ድሕሪ ሓያል ነታጒ ዝዓነወት ከተማ ሊባኖስ ብስእሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, በይሩት ድሕሪ እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ

ርእሰ-ከተማ ሊባኖለስ በይሩት፡ ድሕሪ እቲ ዝጋጠመ ሓያል ነታጒ፡ ኣብ ስንደባደ እያ ትርከብ።

በቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ክሞቱ እንከው ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ቆሲሎም ኣለው። እታ ከተማ'ውን ዳርጋ ዓንያ ክበሃል ይከኣል እዩ።

እቲ ዝተፈንጀረ ነታጒ ኣሽሓት ኪ.ሜ ርሒቁ ክሳብ ሳይፕረስ ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ።

ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ነታጒ ብሰንቲ እቲ ንልዕሊ 6 ዓመት ኣብ መኽዘን ተቐሚጡ ዝነበረ ኣሞንየም ናይትረት (ammonium nitrate) ከምዝጋጠመ እዩ ዝገልጹ ዘለው።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ በይሩት ሓደ ሰብኣይ ንዝተጎድኣት ጓል ተሰኪሙ ናብ ካልእ ቦታ እናወሰዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝዓመነወ ገዛውትን ንብረትን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, በቲ ነታጒ ዝቆሰለ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, በቲ ነታጒ ሰንቢዳ ኣብ ጎደና ትበኪ ዘሎ ጓል-ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, በቲ ነታጒ ዝዓነወ ሆተል

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ካብቲ ቦታ ነታጒ ሓያል ትኪ ይወጽእ ኣሎ

All photos subject to copyright.