እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሙጋቤ ንመቀናቕንቱ ምስ 'ዩሁዳ ኣስቆረታዊ' የመሳስሎም
ናይ ዚምባዌ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋቤ፡ ንገለ ስሞም ዘይጠቐሶም ኣባላት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ፡ ቀልጢፉ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይደፋፍኡ ኣለዉ ብምባል ምስ ዩሁዳ ከም ዘመሳሰሎም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ቀብሪ ናይ ሓደ ኣባል ሰልፊ ዛኑ-ፒፍ (ZANU-PF) ዘስመዖ መደረ፡ ወዲ 93 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ሙጋቤ፡ ገለ ሓለፍቲ እቲ ሰልፊ ብመዓልቲ ከምዝድግፍዎን ብድሕሪኡ ግን ኣንጻሩ ከምዝኣልሙን ተዛሪቡ።
" ገሊኦም ከምቶም እየሱስ ኣብታ ናይ [ሃዋርያት] መኣዲ ዝተዛረበሎም እዮም። 'ካባኻትኩም ሓደ ከትሕዘኒ'ዩ'። ይሁዳ ኣስቆረታውያን ኣብ ሞንጎና ኣለዉ።
"ናይ መሪሕነት ለውጢ ንምትግባር'ዩ ዕላማኦም። ፕረዚደንት ክወርድ'ዮም ዝደፋፍኡ። ብኢደ ወነነይ ኣይኮንኩን ስልጣን ጨቢጠ፡ ብህዝቢ'የ ተመሪጸ፡ ናይ ህዝቢ ዙፋን'ዩ እዚ" ክብል ወቒሱ።
ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዙምባብዌ ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትሳቐ ከምዘላን፡ ብሰንክ'ዚ ንግዳዊ ትካላት ካብ ጸሊም ዕዳጋ ዶላር ኣሜሪካ ክገዝኣ ይግደዳ'ለዋ። በዚ ምኽንያት ድማ ዋጋ መሰረታውያን ሃለኽቲ ክውስኽ ኪኢሉ'ሎ።
እንተኾነ ግና፡ ፕረዚደንት ሙጋቤ፡ ዝኾነ መረጋገጺ ከይሃበ፡ ንገለ ሰባት ኮነ ኢሎም "ዝቕባበን ናይ ፍርሒ ምሽማትን ንምልዕዓል" ዝፈጠርዎ ምውቕቓዕ'ዩ ክብል ይኸስስ።