ጉዕዞ ህይወት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ብስእሊ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ኣለክሳንድራ ሜሪ ዊንድሶር ኣብ 21 ሚያዝያ 1926 ኣብ ለንደን ተወሊዳ። ቀዳማይቲ ውላድ ኣልበርትን ኤልሳቤጥን እያ

ጉዕዞ ህይወት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣቓልቦ ህዝቢ ዝስሕብ እዩ ነይሩ። እዞም ስእልታት ካብ ህጻንነተን ክሳዕ ንብሪጣንያ ንዝነውሐ እዋን ንግስቲ ኮይነን ዘገልገላሉ ዘበናት ዘመልክቱ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ እዋን ቁልዕነተን ንግስቲ ክኾና ትጽቢት ኣይነበረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እንተኾነ ካብ ቁልዕነተን ጀሚሩ ናይ ሓላፍነት ስምዒት የርእያ ከምዝነበራ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥን ኣብ 1930 ዝተወለደት ሓፍተን ማርጋሬት ሮዝን ኣብ ገዛ እየን ተማሂረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1936 ንጉስ ኤድዋርድ፡ ንግስንኡ ምግዳፉ ስዒቡ፡ ኣቦ ኤልሳቤጥ ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ ክስመ እንከሎ ንሰን ድማ ወራሲት ኮና

ምንጪ ስእሊ, Topical Press Agency / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኤልሳቤጥን ሓፍተን ማርጋሬትን ናብ ዊንድሶር ግዒዘን ነይረን። ኣብ ቢቢሲ መደብ ህጻናት፡ ንህዝቢ መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፋሉ እዋን ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ንሓጺር እዋን፡ መኪና ብምዝዋርን ብምጽጋንን ኣብ ሰራዊት ተሳቲፈን

ምንጪ ስእሊ, Bert Hardy / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1947፡ ዳሕራይ መስፍን ኤደንብራ ንዝኾነ ናይ ርሑቕ ዘመደን ፊሊፕ ሞንትባተን ተመርዕየን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ቦኽሪ ወዶም ቻርለስ ኣብ 1948 ተወሊዱ፡ ሓፍቱ ኣኒ ድማ ኣብ 1950 ስዒባ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ዕድሚኣ ምሉእ ንኣዲኣ ዝቐረበት እያ ነይራ። ኣብ 1952 ኣብ መርዓ ተዓዲመን ዝተስኣለኦ ፎቶ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1952 ኤልሳቤጥ ነቲ ሓሚሙ ዝነበረ ኣቦአን በምውካል ምስ ፊሊፕ ናብ ወጻኢ ገይሸን። እቲ ንጉስ ድሕሪ ሒደት መዓልቲታት ደቂሱ እንከሎ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤልሳቤጥ ብቕልጡፍ ናብ ገዝአን ተመለሳ፤ እተን ሓዳስ ንግስቲ ጓል 26 ዓመት እየን ኔረን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ጆርጅ ሻድሻይ

ምንጪ ስእሊ, Universal History Archive

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1953 ድማ ኣብ ዌስትሚኒስተር ንግስነት ተሸይመን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኮይነን ምስ ተሸማ ምስ ፊሊፕ ብምዃን፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ንዝተኣከበ ህዝቢ ሰላምታ ኣቕሪበን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1957 እተን ንግስቲ ፈላማይ ብቴሌቪዥን ዝቐረበ ናይ በዓል ልደት መልእኽቲ ኣሕሊፈን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ናብ ጎረባብተን እናበጽሓ፡1958

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ጓለን ልእልቲ ኣኒ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር

ምንጪ ስእሊ, Mirrorpix / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1966 ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንሓለቓ ናይታ ዋንጫ ዓለም ዝወሰደት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንዝነበረ ቦቢ ሙር ሽልማት ዋንጫ ሂበን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ 1966 ኣብ ዌልስ ብዝበጸሐ ምህማም መሬት 144 ሰባት ዝሞትሉ ከባቢ ዑደት እናገበራ

ምንጪ ስእሊ, Mirrorpix / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንህይወት እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ኣመልኪቱ ንፈለማ እዋን ዝወጸ ሰነዳዊ ፊልም ተመልከተቲ ዘይተጸበይዎ ርድኢት ፈጢሩሎም

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1977 እታ ሃገር መበል 25 ዓመት ንግስና ብሩራዊ ኢዮቤልዮ ናይተን ንግስቲ ኣኽቢራ። ኤልሳቤጥ ነታ ሃገር ኣብ ዝዞራሉ ድማ ካብ ህዝቢ ልዑል ኣቀባብላ ተገይሩለን።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ዓሰርተ መዓልቲታት ኣብ 36 ሃገራት ምብጻሕ ኣካዪደን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ባህላዊ ምርኢት ኒውዚላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1981 ቦኽሪ ውላድ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ልኡል ቻርለስ፡ ምስ ዲያና ስፐንሰር ተሞርዕዩ። ዲያና ኣብ 1997 ብሓደጋ መኪና ሞይታ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ 1992 በዓል ልደት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብሰንኪ ምፍራስ ሓዳር ሰለስተ ደቀን ከምኡ'ውን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድሶር ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ እቲ ዓመት ከቢድ ከምዝገበረ ገሊጸን።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ሞት ልእልቲ ዌልስ ዝነበረት ዲያና፡ እተን ንግስቲ ናብ ህዝቢ ስለዘይተርኣያ ወቐሳ በጺሕወን ነይሩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ግን ነቲ ኣብ ኣፍደገ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ዝተኻየደ ዝኽሪ በጺሐን ብቴሌቪዥን መልእኽቲ ሓዘን ኣመሓላሊፈን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2000፡ ኣዶ ንግስቲ ኤልሳቤጥ መበል 100 ዓመተን ኣኽቢረን፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ (የማን) ልእልቲ ማርጋሬት (ጸጋም)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2002 ሓፍተን ልእልቲ ማርጋሬትን ኣዲአንን ብሸውዓተ ሰሙን ኣፈላላይ ሞይተን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጽምብል ንግስና ወርቃዊ እዮቤልዮ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, መበል 80 ዓመት ዕለተ ልደት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ መርዓ ወዲ ወደን ልኡል ዊልያምን ካትሪን ሚድልተንን፡ 2011

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ልኡል ፊሊፕ
መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ምስ ኣክተር ዳኒኤል ክሬግ ኣብ መኽፈቲ በዓል ለንደን ኦሎምፒክ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, በዓል ልደት 90 ዓመት ንግስቲ ኤልሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልኡል ፊሊፕ ጥሮታ ምውጽኡ ስዒቡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣብ ህዝባዊ ስራሕቲ ንበይና ትረአ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Chris Allerton / SussexRoyal

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥን ልኡል ፊሊፕን ምስ ልኡል ሰሴክስ ዝነበረ ሃሪ፣ በዓልቲ ቤቱን ወዱን። ምስሳን እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣብ ዳሕራይ ህይወት እታ ንግስቲ ባህታ ካብ ዝፈጠሩ ነገራት ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, በዓል ቤት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ልኡል ፊሊፕ፡ 9 ሚያዝያ 2021 ኣብ 99 ዓመቱ ሞይቶም።

ምንጪ ስእሊ, Duchess of Cambridge

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ኣርባዕተ ደቂ፣ ሸሞንተ ደቂ ደቅን 12 ደቂ ደቂ ደቅን ገዲፈን