ውቁባት ስእልታት ኣፍሪቃ ናይዚ ሰሙን፡ 30 ታሕሳስ 2022 - 5 ጥሪ 2023

ካብ ዙርያ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ምሩጽ ስእልታት ናይዚ ሰሙን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኤርትራ ሳሕቲ ኣብ ዝርከብ ስእልታት፡ ኣብ ከተማ ከረን፡ ማርያም ደዓሪት፡ ኣብ ውሽጢ ገረብ ዱማ ዝርከብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ድርፎ፡ ከባቢ ከተማ ኣስመራ፡ ተማሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኬፕታውን ነቲ ዓመታዊ ዝጽምበል ፌስቲቫል ዋጣ ኬፕ ንምድላው ገጹ ብሕብርታት ዝተቀብኣ ቆልዓ፤ እቲ በዓል ብሰንኪ ኮቪድ ንኽልተ ዓመታታ ከይተኻየደ እዩ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ፌስቲቫል ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ጎደናታት ምርኢት ኣቕሪቦም፤ እቲ ልምዲ ካብ እዋን ባርነት ዝጀመረ ባህሊ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሓንቲ ሱዳናዊት ሰበይቲ ቆጽሊ ስየ ተጠቂማ ዘንቢል ትሰርሕ ኣል-ሳቃይ ከባቢ ካርቱም ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ጋምብያ፡ ባንጁል፡ ብሰኑይ ዓመታዊ ፌስቲቫል ሃድን ክካየድ እንከሎ ነበርቲ ንዝበለጸ ርእሲ እንስሳ፡ ማስኬራን ክዳውንትን ይወዳደሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብሞት ጳጳስ ቤነዲክት XVI ዝሓዘኑ ዩጋንዳውያን ሓዘኖም ንምግላጽ ኣብ ባሲሊካ ሰማእታት ዩጋንዳ ተኣኪቦም 31 ታሕሳስ 2022

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወደባዊት ከተማ ናቢል፡ ቱኒዝያ፡ ሓምበስቲ ሓድሽ ዓመት ንምጽንባል ናብ ማእከላይ ባሕሪ ይኣትው።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ከቢድ ውዕሎ ኣብ ስራሕ፡ ሓደ ግብጻዊ ሓረስታይ ንሻሂን ሽጋራን ዘዕረፈ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ፡ ናይሮቢ፡ ገለ ነበርቲ ንሓድሽ ዓመት ኣብ ደገ ብዝተኻየደ መደብ ጸሎት ይጽንብሉ ...

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካልኦት ከኣ ንሓድሽ ዓመት ብልጭታ ንምፍጣር ዝቃጸል ዕንጨይቲ ብምሽክርካር ጸንቢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ያውንደ ካሜሩን ነቲ ሎሚ ዓርቢ ዝጽምበል ፌስቲቫል ንምድላው ኣእዳዋ ብሒኛ ዝወቀበ ሰበይቲ

መሰል ቅዳሕ ስእልታት ዝተሓለወ እዩ።