥታ ናብ ንያላ፣ ድሕሪኡ ድማ ናብታ ኣብ ሰሜን ዳርፉር እትርከብ ከተማ ኣል-ፋሸር ዝተንቀሳቐሰት ሞባይል ተኸታቲሉ።
እዚ፡ ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ሰራዊት ዳዕመ-ስሪዕ ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ከበባ ነታ ከተማ ዝተቘጻጸረሉ እዋን ምዃኑ እዩ።
እታ ሞባይል፡ ኣብ ኣል-ፋሸር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ምስ "ATACADOR" ዝበሃል መርበብ ዋይፋይ ተኣሳሲራ ነይራ። እዚ ማለት ብስጳንኛ "ኣጥቃዓይ" ማለት እዩ። እቲ ጸብጻብ፡ ካልኦት ምስ ኮሎምብያውያን ዕሱባት ዝተኣሳሰራ ተሌፎናት እውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብኡ ከም ዝነበራ ኣረጋጊጹ።
ኣብቲ እዋን ከበባ፡ ኣል-ፋሸር ብኸቢድ ተደብዲባ እያ፤ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ድማ ተሃስዮም።
እታ ከተማ ኣብ ኢድ ዳዕመ-ሰሪዕ ምውዳቓ ስዒቡ ዘስካሕክሕ ግፍዒታት ተፈጺሙ። መርመርቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) እዚ ተግባራት ገበናት ኲናትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጾም። መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ዓመጽ ምልክታት ምጽናት ዓሌት ዘመልክት ምዃኑ'ውን ገሊጾም።
እቲ ጸብጻብ፡ መርበብ ኢማራትን ኮሎምብያን ናይቲ ዘጋጠመ ገበን ሓላፍነት ከም ዝካፈል ይሕብር።
ሊንች ዝተባህለ ተመራማሪ፡ ብዘይ እቶም ዕሱባት ኮሎምቢያውያን፡ ዝገበርዎ ስርሒታት ድሮንን፡ ምሉእ ዘይጕዱል ቀረባት ኢማራትን፡ ስፍሓት ናይቲ ዓመጽ ከምዚ ኣይምዀነን ክብል ይምጕት። ኣብ እዋን ከበባ እውን እቶም ኮሎምቢያውያን ገዚፍ ደገፍ ንዳዕመ-ሰሪዕ ከምዝገበሩ መርትዖታት የረጋግጹ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቶም ኮሎምቢያውያን ኣብ ትሕቲ፡ ተዃሉ ምድረበዳ ተባሂላ እትፍለጥ ብርጌድ ተሰሊፎም፤ ከም ኦፐሬተራት ድሮን፡ ኦፐሬተራት ከበድቲ ብረትን ኣሰልጠንቲን ኰይኖም እዮም ኣገልጊሎም።
'ብርጌድ ተዃሉ ምድረበዳ'፡ ብኣልቫሮ ኪጃኖ ዝተባህለ ጥሮተኛ ኮሎኔል ሰራዊት ኮሎምብያ ከም እትምራሕ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ኣልቫሮ ኣብ ኢማራት ዝመደበሩ ኰይኑ፡ ኮሎምብያውያን ኣብ ሱዳን ክዋግኡ ብምምልማል ብኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እገዳ ዝተገብረሉን እዩ።
ተዃሉ ምድረበዳ፡ ኣብ ኢማራት ምስ ዝመደበሩ ሓደ ኩባንያ ውዕል ዝገበረት ኰይና ክፍሊታ እውን ብመንገዲ እቲ ኩባንያ እያ ትቕበል፤ እዚ ኩባንያ ድማ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኢማራት ርክብ ከምዘለዎ La Silla Vacía ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኮሎምቢያን ካልኦት ሰነዳትን ተወኪሱ እቲ ጸብጻብ ኣቃሊዑ።
ትካል ሲኣይጂ፡ ኣብ ሓደ ምስ ኢማራት ዝተኣሳሰር ወደብ ሶማልያ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሊብያ፡ እትርከብ ማእከል ሎጀስቲክስ ዳዕመ-ስሪዕ ምዃና ዝእመን ከተማ፡ ብቋንቋ ስጳኛ ርክባት ዘካይዳ መሳርሒታት እውን ኣለልዩ እዩ።
ቍጽሪ ዕሱባት ኮሎምብያ ኣብ ሱዳን ብኣማኢት ከም ዝዀነ ይግመት።
ኣመሪካ ንውልቀሰባትን ኩባንያታትን ብጉዳይ ሱዳን ተኣሳሲሩ ብዝገብርዎ ምልመላ ክልተ ግዜ እገዳታት ኣንቢራ ነይራ።
ክፍሊ ትረዠሪ ኣመሪካ፡ ኮሎምብያውያን ዕሱባት፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ንኣል-ፋሸር ንኽቈጻጸር ከም ዝሓገዙ እኳ እንተገለጸ፡ ነዚ ግን ብቐጥታ ምስ ኢማራት ምትእስሳሩ ከም ዘጸግም እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።