ኣዲኡ ንኣሰልጣኒ ኢንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ብኮሮናቫይረስ ዓሪፋ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣዲኡ ንኣሰልጣኒ ኢንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ፐፕ ጋርዲዮላ ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፋ ዓሪፋ።
ጓል 82 ዓመት፡ ዶሎርስ ሳላ ካሪዮ፡ እቲ ቫይረስ ከም ዝሓዛ ድሕሪ ምርግጋጹ'ያ ኣብ ባርሴሎና ዓሪፋ።
"ምስዛ ክለብ ምትእስሳር ዘለዎ ኩሉ፡ ንፔፔ፣ ቤተሰቡን መሓዙቱን ዝተስምዖም ልባዊ ሓዘንም ይገልጹ" ክትብል ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጻ።
እቲ ሎሚ ዝወጽአ ሞት ናይ 637 ሰባት ሓዊሱ፡ ቁጽሪ ምውታት ኣብ ስጳኛ 13055 በጺሑ ይርከብ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available
{{rankTranslation}}