እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣመሪካ ኣዋጅ ዕጽዋ ንካልኣይ ግዘ ክትግበር ጀሚሩ
ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ዝርገሐ ኮቪድ 19 ካብ 2.5 ሚልዮን ዝዛየደ ኾእኑ፡ ፍሎሪዳን ቴክሳስን ዝተብሃላ ግዝኣታት፡ ኣዋጅ ዕጽዋ መሊሰን ክትግብራ ወሲነን።
ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ኣብዘን ደቡባዊ ግዝኣታት ኣዝዩ ኣስጋኢ እዩ ተባሂሉ።
እቲ ለበዳ ኣብዘን ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተጋደደ፡ ምስ ምኽፋት ስራሕቲ ንግዲ ተኣሳሲሩ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ፍሎሪዳ ንበይና 9500 ሓደሽቲ መልከፍትታት መዝጊባ እያ። ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓርቢ ግን፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 9 ሽሕ ጥራይ እዩ ነይሩ።
እዚ ደማ፡ ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትካላት ንግዲ ዕጽዋ ከትርሩ ኣበራቢርዎም ኣሎ። ኣብ ቴክሳስ’ውን ከምኡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዱ።
ብብርኪ ሃገርከ?
ኣብ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ፡ እታ ሃገር ከቢድ ጸገም ከምዘለዋ እዩ ተዛሪቡ።
ኣብ ኣመሪካ ዛጊድ ልዕሊ 125 ሽሕ ሰባት በቲ ለበዳ ህይወቶም ስኢኖም እዮም። እዚ ድማ፡ ካብ ዓለም ቀደማይቲ እዩ ዝገብራ።
እቲ ኣማኻሪ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ እቲ ዝርገሐ እንታይ ይመስል ዝብል ገምጋም ንምብራህ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ደግሲ ምስ ምፍኳስ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ዝተኣሳሰር ከምዝኸውን እዩ ተዛሪቡ።
ኣብ ሰባት’ውን ዕሽሽ ምባል ከምዘሎ ወሲኹ ኣብሪሁ። “ሰባት ከይፈለጡ ንናይ ባዕሎም ሰባት እዮም ዝልክሙ ዘለዉ” ኢሉ።
ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዝብሎ፡ ኣብ ኣመሪካ ዛጊድ ልዕሊ 2.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።
እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ምውሳኹ፡ ምናልባሽ ምስ ብበዝሒ መርመራ ምክያድ ዘተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝዝረብ ዘሎ።
ገለ ሰብ ሞያ፡ እቲ ዝርገሐ ልዕል እቲ ዝተገለጸ 10 ዕጽፊ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጹ ኣለዉ።
ማእኸል ምቁጽጻር ሕማም ኣመሪካ፡ እቲ መልከፍቲ ክሳብ 20 ሚልዮን ክበጽሕ ከምዝኽእል እዩ ዝእምት።
ነዚ ሕማም ምልባዕ ምኽንያት ዝኾኑ ዘለዉ ድማ መናእሰይ እዮም ተባሂሉ።
መንግስቲ ኣመሪካ ግን፡ እቲ ለበዳ ኣብ ምቁጸዕጻር ዕውት ስራሕ ሰሪሐ እዩ ዝብል።
ኣብ ቴክሳስን ፍሎሪዳን እንታይ እዩ ዝግበር ዘሎ?
ፍሎሪዳ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 9,585 ሓደሽቲ ረኽስታት እያ መዝጊባ።
ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ደግሲ፡ እዚ እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ኾይኑ ተመዝጊቡ’ሎ።
ብሐፈሻ ኣብታ ግዝኣት፡ ዛጊድ 132 ሽሕ ሰባት እንትልከፉ፡ 3300 ድማ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
እዘን ደቡባዊ ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ቴክሳስ፣ ፍሎሪዳን ኣሪዞናን ብሐፈሻ ዓብዪ ስግኣት እዩ ኣንጸላለዩዎን ዘሎ።
እቲ ኣልዒለንኦ ዝነበራ ናይ ዕጽዋ ስጉምትታት ድማ፡ መሊሰን ንምትግባር ይሸባሸባ ኣለዋ።
ንኣብነት ኣብ ፍሎሪዳን ቴክሳስን፡ ኣልኮል ዝሸጣ ኣብያተ መስተ ጠጠው ከብላ ተኣዊጁ ኣሎ።
ኣብያተ መግቢ’ውን ዝህበኦ ኣገልግሎት ብ50 ሚኢታዊ ክንክዩ ተኣዚዞም ኣለዉ።
መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንዘይገብሩ ሰባት ድማ ድሮ ምቕጻዕ ተጀሚሩ ኣሎ።
ጋለና ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ቴክሳስ ድማ፡ ድሕሪ 12 ሰዓት ናይ ምሸት ሰብ ከይንቀሳቐስ ዝእግድ ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጃ ኣላ።
ሆስፒታላት መሊአን ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ከየብላ’ውን ስግኣት ከምዘሎ፡ ኣማሓዳሪ ናይታ ግዝኣት ተዛሪቡ።